ድለ

ካርዲናል ካንታላሜሳ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ዘመነ ጾም ኣርብዓ ካርዲናል ካንታላሜሳ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ዘመነ ጾም ኣርብዓ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ካርዲናል ካንታላሜሳ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ዘመነ ጾም ኣርብዓ

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ ኢየሱስ ብርሃን ዓለም እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ዕለት 1 መጋቢት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣካላት ኣብ ዘካየድዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰባኺ ቤት ጳጳስ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ ዓርቢ ዕለት 29 ለካቲት ኣብቲ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ኣስተንትኖ፥ "ንዓና ሎሚ፡ ኢየሱስ ብርሃን ዓለም፡ ዝእመንን ዝተኣወጀን ሓቂ እዩ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ይኹን እምበር "እዚ ዘይኮነሉ ጊዜ እውን ከም ዘጋጥምን፡ ልክዕ "ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ዘጋጥመና፡ ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ዝምለሶ" ወይ ድማ "ንግሆ መስኮት ከፊትካ ብርሃን ክኣቱ ከም እንገብሮ እንክቡ ብዘቕረብዎ ኣብነት ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲክን ይሕብር።

ብርሃን ዓለም

ካርዲናል ካንታላሜሳ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ዝብል ቃል ኢየሱስ ንዓና ኣብዚን ሕጂን እንታይ ትርጉም ኣለዎ ኣንክብሉ ሕቶ ብምቕራብ፥ “ብርሃን ዓለም” ዝብል ኣበሃህላ ክልተ መሰረታዊ ትርጉማት ከም ዘለዎ ኣጉሊሖም፥ እቲ ቀዳማይ፥ "ኢየሱስ ብርሃን ዓለም እዩ" ዝብል ኮይኑ፡ "ንሱ ልዑልን ፍጻሜ ግልጸት ኣምላኽ ንደቂ ሰባት እዩ" ዝብል ትርጉም ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ካልኣይ ትርጉሙ ድማ፡ "ንዓለም ብርሃን የብርህ" ማለት "ገዛእ ርእሱ ንዓለም ይገልጽ፤ ንኹሉ ሓቅነቱ የርእዮ፡ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ምዃናዊ ሓቅነቱ ይገልጽ፡” ዝብል ትርጉም ገሊጾም ምስ እዚ እተሓሒዞም ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ትርጉም ዝፍጠር ወይ ዝረአይ ክትዓትን ዘይምርድዳእን ምህላዉ ኣፍልጦ ይህቡ።

ካብቲ ናይ ኣምላኽ ዘይኮነ ምርሓቕ

ኢየሱስ ንዓለም ከም ዘብርህ ከስተንትኑ እንከለዉ፥ ነቲ ተርእዮ ዓለማውነት ክኹንኖ ከም ዝኸደን

"ምስዛ ዓለም እዚኣ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ተሰማሚዕካ ምኻድ ዝብል ኣነብብራ ዘለዎ ሓደጋ ኣብ ሃይማኖታውን መንፈሳውን መዳይ ምስቲ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኢልና እንጽውዖ ነገራት ዝመሳሰል ኢዩ።"

"ዝኾነ ሰብ እዚ ሓደጋ እዚ ኣብ ልዕለይ ኣየንጸላለወን እዩ ክብል ከም ዘይክል ብምዝኽካር፡ . . . "ካብ ዓለም እንተ ዘይጾምኩም መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክትረኽብዋን ኢኹም" ብምባል የብርሁ።

ተመሳሲለ ክሓድር ዘይምባል

“ካብ ዓለም ምጿዋም . . . ምናልባት ሎሚ ካብ ኩሉ ኣድላዪ ዝኾነ ጾም ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ "እታ ብኣምላኽ እተፈጥረትን እተፈቀረትን ዓለም ካብ ዘይመሳሰል ምርሓቕ ዝብል እዩ!”

እዚ እምበኣር እታ ንድኻታትን ዝተደርበዩን ኣብ መከራን ሕሰምን ዝርከቡላ ዓለም ክንዋፈር ዝተጸዋዕና ምዃንና የዘኻኽረና እንክብሉ የነጽሩ።

"እቲ ለውጢ ብቐዳምነት በቲ እንሓስቦ ኣገባብ ክፍጸም ኣለዎ" ብምባል ነዚ ሓሳብ እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስትያን ሮማ ፥” እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ክትምርስክሩ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። (ሮሜ 12፡2)” እንክብል ዝሃቦ ምዕዳን መሰረት ገይሮም የብርሁ።

ዓለማውነት ምቅላስ

ካርዲናል ካንታላመሳ ኣብ መበገሲ ዓለማውነት ብዙሓት ጠንቅታት ከምዘለዎ ኣሚኖም፡ እቲ ቀንዲ ግን "ቅልውላው እምነት” ዝብል ምኻኑ ብምሕባር፡ "ኣብዚ ኣንጻር እቲ ኣብ ደገና ዘሎ ዓለም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጥና ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ዓቢ ምጽንናዕና፡ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ምእንታና ናብ ኣቦ ዘቕርቦ ጸሎት ምቕጻሉ'ዩ" እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓምሻይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ይዛዝሙ።

02 March 2024, 16:48