ድለ

2024.03.12 Mons. Paul Richard Gallagher alla celebrazione Eucaristica alla Parrocchia latina di Swefieh ad Amman, Giordania 2024.03.12 Mons. Paul Richard Gallagher alla celebrazione Eucaristica alla Parrocchia latina di Swefieh ad Amman, Giordania 

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር፦ “ኣብ ቃዛ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት ተቐባልነት ዘይብሉ ኢዩ”

ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገረ ዮርዳኖስ ሥነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ንምግባር ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት - ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግጭት ቅድስቲ መንበር "ንመሰረታዊ ሥርዓት ደቅሰብ ካብ ምርግጋጽ ድሕር ኣይትብልን ኢያ፣" እዚ ድማ ካብ ሳዕቤን ውግእ "ንሰላማውያን ሰባት ናይ ምዕቋብ ግዴታ" ስለ ዘለዋ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ብዛዕባ ህዝቢ ቃዛ ምስ ተሻቐሉ ኢዩም። ምስቶም ኣብ ቍምስና ቅድስቲ ስድራ ዝነብሩ ክርስትያናን ከኣ "ዳርጋ መዓልታዊ ኢዮም ብስልኪ ዝራኸቡ።" ስለዚ ነቲ "ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ቃዛን ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ደው ንምባል ብርቱዕ ጻዕሪ ከም ዘድሊ" ዝገልጽ ጻውዒት ምድግጋሞም ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ምስ መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ትማሊ ሰኑይ ዕለት 11 መጋቢት፣ ነቲ ኣብ ኣማን ዮርዳኖስ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ  ትካል ግብረ-ሰናይ ሃገረ ዮርዳኖስ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ነዚ ኣጸቢቑ ኣጉሊሕዎ ይርከብ ። እዞም ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ካብ ዕለት 11 ክሳዕ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት ናይቲ ምስ ቅድስቲ መንበር ዝተገብረ ሥነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ንምዝካር ናብታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገረ ዮርዳኖስ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ንኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ሁሰይን ቺብሊ ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፣ ነቲ ንጉስ ኣቡዳለህ ዳግማዊን ከምኡውን ኵሎም ህዝቢ ዮርዳኖስ ዘርኣይዎ "ልግሲ ዝመልኦ ደገፍን ድንጋጽን" መስከሩ ። ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ብነፋሪት ንምእካብን ንምድላውን ንምጕዕዓዝን እተገብረ ዕዮ ዓቢ ክርስትያናዊ ዋጋ ዘለዎ ተግባር ምዃኑ ድማ ገለጹ ። ብሓቂ ድማ ኩሉ ጊዜ ዕጥቃዊ ግጭታት ዘሕዝን ፍጻመ ምዃኑ እንክገልጹ፣ ብፁዕነቶም ከምዚ በሉ - "እቲ ኣብ ኣልባብ ኵሎም ውልቀ-ሰባትን ኵሎም ህዝብታትን እተቐርጸ መሰረታዊ ሥርዓት ደቅሰብ፣ ንሰላማውያን ሰባት ካብ ሳዕቤን ናይዚ ግጭታት ናይ ምዕቋብ ግዴታ ከም ዘጠቓልል ካብ ምድጋም ድሕር ኣይብልን ኢና።" እቲ ዘሕዝን ግን "ብዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ እተረጋገጸ ንነፍሲ ወከፍ ሰላማዊ ሰብ ኣብ ሆስፒታላትን ኣብያተ - ትምህርትን ከምኡውን ኣብ ቦታታት ኣምልኾ ዕቝባ ምርካብ " መብዛሕትኡ ግዜ ብስም ወተሃደራዊ ምኽኒታት በቶም ተዋጋእቲ ጕጅለታት ኢዩ ዝጥሓስ ዘሎ ። እዚ ኸኣ ናብ "ዋጋ ህይወት ወድሰብ" ዚትርጐም ከቢድ በደል እዩ፣ ስለዚ ድማ ብኸምዚ ኣይነት ውጥናት ፈጺሙ ኺበላሾ የብሉን። ስለዚ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋላገር "ነቶም እተጐድኡ ሰላማውያን ሰባት ብቕልጡፍን ብዘይ ዕንቅፋትን ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ክረኽቡ ኣለዎም " ብምባል ረዚን ማዕዳ ኣቕረቡሎም ።

ኣብዚ መዳይ እዞም ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝኾኑ እታ ኣብ ዮርዳኖስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ፣ በቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ከምኡውን በቲ ብፁዕነቶም ዝመስከሩሉ ካሪታስ ብኸመይ ከም እተሳተፈት እንደገና ዘከሩ ። ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ነቶም ኣብ ቃዛ ኣብ እትርከብ ቁምስና ቅድስቲ ስድራ ተዓቊቦም ዝርከቡ 600 ክርስትያን ተመዛበልቲ ማለት ካቶሊካውያንን ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ምእመናንን ከይንርስዖም ብምምሕጻን ከምዚ በሉ - "ሓሳባትናን ጸሎትናን ምስቶም ግዳያት ኰነ ምስ ስድራቤቶም ኢዩ።”

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ኣስዒቦም "እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ውን ብህጹጽ ክፍትሑን ናብቶም ብሃንቀውታ ዝጽበይዎም ዘለዉ ቤተሰቦም ክምለሱን" ከምኡውን "በርገሳዊ ህዝቢ ፍልስጥኤም ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ብደሓን ክረኽቡ ኢዮም " ዝብል ተስፋ ብምግላጽ ነቲ ናይ ግብረሰናይ ማሕበር፣ ስለቲ ኣብ ግንባር ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ  ረድኤት ዘወፍዮ ዘሎ ዓቢ ጻዕሪ እንደገና ብምምስጋንን፣ ሓባራዊ ሰላም ክረክብ ከም ዘድሊ ብምግላጽን መደረኦም ዛዘሙ ።

ብፁዕነቶም ኣብቲ ትማሊ ምስ ላቲናዊ ፓትርያርክ የሩሳሌም ፔርባቲስታ ፒሳባላ ኮይኖም ነቶም ኣባላት ናይታ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘላ ጉባኤ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ኣብታ ኣብ ኣማን እትርከብ ቅድስተ ማርያም ዘናዝሬት እትበሃል ላቲናዊት ቤተ - ክርስትያን ኣብ ዝዓረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንእተሳተፉ እውን ከይተረፈ ተስፋ ኸይትቝረሱ ተስፋ ኸይትቑረጹ ክብሉ ኣተባብዕዎም ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ይብሉ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስት ጋለገር "ክርስትያን ምእመናን ብቛንቋኦም ኪጽልዩ ኣይክእሉን እዮም ዘለዉ፣ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ኣብያተ-ክርስትያን ኪሃንጹ ኣይክእሉን እዮም፣ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወት ንኺሳተፉ ናጽነት የብሎምን፣ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ናይ ሓቅን ዓመጻ ዝመልኦን ስደት ይወርዶም ኣሎ" በሉ።  ኣጆኹም ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ዓብዪ እዩ፣'"ድማ በልዎም። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋለገር ከም ዝበልዎ "ንጴጥሮስን ንተካእቱን ቤተ-ክርስትያኑ ዝሃንጸሉ ኸውሒ ገይሩ ዘቘሞ" ጐይታ ባዕሉ ኢዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናይ ክርስትያናዊ ሓድነት ዝርአ መሰረታዊ ስርዓት" ገበሮም ። ኣብዚ ሓድነት እዚ ኸኣ ኢዩ ጸሎት ክውለድ ዘለዎ፣ እዚ ድማ "ብምልእታ እታ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርሂሓ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ማለት ምእንቲ ሰላም ምጽላይ" ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣትሪሮም ዝተዛረቡ ። ኣብዚ መዳይ እዚ እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ግንቦት 2014 ናብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርካዊ ምብጻሕ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ስታድዩም ኣማን ንዝበልዎ ቃላት ብምዝካር ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ብህጹጽ ውግእ ደው ንኽብል ጻውዒት ኣቕረቡ ።  ቋንቋ ባህሊ ሃይማኖት፣ ንቝስሊ ጌጋታትን ዘይምርድዳእን ክርክርን ዜሕዊ ዘይቲ ምሕረቱን ኽንቀብኦ ኣሎና፣ ብትሕትናን ብርሕራሔን ኣብቲ ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ዘሳትፍ ግን ከኣ ፍረ ዘለዎ መገዲ ኺሰደልና ንለምን" እንክብሉ ድማ ስብከቶም ዛዘሙ።

14 March 2024, 15:33