ድለ

ቅድስቲ መንበር፦ ኣብ ሓደ ሲሶ ዓለም ሃይማኖታዊ ናጽነት ይግሃስ ቅድስቲ መንበር፦ ኣብ ሓደ ሲሶ ዓለም ሃይማኖታዊ ናጽነት ይግሃስ 

ቅድስቲ መንበር፦ ኣብ ሓደ ሲሶ ዓለም ሃይማኖታዊ ናጽነት ይግሃስ

ኣብ መበል 55 ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝርከባ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንኮላይ ግህሰት ናይ ሃያማኖት ናጽነት ንምፍታሕ ዳግማይ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ክካየድ ተላብዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻር ናጽነት ኣተሓሳስባን ሕልናን ሃይማኖትን ሓዊሱ ሰብኣዊ መሰላት ብዘሰክፍ ደረጃ ይግሃስ ከም ዘሎ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከባ ውድባት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራዊ ውድባትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባለስትረሮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ የተሓሳስቡ።

ኣድልዎን ስደትን ኣመንቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ሊቀ ጳጳስ ኤቶረ ባሌስትረሮ ኣብቲ ዕለት 26 ለካቲት ዝጀመረ መበል 55 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝፍጸም ኣድልዎን ስደትን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ዳርጋ ኣብ ሓደ ሲሶ ሃገራት ዓለም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም ዝግሃስን ንኣስታት 4.9 ቢልዮን ሰባት ከም ዝጸሉን ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሶም መረዳእታ ብምሃብ፡

እዞም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (RDC) ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከባ ውድባት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራዊ ውድባትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባለስትረሮ፡ ኣብ ገለ ምዕራባውያን ሃገራት፡ “ብጉልባብ ‘ምጽውዋርን ምውህሃድን’ ሃይማኖታዊ ኣድልዎን ሜማ - ኣበር ንምርካብ ብምሕላን ዝፍጸም መመራታት ይሰፍሕ ኣሎ” ብምባል ጓሂኦም ይገልጹ፡

“መጀመርታ ‘ናይ ጽልኢ ዘረባ’ ንምምካት ዝዓለመ ሕጊ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንመሰል ናጽነት ኣተሓሳስባ፡ ሕልናን ሃይማኖትን ኣብ ሕቶ ዘእቱ መጋበርያ ኮይኑ፡ ናብ ሜማን ‘ክትዛረቦ ዘዝለካን ዘይብልካን’ ናብ ዘስገድድ ኣንፈት ይመርሕ ኣሎ”

ክብሪ ሰብኣውነት ሰብ ንምሕላው ኣህጉራዊ ምትሕብባር

ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘተየሉ ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ብዝምልከት ሊቀ ጳጳስ ባሌስትረሮ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ብዝሓ ውልታዊ ዓለም ንዘሎ ህሉው ብድሆታት ንምፍታሕ “ዝያዳ ኣድማዒ” ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ምክያድ፡ “ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም መባእታውያን ዝኾኑ ክብሪ ንምድልዳል” ክተግሁ ኣለዎም እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ 1948 ዓ.ን. ብኵላዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (UDHR) ዝተገልጸ መሰረት ሰላም ዝኾነ ክብሪ ሰብኣውነት ሰብ ኣተኮይሩ ክቕጽል ኣለዎ።

ብዝሓ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ንምምሕያሽ፡ “ኣብ ሰብኣውነት ክብሪ ዝሰረቱ ክብርታት ምቕባል” ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ድማ ብግዲኡ “ብዛዕባ እዚ ብኑባሬ ዘሎ ባህርያዊ ክብሪ ሰብ ናይ ሓባር ራእይ ዳግማይ ምህናጽ” ይሓትት፥

“ሰናይ ካብቲ ሓቅን ብኑባሬ ኣብ ሰብኣዊ ባህርይና ሱር ዝሰደደን ክንፈልዮ ኣይንኽእልን ኢና።”

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምክልኻል መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት እዩ

ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምምዕባልን ኣጠቓቕማን ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎ (AI) እውን መሪሕ መትከል ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ፥ "ኣብዚ ዓውዲ ዝረአ ምዕባለታት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብርን ምስ ሰብኣዊ ዓቕምና ክወዳደር ዘይኮነስ ከገልግልን ይግባእ - ቢሎም - “ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከም ዕዉት ክቑጸር ዝኽእል ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክንዋሳእን መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብርታት ምስ እንድግፍን ጥራይ እዩ።”

“ንክብሪ ወዲ ሰብ ምኽባር፡ ፍሉይነት ናይቲ ሰብኣዊ ሰብ ንምልላይ ወይ ናብ ሕሳባዊ ሕግታት ወይ ናብ እኩብ ጸብጻብ ንምንካይ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ክንነጽጎን፡ ዝተራቐቁ ስርዓታት ድማ ዕጫ ደቂ ሰባት ብናቶም ክውስኑ ዘይምፍቃድን ይሓትት።”

ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ቀጺሎም ብዙሓት ካብዞም ሎሚ ዘጋጥሙና ዘለዉ ብድሆታት “ንሰብኣዊ ክብሪ ዘይምኽባርን ንሓድሕድና ዘለና ምትእስሳር ካብ ዘይምፍላጥን” ዝምንጩ ምዃኑ ገሊጾም።

"ሓድሽ መሰላት" ንሰብኣዊ ክብርን ሕውነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ

ንቅዱስ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብ ኣብ ሕቶ ዘእቱ፡ “ኩሉ ግዜ ምስቲ ብሓቂ ንሰብኣውነት ሰብ ሰናይ ዝኾነ ዘይሰማማዕ” “ሓድሽ መሰላት” ዝበሃሉ ንምትእትታው ዝተገብረ ፈተነታት ዘኪሮም፥

እዞም “ሓድስቲ መሰላት” እዚኣቶም፡ “ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ባህልታት፡ ሕብረተሰባትን ሃገራትን ምፍልላይ ዝፈጥሩ” ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ስነ-ሓሳባዊ መግዛእቲ” ኢሎም ዝሰመይዎ፡ ክብሪ ደቂ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ ሕውነት ናብ ምድኻም ከም ዘብጽሑ ድማ ገሊጾም። ሓድነትን ሰላምን ምዕባይ ፍልልያት ዘራኽብ ድልድል ንምቛም ዝድርኹ ክኾኑ ኣለዎም”

“ማሕበረሰባትና ‘ኣብ መሰረታት ቅኑዕ ርድኢት ኣድማሳዊ ሕውነትን ኣኽብሮትን ንቕዱስ ክብሩ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደቂ ኣንስትዮን ነፍሲ ወከፍ ደቂ ተባዕትዮን፡ ድኻታት፡ ኣረጋውያን፡ ህጻናት፡ ድኹማት፡ ዘይተወልዱ፡ እቶም... ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ፡ ንእተጠንጠኑ ከምኡውን ነቶም ከም ክፍሊ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ጥራይ ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ቅኑዕ ምርዳእን ኣኽብሮትን ኣብ ምርካብ ክቕጽል ኣለዎ።"

“ኣድማሳዊ ሕውነት ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ንኽረጋገጽ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት’ዩ” ዝበሉ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ “ኩላትና ንሓድሕድና ምትእስሳር ከም ዘለና ኣፍልጦ ክንህብ ምስ ዘይንኽእል፡ ኩላትና ንሳቐ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም።

01 March 2024, 15:10