ድለ

ቮን ብራውን፡ ጥበብ ደቀባት ኣብ ክንክን ጥዕና 'ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣገልጊሉ'ዩ ቮን ብራውን፡ ጥበብ ደቀባት ኣብ ክንክን ጥዕና 'ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣገልጊሉ'ዩ 

ቮን ብራውን፡ ጥበብ ደቀባት ኣብ ክንክን ጥዕና 'ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣገልጊሉ'ዩ

ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቛም ስነ-ፍልጠት ፕሮፌሰር ዮኣኪም ፎን ብራውን ብዛዕባ ብቫቲካን ዝምወል ዓውደ-መጽናዕቲ ደቀባትን ኩነታት ኣየርን ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ጥበብ ደቀባት ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕናን ስነ-ፍልጠትን ንሰብኣውነት ኣዝዩ ከም ዘሀብተመ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደቀባት ንዓለም ንምሕላው ብዙሕ ጥበብ ኣለዎም፡ እዚ ድማ ብሓገዝ ስነ ፍልጠት ነዛ እንነብረላ መሬት ዘሳቕያ ቅልውላዋት ንምብዳህ የኽእል። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕና ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገብሩ ምዃኖም ፕሮፈሰር ዮኣኪም ፎን ብራውን ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት (PAS) ነዚ ነጥቢ እዚ ኣብ ጐድኒ እቲ ብቫቲካን ዝተዳለወ ናይ ደቀባት ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 14–15 መጋቢት ብጳጳሳዊ ተቕዋም ስለ ፍልጠት ዝተዳለወ ናይ ክልተ መዓልታት ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዝክረ ነገር ከባቢ ኣየርን ብዙሕነት ህይወትን ዓለማዊ ሳዕቤን ክህልዎም ዝኽእል ከባብያዊ ፍታሕን ምህዳራዊ ፍልጠት ኣብ ምምዕባል ልዑል ተራ ከም ዘለዎም ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘስመሩሉ  ሓቢሮም እቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ “ፍልጠት ደቀባትን ስነ ፍልጠትን፡ ምውህሃድ ፍልጠትን ስነ ፍልጠትን ኣብ ተቓላዕነትን ዘላቕን መፍትሒታት” ዝብል ኣርእስቲ መርሕ ዝገበረ ምንባሩ ገሊጾም፥ ኣብ መንጎ ደቀባትን ማሕበረሰብ ስነ ፍልጠትን ኣብዞም ጉዳያት ናይ ክህልዎም ዝግባእ ናይ ምትሕብባር ዕድላት ዝዳህሰሰ ከም ዝነበረ እውን የመላኽቱ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅልውላዋት ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ንምፍታሕ፡ ክእለት ደቀባት ምዕቃብን ዋጋ ምሃብን ዓቢ ኣድላይነት ኣለዎ፡ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምጥፋእ ብዙሕነት ህይወትን ንውሕስነት መግብን ጥዕናን ዘስግእ ሓደጋን ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ደቀባትን ስነ ፍልጠትን ዝያዳ ምትሕብባር ክግበር ኣለዎ እውን እንክብሉ ከም ዝገለጹ ፕሮፈሰር ቮን ብራውን የዘኻኽሩ።

እዚ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ ንመራሕቲ ደቀባትን መራሕቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብ ሓደ ኣኪቡ፡ ኣብ መንጎ ጥበብ ደቀባትን ስነ ፍልጠትን ዘሎ ምትእስሳር ዘትዩ። ክልቲኦም ብኸመይ ይዛመዱን እንታይ ዓይነት ምትሕንፋጽከ ረኺብኩም?

ፍልጠት ደቀባት ካብ ብዙሕ ወለዶታት ዝምንጭውን እናተመሓላለፍፈ ዝኸይድን እዩ። ወዲ ሰብ ብተመኩሮ፡ ብፈተነን ጌጋን፡ ብመሰረቱ ድማ ብዛዕባ መፍትሕን ዕድላትን ግምት ክህበሉ ዝድርኾ ብዙሕ ትምህርቲ ቐሲሙ፡ እዚ ድራኸ ካብ ደቀባት እናተሰጋገረ ዝመሓላለፍ ፍልጠት ብሓቂ ንፍልጠት ደቀባት ምስ ስነ ፍልጠት ዘወሃህድ እዩ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት እውን ብፍላጥ ድሌትን ምግራምን ንጸገማት ደቂ ሰባት መፍትሒ ምርካብን እዮም ዝድረኹ። ክልቲኦም ብሓቂ ዝፈላለዩሉ እንተኾነ ነዚ ፍልልይ እዚ ኣብ  ስነ ፍልጠት ኣብ ክንዲ ብተመኩሮ ዝያዳ ጸቢብ ትኹረት ዝወሃቦ ኣብ ፈተነ-ክልሰ-ሓሳብ ዝተመርኮሰ እንተኽዕይኑ እዩ። ንኽልቲኦም ኣብ ሓደ ምምጻእ ምስ ብዙሕነት ህይወት፡ ጥዕናን ሕርሻን ንምግጣም ዓቢ ዕድላት ይህብ ኣሎ።

ዕለት 14 መጋቢት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሕጂ ዓብላሊ ኮይኑ ዘሎ ዜሮ ድምር፡ ተጋራጫዊ ኣረኣእያ ዓለም ኣማራጺ ራእይ ምእንቲ ክንቅበል፡ ኣብ ዓለምና ምልዋጥ ከም ዘድሊ ገሊጾም። እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ብሓገዝ ደቀባት ነቲ ዕላማ ንምዕዋት ብኸመይ ይሕግዝ?

ኣረኣእያ ዓለም ደቀባት ካብቲ ልሙድ ከተማዊ ዓለማዊ ህዝቢ ንላዕሊ ምስ ተፈጥሮ ብፍላይ ምስቲ ንተፈጥሮን ተፈጥሮኣዊ መስርሕን ዘለዎም ኣኽብሮት ዝያዳ ይዛመድ። ስለዚ ካብኦም ምምሃርን ጥበቦምን ኣብ ማሕበረሰባት ስነ ፍልጠት እውን ዓቢ ዕድል እዩ።

ንሕና ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ-ፍልጠት ዘሎና ኣብ መንጎ እምነትን ስነ-ፍልጠትን ግርጭት ኣይንርእን ኢና፣ ንማሕበረሰባት ደቀባት እውን ከምኡ። ናይ ሓባር መርገጺ ኣሎና። ንተፈጥሮን ንፍርያትን እንጥቀመሉ ኣገባብ ጥራይ ዘይኮነስ ብተዘዋዋሪ ክልቴና ኣብ ምንካይ ሃልኪ ከነተኩር ዝሕግዝ መንገዲ እዩ።

ኣብ ዓለምና ዘሎ ልምዲ ሃልኪ ንለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ምጥፋእ ብዙሕነት ህይወትን ምጥፋእ ተፈጥሮን ይድርኽ ኣሎ። ስለዚ ስነ ምርምርን ፍልጠት ደቀባትን ነቲ ናይ ምፍራይን ሃልኪን ወገን ኣነባብራና ክምልስ ኣለዎ።

ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ምስ ስነ ፍልጠት ዝተኣሳሰር ካብ ድምጽታት ደቀባት ዝተማሃርኩምዎ ነገር ከተካፍሉና ትኽእል ዶ?

ደቀባት ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎም ፍልጠት ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣገልጊሉ እዩ። ብዙሓት ሰባት ዳርጋ 50% ናይቲ እንህቦም መድሃኒት ነቲ ደቀባት ብዛዕባ እቲ ዓበይቲ ሕማማት ዘሕውዩ ኣትክልትን ሕውስዋስ ነገራትን ዘለዎም ፍልጠት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣይፈልጡን ኢዮም። መብዛሕትና ነዚ ንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና ብህዝቢ ብዙሕ ዝፍለጥ ኣይኮነን።

እቲ እንረኽቦ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ደቀባት፡ ክሳብ ሎሚ፡ ማዕረ መሰል ይጎድሎም ምህላዎም እዩ። መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብፍላይ ናይ ደቀባት ማሕበረሰባት ብስእነት መሰላትን ዕድላትን ይሳቐዩ ኣለዉ።

ዝተማሃርናዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ነዞም ጉዳያት ዝምልከቱ ፈጠራዊ ስርዓታት ትምህርቲ፡ ዓቢ ለውጢ ከምጽኡ ከም ዘኽእል እዩ። ንመንእሰያት ደቀባት፡ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ንመንእሰያት ዓለም ዘገልግሉ ስርዓታት ትምህርቲ፡ ካብ ተፈጥሮን ኣረኣእያን ጥበብ ብምውሳድ፡ ኣብ መጻኢ ንዘላቕነት ንምርዳእን ንምቕራጽን ክሕግዙ ይኽእሉ።

ካልእ ክትብልዎ ኣትደልዩ ነገር ኣሎ ድዩ?

ፍልጠት ደቀባት ምስ መሬት ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ሰማይን መንግስተ ሰማያትን እዩ ዝጥምት። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ከቢድ ስክፍታታት ምህላዉ ተገሊጹ ነይሩ እዩ፡ እዚ ድማ ክእለ ኣለዎ።

ናብ ሰማይ ምጥማት ብብከላ ብርሃንን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሳተላይታትን እናተዓገተ ይኸይድ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንሰማይ ከይንርኢ ይዓግተና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

18 March 2024, 15:09