ድለ

ሲኖዶስ 'ዓቕለሲያዊ ፖለቲካ ኣይኮነን'፡ ውጽኢቱ 'ድሮ ይርአ' ሲኖዶስ 'ዓቕለሲያዊ ፖለቲካ ኣይኮነን'፡ ውጽኢቱ 'ድሮ ይርአ' 

ሲኖዶስ 'ዓቕለሲያዊ ፖለቲካ ኣይኮነን'፡ ውጽኢቱ 'ድሮ ይርአ'

ዕለት 14 መጋቢት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንዝካየድ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድላው ዝሕግዙ ዝቐረቡ ክልተ ሰነዳት ዘማእከለ ጋዜጣዊ መገልጺ ተዋሂቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣብ "ዓቕለሲያዊ ፖለቲካ" ወይ ከም ንጽሕና ክህነት ወይ ቡራኬ ንሓደኣዊ መጻምድቲ ዝኣመሰሉ ኣካታዕቲ ጉዳያት ብመንጽር ስኢል ተእኣምኖተ ዝብል ትምህርታዊ ሰነድን ናብ መኣዲ ብምምጻእ ዝካታዕ መድርኽ ዘይኮነስ፡ እቲ መስርሕ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝጀመሮ ንቕድሚት ዘስጕሙሉን ንሕቶታቶምን ዜተሓሳስቦምን ዜድልዮም ነገራትን ከኣ ምላሽ ዚህቡሉ መስርሕ ምዃኑ ሓፈሻዊ ኣተሓባባሪ ሲኖዶስ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣብሪሆም፡ ዕላማ እቲ ጕዕዞ ካብ 2021 ዓ.ም. "ካብ ታሕቲ" ዝጀመረ ካብ ህብዘ እግዚኣብሔር ዝተበገሰ በቲ ኻብ 2 - 27 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ቫቲካን ክካየድ ብእተመደበ መበል 16 መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክዛዘም ምዃኑ የመላኽቱ።

ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድላው ዝሕግዙ ክልተ ሰነዳት ከም ዝቐረቡ ሓቢሮም፡ እቲ ቀዳማይ "ኣብ ኣገልግሎት ልኡካነ ወንጌላውነት ከመይ ገይርካ ሲኖዳዊት ቤተ - ክርስትያን ክትከውን ትኽእል?" ዝብል ሕቶ ኣርእስቲ ዝገበረ ኮይኑ፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ስነ - ቲዮሎግያዊ ዕምቈት ንምርካብ ሓሙሽተ ኣረኣእያታት ዝሓዘ ከም ዝኾነን እቲ ኻልኣይ ድማ፥ “ኣብቲ ኣብ መበል 16 መደበይና ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ቀዳማይ ክፋል ኣቡናት ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኩርያ ሮማና ዓሚቑ ምትሕብባር ክህሉ ዝብል ብናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ዝቐረበ ሕቶ” ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብሓፈሻ እቶም ክልተ ሰነዳት ነቲ ዚርአ "ፍረታት" ሲኖዶስ ዝምልከት ምዃኑ የጒልሑ።

ብህዝቢ እግዚኣብሔር ዝቐረበ

ካርዲናል ሆለሪኽ ኣብ ቅዉም ሓሳብ ናይቲ ሰነዳት ኣተኲሮም፡  ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ናይ ቀዳማይ ክፋል ሲኖዶስ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘቕረቦ ጸማሪ ሰነድ ዘተኮረ እዩ፡ ስለዚ ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ናይቲ ሲኖዶስ ዝተኻየደ ዘተ እዩ። እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ካብ ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ኣህጉራት ዝተረኽበ ምዃኑ የነጽሩ።

እቶም ዓሰርተ ናይ ዕዮ ጕጅለታት ነዚ ኼስተንትኑሉ እዮም ዚደልዩ፣ እዚ ኸኣ "ኣብ ሲኖዳውነት ዘማእከለ ሲኖዶስ ዘይዛዘም ምዃኑ ዝገለጽ እዩ። ዋና ጸሓፊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቲዮሎጊያ፥ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ፒየሮ ኮዳ "ኣብ ምቕጻል እቲ ሲኖዶስ ብርግጽ ኣገዳሲ ሳዕቤን ኪህልዎ እዩ" እንክብል ከም ዝገለጽዎ ምስ በሉ፥ ንሕና ኣገልገልቲ ናይ ሲኖዳዊ መስርሕ ኢና" ብምባል ኣጕሊሖም፥ ከምዚ ኽበሃል እንከሎ ግን "ንዅሉ እቲ ኣብ ሲኖዶስ ዝቐረበ ነጥብታት ኢና እንምልከት ማለት ዘይኮነስ፡ የግዳስ ነቲ ብህዝቢ ኣምላኽ ዝቐርብ ነጥብታት ኢና እንምልከት። ዓቕለሲያዊ ፖለቲካ ኣይኮነን እነካይድ ዘሎና። ንሕና ኣገልገልቲ እዚ መስርሕ እዚ ኢና። ስለዚ ኣብ ትሕዝቶ ህዝቢ ኣምላኽ ዘተኮረ እዩ ዝኸውን” ኢሎም፡

ብዛዕባ ክህነታዊ ንጽሕና ዝምልከት ነጥቢ ኣብ መርሓ ግብሪ የሎን

ካርዲናል ግሪች እውን ብወገኖም፥ ብዛዕባ ጕዳይ ምርዑዋት ካህናት ዝምልከት ነጥብ ኣብቲ ዝክረ ነገር ከም ዘየለ ኣመላኺቶም፡ ኣብተን ምርዑዋት ካህናት ዘለወን ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ዝግበር ርክብ እውን ምይይጥ ከም ዘይካየድ ገሊጾም፡ ወሲኾም ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎምን ዘይስሩዕን መጻምድቲ ዝምልከት ዛዕባ ዝወሃብ ቡራኬ ዝምልከት ስኢል ተኣምኖ ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጸኦ ሰነድ እውን ናይ ዘተ ዝክረ ነገር ከም ዘይኮነ ይሕብሩ።

ዘየገድስ ኣርስቲ ስለ ዘይኮነ ኣይኮነን፡ ሰነድ ስኢል ተኣምኖ ኣገዳሲ ሰነድ እዩ፣ ኣምላኽ ንዅሎም እንተኮላይ ነቶም ኣብ ዘይስሩዕ ኵነታት ዘለዉ መጻምድት እውን ከይተረፈ የፍቅሮም ኢዩ ዝብል ትርጕም ስለ ዘለዎ ባህ ዘብል ሰነድ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ” ምስ በሉ፡ ካርዲናል ሆለሪኽ እውን ኣስዒቦም፥ እቲ ሰነድ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ ኢዩ፥ “ሃምነናዊ” ግን ኣይኮነን ። እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ከባቢ ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕግዘና እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ እውን ድሮ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ከምኡ እውን ብስልጣን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መብርሂ ተዋሂብሉ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ኣብ ሲኖዶስ እንደገና ዝቐርብ ሕቶ እውን ከም ዘይኮነ የነጽሩ።

ርእሰ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዲያቆናት

ካልኦት ጉዳያት ኣብ ዕዮ ናይቲ ኣብቲ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዳዊ ጉባኤ ዝተቐልቀለ ንፍሉይ ኣገልግሎታዊ ቅርጽታት ዝምልከት ብቲዮሎጊያውን ሕገ ቀኖናውን መንጽር ንኽድህስስ ዝተመዘ ጉጅለ ዘቕርቦ ናይ መጽናዕቲ ጽሕፉ ናይቲ ሲኖዶስ ማእከላይ ዝክረ ነገር ከም ዝኸውንን “ብዛዕባ እዚ ጠለብ እዚ ውጽኢት ናይተን ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘቖምዎ ክልተ ሽማግለ ዘቕርቦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ኣብ ግምት ዘእትው ዘተ ምዃኑ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ የኔታ ፒየሮ ኮዳ የብርሁ። እቲ መጽናዕቲ ዝቕጽልን ክፉትን እዩ። ብመንበረ ጳጳሳት ዝተመዘ ኣካላት ዘቕርብዎ መጽናዕቲ እውን ዝምልከት ክፉት መኣዲ እዩ” እንክብሉ ወሲኾም የጒልሑ።

ዓለም ለኸ ዓውደ ጉባኤ ቆሞሳት

ካርዲናል ግሬች ሓደ ኻብቲ ኣብ ጕዕዞ ሲኖዶስ እተረኽበ ንጹር ውጽኢት ምስማዕ ኣድላዪ እዩ ዝብል ምዃኑ ኣጒሊሖም።

ካብ ተመክሮ ሲኖዶዳውነት ዝተደረኹ ሓያሎ ተበግሶታት ከም እተራእዩን፡ ሓደ ካብኡ "እቲ ድሮ እንርእዮ ፍረታት መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ብንጥፈት ይዓዪ ኸም ዘሎ ዘረጋግጽ ኮይኑ፥

ብፍላይ ነቲ ካብ ዕለት 29 ሚያዝያ - ዕለት 2 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ቆሞሳት ጠቒሶም፡ እዚ ኣኼባ እዚ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ቆሞሳት ምስ ር.ሊ.ጳ. ብሕቶን መልስን ብዝቐርብ ቃለ ምዕዳን ዝዛዘም ምዃኑ ይሕብሩ። ካርዲናል ግሬቸ እውን፥ እቲ መደብ ዓውደ ጉባኤ "ካህናት ሰበኻታት ኣብ በብከባቢኦም ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነብሩሉ ተመክሮ" ንምስማዕን ዋጋ ንምሃብን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቶም ንሲኖዳውነት ዘስተማቕሩ ጥራይ እዮም ፍርያቱ እንታይ ምዃኑ ክርድኡ ዝኽሉ” ኣንክብሉ የመላኽቱ።

ምስማዕ፦ እቲ ቀዳማይ ፍረ እዩ

እቲ ምስ ቆሞሳት ቤተ-ክርስትያን እተገብረ ፍጻመ ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ኣዋርሕ እዚ ብሰበኻታት ወይ ብኣቡናት እተወደበ ኻልእ ንካህናት ዝምልከት ዓውደ ኣኼባታት እንክብሉ ካርዲናል ግረች ኣዘኻኽሪም እዚ እውን ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ቶክዮ ምብጻሕ ኣካይደን ዝተመልሳ ናይ ሲኖዶስ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊት እናቴ ናታሊ ቤንካርትን ከምኡ እውን ኣብ ቺለ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ካልኣይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ልዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ዕማም እውን ሰባት ብቐጥታ ብዛዕባ ዲኖዳውነት ተመክሮ ምእንቲ ኽረኽቡን ነቲ ናይ ሲኖዳውነት ኪደት ኣብተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን "ህያው" ንምግባርን ዝካየዱ ርክባት ምዃኖም ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ እንክብሉ ወሲኾም ይሕብሩ።

ሓራ ዜውጽእ ግን ከኣ ዘየጽፍሕ

ሲኖዳውነት "ንድሕሪት ምምላስ ዘይብሉ" ተመክሮ እዩ እንክብላ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ናይ ሰብ ህይወት ውፉያንን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ሲሞና ብራምቢላ ገሊጸን፥ “ብሓይልን መቐረትን ኣብ ክርስቶስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብክርስቶስ ናብ ዝብል፡ ጾሮም ዝፎኾሰሎም ኣጽዋር ዘይሎም ካብ ዝተፈላለየ ዕጥቂ ሓራ ዝወጹ ናብ ሕመረት መንነትና ኣናጠመትና ብዕምቆት ንኽንስጉም ዝድርኸና እዩ ቢለን፥ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ዝልውጥን ሓራ ዘውጽን ዝጥርንፍ ንኹሉ ከየጽፈሐ ግና ሰዛንይ ጉዕዞ እዩ” ከም ዝበላን፡ ናይ ሰነዳት ሕጊ ጉዳይ ናይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኣቡነ ፊሊፖ ያኖነ እውን ብወገኖም፥

ሲኖዶስ "ፍሉይ ተልእኾ" ዘለዎ እዩ ማለት "ክርስቶስ ንዓለም ምእዋጅ" ዝብል ምዃኑ ኣስዒቦም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጢ።

ሲኖዶስ 'ቤተ ክርስቲያናዊ ፖለቲካ ኣይኮነን'፡ ውጽኢቱ 'ድሮ ይርአ'
15 March 2024, 15:04