ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ቬትናም ናይ 6 መዓልታት ዑደት ኣካይዶም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ቬትናም ናይ 6 መዓልታት ዑደት ኣካይዶም 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ቬትናም ናይ 6 መዓልታት ዑደት ኣካይዶም

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ቬትናም ክሳብ ዕለት 14 ሚይዝያ ዝቕጽል ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዑደት ንኸካይዱ ዕለት 9 ሚያዝያ ናብታ ሃገር ከም እተጓዕዙን እብዚ ዑደት እዚ እውን ምስ ናይ ቨትናም መራሔ መንግስትን ከምኡ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ኣብታ ሃገር ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ክራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መደብ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቡይ ታን ሶንን መራሔ መንግስቲ ፋም ሚን ቺንን ዝካየዱ ርክባት ዘጠቓልል ኮይኑ ብተወሳኺ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ክዝትዩን ሃኖይ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ኣብ ዞባ ሆየ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ፉ ካም  ምስ ተማሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲክን ኣስዒቡ፥  

ኣዋጅ ጉዕዞ

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ባዕሎም ድሕሪ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ወከልቲ ዴሳዊ ውድብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ዘካየድዎ ርክብ ዕለት 18 ጥሪ ናብ ቬትናም ዝገበርዎ ዑደት ጠቒሶም ከም ዝነበሩን፥ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ እውን ማሕበረሰብ ካቶሊክ ቬትናም ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝረአ ዘሎ ምዕባለ፡ ጎኒ ጎኒ ካልኦት ኣገደስቲ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ዘርክቦ ዘሎ ክሌኣዊ ዓወታት ተጠቃሚ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ከም ዝነበሩን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ኣብ ቬትናም ነባሪ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ክህሉ ስምምዕ ተበጺሑን እዚ እውን ኣብ ግብሪ ከም ዝወዓለን ኣብ ቨትናም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ንኽኾኑ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተወላዲ ፖላንድ ሊቀ ጳጳሳት ማሬክ ዛለቭስኪ ከም ዝሾሙን እዚ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ዓ.ም. ናይ ቨትናም ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱኦንግ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፡ ኣብ ዓስራይ ኣኼባ ናይቲ ዕለት 31 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ሓባራዊ ጉጅለ ስራሕ ቬትናምን ቅድስቲ መንበርን መሰረት ዝገበረ እውን ምዃኑ የዘኻኽር።

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ወሲኾም ኣብዛ ዓመት እዚኣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ቨትናም ዑደት ከካይዱ ዝከኣል ምዃኑን ኣብ መጻኢ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክበጽሑ ከም ዝኽሉ ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቬትናም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ቬትናምን ቅድስቲ መንበርን ኣብ 1975 ዓ.ም. ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ኣቋሪጸን እኳ እንተነበራ ድሕሪ 1990 ዓ.ም. ግን እወንታዊ ምዕባለታት ክርአ ከም ዝጀመረን ኣብ 2011 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቬትናም ዘይመንበሩ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከም ሰመዩን ኣብ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን ቨትናን "ሕያዎት ክርስትያናትን ንፉዓት ዜጋታትን" ክኾኑ ተማሕጺኖም ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ "ብዘይ ሃይማኖት ዓሌት ወይ ባህሊ" ክምስክሩ ጻውዒት ኣቕረበም፡ ንኣገዳስነት ናይቲ "ሓባራዊ ክብርታት ኣፍልጦ ምሃብን ፍልልያት ምኽባርን" ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣጒሊሖም፡ እዚ ኣቀራርባ እዚ ንቤተ ክርስትያኖም ህያው ብምግባርን ወንጌል ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብምስፋሕ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ከም ንፉዓት ክርስትያንን ዜጋታትን መጠን ዘለዎም መንነት ዜንጸባርቕ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም. . . ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዚጠቅም ኵነታት" ኣብ ዚህልወሉ ቦታታት ምስክርነት ካቶሊክ ንቬትናም ዘተን ተስፋን ኣብ ምድንፋዕ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል እውን ኣመላኺቶም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

11 April 2024, 16:32