ድለ

ካርዲናል ፈርናንደዝ፡ ነፍሲ ወከፍ ንጽል ሰብ ክቡር እዩ ካርዲናል ፈርናንደዝ፡ ነፍሲ ወከፍ ንጽል ሰብ ክቡር እዩ 

ካርዲናል ፈርናንደዝ፡ ነፍሲ ወከፍ ንጽል ሰብ ክቡር እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ እምነት ዝከታተል ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተሓትመ፡"ክብሪ ዘኣልቦ ጽንፍ" ብዝብል ኣርእስቲ "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘይገሃስ ክብሪ ከም ዘለዎ ዘዘኻኽርን ናይ ኣዋጅ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

'ኪኖ ዝኾነ ይኹን ኩነታት' ክበሃል ዝግበኦ፡ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ተባዕታይ፡ ጓል ኣንስተይቲ፡ ቆልዓ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ዶብ ወይ ካብ ዶብ ወጻኢ ዝተወልደ፡ ኣብ ግርጭት ወይ ኣብ ሰላም - ከምኡ'ውን ኣብ ዝኾነ ባህሊ ወይ ኩነታት ህይወት፡ ኣብተን ሓደኣዊ ጾታ ከም ዝቕጻዕ ገበን  ኣብ ዝርእያሉ ከምኡ እውን ኣብ ኩናትን፥ ሰብኣዊ ክብሪ ፈጺሙ ዘይገሃስ ዘይህደንን ዘይምንዛዕና ክብሪ እዩ! ስለዚ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዕለት 8 ሚይዝያ ወግዓዊ ዝገበሮ “ክብሪ ዘኣልቦ ጽንፍ” ዘርእስቱ ሰነድ ነቲ ኩሉ ግዜ ጽልዋ ዘለዎ መልእኽቲ ክርስትና ብዝያዳ ቀጥታዊ ኣገባብ ዳግማይ ንምጅማር፡ ማለት "ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ የፍቅሮ... ደረት ኣልቦ ብዝኾነ ፍቅሪ የፍቅሮ" ዝብል ሓቂ ዳግም ዘረጋግጽ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ኣብ ሓደ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓዋርያዊ መገሻታት፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝገበረዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንዝተራኸብዎም ኣካለ ስንኩላን ዝበልዎ ቃል ዘመላኽቶ እውን ምዃኑ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የብርሁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣርማንዶ ማቴዮን ሮማ ኣብ ዝርከባ መንበረ ጥበብ ቶር ቨርጋታን ሉምሳን መምህር ፓውላ ስካርቸላን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርእይቶታት ኣብ ሰነድ ‘ስኢል ተኣምኖ'

ከምቲ ቅድሚ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት “ኢየሱስ ጎይታ” ዝብል ኩላዊ መድሕናውነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ ናይ ዓንቀጸ እመንት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ እውን “ስኢል ተኣምኖ’ ብዛዕባ ጉስነታዊ ትርጉም ቡራኬ ዝምልከት ኣዋጅ፡ ዋላ ን"ዘይስሩዕ" መጻምድቲ ከምኡ እውን ነቶም ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም መጻምድቲ ናይ ምብራኽ ተኽእሎ ዘተኣታተወን ጠቒሶም፡ እዚ "ብርግጽ ኣብ ጉስነት ዘተኮረ፡ ማለት “ናይ ጉስነት ሃብቲ ንምምዕባል ካብ ቅዳሴ ወጻኢ ብዛዕባ ዝወሃብ ቡራኬ ዝምልከት ርድኢት ከስፍሕ ዝብል" ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ኾርገ ማሪዮ በርጎግልዮ ዘሎ ድላይ ዘማእከለ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዘኪሮም፡ . . . እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ "ክብሪ ዘኣልቦ ጽንፍ" ዘርእስቱ ሰነድ እምበር ብዛዕባ ሰነድ ስኢል ተኣምኖ ከም ዘይኮነ ነቶም ጋዜጠይናታት ብምዝኽካር ኣብዛ ሰነድ እዚኣ ከተኩሩ ዝሓሸ እዩ እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዓመጽ ምኹናን

ካርዲናል ፈርናንደዝ ይብሉ ብዙሕ ግዜ "ንገበን ናጽነት ኢና እንድግፍ! "እዚ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ብዙሓት ኣቡናት ድሮ ዝገለጽዎ ኣረኣእያ፡ ነቲ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ብሕጋዊ ደረጃ ፍቑድ ኮይኑ ዝቐርብ ዓመጻ ብምዅናን ወይ "ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተፈጸመ” ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝርአ ጉዳይ ዘራጋግጾ ሕቂ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

. . .  "ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝወርድ መጥቃዕቲ" ኢዩ ዘጋጥመና ዘሎ፡ ሱር "ጽባቐ ናይቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ክኾኑን ሓድሽ ህይወት ክወልዱን ዘኽእሎም ርክብ ምስ ካልእ ዓይነት ጽምዶታት ክወዳደርን ክነጻጸርን ከም ዘይከኣል" ኣነጺሮም፡ ስለዚህ ሓደኣዊ ጾታዊ ተግባራት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝረጋገጽ ተኪል ዘለዎ ጽባቐ ብርሑቕ እውን ከንጸባርቖ ዘይክእል ባህሪ ዘለዎ እዩ” ኢሎም።

'ክውንነት ምፍጣር'

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ካርዲናል ፈርናንደዝ፥ ንጾታዊ ክልሰ-ሓሳብ "ንሰብኣዊ ራእይ ስለ ዘድክዮ" ክንጸግ ከም ዘለዎ ደጊሞም የረጋግጹ። "ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ሓደኣዎ ጾታዊ መርዓ ክህሉን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝብል መርዓ ምውጋድ ዝብል ሓሳብ ቅቡል ኣይኮነን” እንክብሉ ኣህብሪሆም፥ ንገለ ሕቶታት ብዛዕባ ጉዳይ ለውጢ ጾታዊ ርክብ'ውን መልሲ ክህቡ እንከለዉ፡ እዚ ድማ ወዲ ሰብ "ኩሉ ዝኽእል" ኮይኑ ክስምዖን "ብብልሑን ድሌቱን ዓቕሚ ከም ዘለዎ" ክሓስብ ዝመርሖ "ክውንነት ክፈጥር ናይ ምድላይ ዝንባለ" ተባሂሉ ዝግለጽ እዩ። ንኹሉ ነገር ቅድሚኡ ከም ዘይነበረ ጌሩ ምህናጽ" ይደሊ፡ . . .

መሰል ህይወት

ንቤተ ክርስቲያን "እቲ ቀንዲ መሰል እቲ መበቆላዊ እዩ: ንሱ ኸኣ መሰል ህይወት" ማለት እዩ . . . መተካእታ ውላድ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እዚ ተግባር እዚ "እቲ ቆልዓ ከም ሓደ እትብህጎ ኣቕሓ ክረአይ ይገብሮ . . . ተሃዋስነት ናይቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ውላድ ዝምነ ሰብ ዘይምርዳእ" ማለት ግን ኣይኮነን። ሕጂ'ውን ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ጉስነታዊ ኣገባብ፥ እዚ ድማ "ንኹሉ ሰብ፡ ኩሉ ሰብ፡ ኩሉ ሰብ"፡ ዋላ'ውን ነቶም "ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ርክብን ሓዳርን ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም" ምቕባል ዝብል እዩ። እቲ መልእኽቲ "ንኹሉ ዝብል ቤተክርስትያን እትብሎ ቃል ንዝተመርጹ ውሑዳት" ጥራይ ዝቐንዐ ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሰነድ፡ ኣብ "መሰረታዊ ዓንዲ ክርስትያናዊ ትምህርቲ" ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣድማሳዊ ጽልዋ ክህልዎ ተስፋ እገብር፥ "ምኽንያቱ ዓለም ክብሪ ሰብ ዝብል ዓሚቝ መንነት ሰብኣውነት መሰረታዊ ትርጉም ዳግማይ ክረኽቦ ስለዝድለ።"

ካርዲናል ፈርናንደዝ ወሲኾም "ክብሪ ዘኣልቦ ጽንፍ" ሰነድ ካብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ክሳብ ር.ሊ.ጳ.  ፍራንቸስኮስ ዝተወስዱ 113 እግረ ጽሑፍ ዝሓዘ እኳ እንተኾነ፡ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ነገራት "ንመጽናዕቲ" ንምቕራብ ዝኣመተ ግን ኣይኮነን፡ "ነቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ ዘብርህ ዘይተኣደነ ሃብቲ ንምእካብን ንምድልዳልን" ዝዓለመ እዩ። ብናይ ቀረባ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ተረጋጊጹን ነቲ ሕጂ ዘለዉ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መሰረታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎ ትምህርትታት ዘጠቓለለ ምዃኑ የብርሁ።

መብርሂ

ብዛዕባ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዝምልከት፥ "”ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ እምነት ዶግማ ወይ ውዱእ ኣዋጅ ክፈጥሩ ኣይደልዩን እዮም። ዳርጋ 100% ርግጸይና እየ። ር.ሊ.ጳ. ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ዘይጋገ ዝብል መንፈሳዊ ውህበት ከም ዘለዎም ንኣምን እኳ እንተኾንና። ንቤተ ክርስቲያን ንምምራሕን ንምብራህን"። ከምኡ'ውን ንቅዱስ ኣቦና ናይ ምእዛዝ ማሕላ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ዝምልከት እዩ፡ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ካብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ዝሰረዝዎ ነገር ናይ ሞት ፍርዲ ዝብል ምዃኑ ድማ የብርሁ።

10 April 2024, 16:33