ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብራዚል ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብራዚል  

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ብራዚል

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሓፊ ኣብ ብራዚል ኣብ መካነ ንግደት ኣፓረሲዳ ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳት ብራዚል ቅድሚ ዘካይድዎ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኬባ ዘካይዶ ሱባኤ ንኽመርሑ ኣብ ብራዚል ከም ዝርከቡን ቅድሚ ናብ መካነ ንግደት ኣፓረሲዳ ምኻዶም ዕለት 8 ሚያዝያ ምስ ናይ ሃገረ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላ ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ብራዚልን ድኽነትን ዘይማዕርነትን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝምልከቱ ቀንዲ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነቲ 480 ጳጳሳት ዝሓቁፍ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ብራዚል (CNBB) ክሳብ ዕለት 19 ሚይዝያ ዘካይዶ መበል 61 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዘበገስ ካብ ዕለት 10 – 11 ሚይዝያ ዝካየድ መፍንፈሳዊ ሱባኤ ንኽመርሑ ኣብ ብራዚል ከም ዝርከቡን በዚ ኣጋጣሚ እውን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድም ክብል ጉባኤ ጳጳሳት ብራዚል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝመጽሉ እዋን ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፡ ሕጂ ኣብዚ ንኹሎም ብሓባር ክርእይዎም ዕድል ምርካቦም ሓጎስ ከም ዝፈጥረሎምን ጳጳሳት ብራዚል ንስብከተ ወንጌልን ክርስትያናዊ ምንቅስቓስን ሕብረተሰብን ንቕድሚት ንኸብሉ ዘለዎም ተዋፍይነትን - ንጸገማት ሕብረተሰብ ብወንጌል ብዝበለጸ ምላሽ ንምሃብ ዝዓዩ ምዃኖም የዘኻኽሩ።

ከም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እቲ ናቶም ምብጻሕ ፖለቲካዊ ክፋል እውን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ብራዚል ናይ ቅድስቲ  መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዘዳለዎ መደብ መሰረት ምስ ናይ ሃገረ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላ ከም እተራኸቡን ኣብቲ ምስ ርእሰ ብሔር ሉላ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ብራዚል ዝያዳ ፍሉያት ዝኾኑ ጉዳያትን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ብራዚልን ዝተበጽሑ ስምምዓት ስዒቡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጸገማት ብራዚል ከም ድኽነትን ዘይማዕርነትን ፍትሕን ከምኡ እውን ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ሓቢሮም።

ነቲ መበል 61 ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ብራዚል ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ መሪሖም ብሓባር እውን ምንቲ ሰላም ከም ዝጸልዩን ሎሚ ግጭታት ዝካየደሎም ቀንዲ ቦታታት እውን ዘኪሮም ብሓቂ እኣምን፣ ኪኖ እቲ ምእንቲ ሰላም እንፍጽሞ ዕማም፣ ዓለም ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣብ ዘይርየሉ ዘሎ እዋን፣ ንሰላም ብመንጽር ፍትሒ ክድለ ከም ዘለዎ ገሊጾም፡ ስለዚ ሰላም ውጽኢት ሰብኣዊ ጻዕሪ ጥራሕ ክኽውን ስለ ዘይክል ድማ ነቲ ሰላም ኣብ ምድላይ ዝጎድል ቁርጺ ፍቓድ ንምትኽኻል ብሓቂ ናብ ጎይታ ሰላም ክንጽል ንዕደም።  መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ብብዙሕ ተኣምራት ዝፍለጥ ናይ እምነት ቅዱስ ስፍራ ከም ዝኾነን ብዛዕባ ኣብኡ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ተኣምራት እውን ካብ ጳጳስት ብራዚል ከም እተሓበሩን ሎሚ እውን ነቲ ሃረር እንብሎ ሰላም በማላድነት ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ክንምህለልን እግዚኣብሔር ተኣምራቱ ክገብር እውን ዝከኣሎ እዩ ኣብዚ ብምእማን ብተስፋ ድማ ብሓባር ምስ ጳጳሳት ብራዚል ምእንቲ ሰላም ከም ዝጸልዩ ይሕብሩ።

ካቶሊካዊ እምነትና ምስ ማርያም ዘለዎ ምትእስሳር ጽኑዕ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝያዳ ጽኑዕን ብዘይምቁራጽን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጣበቕን ንሱ ዝብለና ንኽንግበር ንሳ ኣብነት እያ። ስለዚ ማርያም ናብ ​​ወልድ እትመርሕ ኣደ እያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ናይ ኩሉ እዋን ክርስቲያን ዘለዋ ተልእኾ ምዃኑ ገሊጾም፥ ነቲ ሱባኤ ንኽመርሑ ጉባኤ ጳጳሳት ብራዚል ከም ዝዓደሞምን ኣብ ብራዚል ጳጳሳት ቅድሚ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ናይ ክልተ መዓልቲ ሱባኤ ከም ዘካይዱን ዝዝከር ኮይኑ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣብ እተተኩረሉ ዘላትሉ እዋን፥ ውህደትን ሱታፌን ተልእኾን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተንትኖ ክልግሱ ድማ ብጹዓን ጳጳሳት ብራዚል ከም ዝዓደምዎም ሓቢሮም፡ ብልክዕ ንሕይወት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን መሰረታዊ ነጥብታት ብመሰረት ምስጢረ ጥምቀት ውህደት ሱታፌ ኣብ ተልኾ ወንጌል ምርግጋጽን - እዚ ድማ ናይ ክርስትያናዊ ፍለማ ምሥጢራት – እዩ። ኣብ ምእዋጅ ወንጌል ክንሳተፍን ኣሎና፣ መጀመርያ ንገዛእ ርእስና ግን፣ ምኽንያቱ ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ Evangelii nuntiandi - ወንጌል ምብሳር ብዝብል እርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘዘኻኽሩና፣ ቅድሚ ወንጌል ምብሳር ቤተ ክርስቲያን ንርእሳ ብወንጌል ክትስበኽ ክትፈቅድ ኣለዋ እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

11 April 2024, 16:36