ድለ

2024.04.23 ቤተ ክርስቲያንን ደሞክራስን 2024.04.23 ቤተ ክርስቲያንን ደሞክራስን 

ቤተ ክርስቲያንን ደሞክራስን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቱጋል ድሕሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዕደት ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገር ፖርቱጋል ልኡከ መንግስትን ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ማልታን ብሓባር ኣብ ፖርቱጋል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ካብ ዝቐውም ኣብ ዝርኽሪ መበል 50 ዓመት ዘዳለውዎ ፍሉይ ጉባኤ ኣብ ሮማ ዕለት 22 ሚያዝያ ምክያዱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያንን ደሞክራስን ዜጋታት ብፍላይ ካቶሊካውያን ብኸመይ ብሓባር ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ከተባብዑ ከምዝኽእሉ ዝብል ሓሳብ ሕመረት ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምንባሩን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፖርቱጋል ልእኡከ መንግስቲ ዶሚንጎስ ፈዣስ ቪታል ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ነቶም ተጋባእያ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፥ “ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብሓባር ስርዓት ደሞክራሲ ንጽምብል” . . .  እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ካብ ምዃን ናብ ኣርኣያ ደሞክራሲ ብኸመይ ከም እተሰጋገረት ኣጒሊሑ እዚ ሰውራ እዚ ኸኣ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ 'ቤተ-ክርስትያን ደሞክራስን ከምኡውን ጕዳይ ፖርቱጋል' ዘርእስቱ ፍረ ነገር ንኽሓስብ ይድርኸና” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ንዲሞክራሲ ዝገበረቶ ደገፍ

ካብ 2002 - 2012 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዚርከብ ፍሉጥ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፊ ኮይኑ ዘገለገለ ፖርቱጋላዊ ናይ ስነ ፖለቲካ ሊቅ ፕሮፈሰር ብራጋ ዳ ክሩዝ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድርያ ቶርኒየሊ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቤተ ክርስቲያን ንስርዓት ደሞክራሲ ዝገበረቶ ደገፍ ከም ዝተንተኑን፡ ፕሮፌሰር ብራጋ ዳ ክሩዝ ኣብቲ ዝሃቦ ርእይቶ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዘለዋ ኣረኣእያ ዘኪሩ፡ ብፍላይ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት እታ ር.ሊ.ጳ. ለዮነ መበል 13 Rerum Novarum - ሓደስቲ ነገራት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ Centesimus Annus- ምእተ ዓመት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ቤተ-ክርስትያን ንደሞክራስያዊም ስርዓት ዘለዋ ልዑል ኣኽብሮትን ደገፍን ብፍላይ ከኣ ሰብኣዊ ክብረት ዘደንፍዑ መሰላት ንምዕቋብን ንምድንፋዕን ዝገበረቶ ተወፋይነት ከም ዘጒሉሑ ዘኪሩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣበርክቶ ፒየስ መበል 12ን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም መተባብዒ እውን ከም ዝኾኖምን። ከምኡ እውን እቶም ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዝተሓርዩ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነበሩ ካርዲናል ጆሴፍ ራትዚንገር እውን ዘመላኸትዎ ናይ ደሞክራሲያ ስርዓት ክብርታት ከም ዘብርሁን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዘመን ፖርቱጋል ናብ ደሞክራሲ ስርዓት ዝገበረቶ ኣጸጋሚ ጕዕዞ እኳ እንተ ዘከሩ፡ ብዝያዳ ግን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ደሞክራሲ ዘለዋ ርክብን ብዝያዳ ከም ዘተኮሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኲናት ኣብ ምዕጋት ኣበርክቶ ህዝቢ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓነቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድርያ ቶርኒየሊ፡ ብፍላይ ድማ "ደሞክራሲ" ብዓለም ደረጃ ብዙሕ ምዕባለታት ዝረኣየሉ እኳ እንተመሰለ፡ "ዝሳቐ ዘሎ ይመስል"፡ ለውጢ ዝሓትት ብምዃኑ፡ ካብ ሕሉፍ ኣብ ህሉው ኩነታት ብኸመይ ክትርጎም ከም ዝኽእል ኣጉሊሑ፡ "ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ብዛዕባ ደሞክራሲ ተዘካሪ ኣስተንትኖታት ኣቕሪቦም እዮም" ብፍላይ ህዝቢ ኩናት ኣብ ምዕጋት ሓቀይና ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘተሓሳሰቡ ምንባሩሮም ይዝክር።

ኣብ 1944 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ በዓለ ልደት ብራዲዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12፡ ልክዕ ቅድሚ ምዝዛም እቲ ኲናት፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታት ዝካየድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ተመክሮ ውግኣት፡ ዘለዓዓሎ ጽልእ ዘኪሮም፡ ዜጋታት፡ ከምኡ'ውን "ምስ ክብርን ሓርነትን ዜጋታት ዝያዳ ዝሰማማዕ ስርዓት መንግስቲ ክህሉ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣብቲ መልእኽቲ ፒዮስ መበል 12 ዛዕባ ዕድላትን ብድሆታትን ስርዓት ደሞክራሲ እውን ከም ዝገለጹ ቶርኒየሊ ዘኪሩ፥ "ሎሚ ቅልውላው ንዕዘብ ኣለና፡ ብሰንኪ ህዝባውነት፡ ከምኡ'ውን ሓይሊ ቢሮክራስን ቁጠባውን ምዕራባውያን ደሞክራስያውያን ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ባዶነት ዝወልዶ ከም ዝኾነን፡ "እዚ ስለዝኾነ ድማ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነግሩናን ዘመላኽቱና ነገራትን ኣገዳሲ እዩ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ገንዘብ ንኣጽዋር እምበር ጥሜት ንምምካት ኣይስላዕን

እታ ኣዝያ ምዕብልቲ ዓለምና፣ ኣብ ማእከል ውግኣት፣ ንቐጻሊ ወጻኢታት ኣጽዋር ክትጥቀመሉ እትኽእል ደረት ኣልቦ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል፣ እንተዀነ ግን ጥሜት ድኽነት ወይ ካልእ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ነገራት ንምቅላስ ተመሳሳሊ ገንዘብ ክትረክብ ኣይትኽልን፥ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝጠቐሰ ቶርኒየሊ ኣስዒቡ እቲ ዕለት 8 ሚያዝያ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተሓትመን ወግዓዊ ዝኾነ Dignitas Infinita - ክብሪ ዘኣልቦ ጽንፍ"  ዘርእስቱ ሰነድ ከም ዘረጋገግጾ ኣንጻር እዚ ክብረት እዚ እተፈላለየ ጥሕሰት ከም ዝፍጸም ዘመላኽትን ከምኡውን ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዘስፋሕፍሕ ሕብረተሰብ ነቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ውልትውና ምላሽ ንምሃብ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ የብርህ።

ካቶሊካውያን 'ዘኽታማት' ኣብ ሕዝባዊ ምርጫ

ብዙሓት ካቶሊካውያን ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ‘ዘኽታማት’ ኮይኖም ከም ዝስምዖምን፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣዝዮም ዓቃባውያን ወይ ናጻውያን ብዝኾኑ ፖለቲከይናታት ሕጹያት ዘይውከሉ ኮይኑ ከም ዝስምዖምን እዚ ቅልውላው ብኸመይ እዩ ዝፍታሕ እንክብል ቶርኒየሊ ንፕሮፌሰር ማኑኤል ብራጋ ዳ ክሩዝ ከም ዝሓተቶን፡ እዚ ሓቂ እዚ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዀይኑ ዝስምዖም ጕዳያት መሰረት ድምጾም ብቐሊሉ ክቕይሩ ከም ዝገብሮምን እዚ ድማ ናብ 'ፈሰሳውያን' ተሳተፍቲ ምዃን ዝመርሖም ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ፖለቲከይናታቶም ምትእምማን ክጎድሎም ከም ዝገብሮምን ኣተሓሒዞም እውን ብኸፊል ካቶሊክ ንገዛእ ርእሶም ብውጽኢታዊ መገዲ ብዘይምውዳቦም እዚኦ ክሉ ፈሰስ ተሳታፊ ንምዃን ይድርኾም። ልዕሊ ዅሉ ግና "ብሰንኪ እቲ ኣብ ፖለቲካ ዝረአ ምግባረ ብልሽውናን ምትላልን ምእመናን ኣብ ፖለቲካ ንኸይሳተፉ ተስፋ ዘቑረጾም ይመስል ምስ በለ ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም "መጋበርያውውነትን ተመዝማዝነትን” ተግባር ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጹ፡ ኣብ ክንድኡ ዜጋታት ካብ ፖለቲከይናታት ቁጽጽር ናጻ ዝኾኑሉ፡ ከምኡ'ውን "ንሓባራዊ ረብሓን ሰላምን ኣበርክቶ ክገብሩሉን" ዘኽእሎም ስርዓታት ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምልኪ ናብ ደሞክራሲ

ካቶሊክነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተወሰኑ መዳያት ሕብረተሰብን ባህልን ፖርቱጋል ብፍላይ ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። እንተኾነ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበ ጽልዋ የብላን።

ኣብቲ ኣብ 1932 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል መራሔ መንግስቲ ኮይኑ ዝተመዘ ኣንቶንዮ ደ ኦሊቨራ ሳላዛር ኣብ ሕብረትነትን ባህላዊ ክብርታትን ዝተሰረተ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት፡ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ካብተን ኣብታ ሃገር ዝነበራ ሓያላት ትካላት እያ ነይራ። እቲ ን40 ዓመታት ዝቐጸለ ምልካዊ ስርዓት ኣብ 1974 ምስ ፈረሰ፡ እቲ ድርኪታት ንሓዋሩ ተቐይሩ እዩ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ 1976 ዓ.ም. ዝወጸ ቅዋም፡ ዋላ እኳ ቤተ ክርስቲያን ሓያል ተራ እንተሃለዋ፡ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ፈሊዩ ዘቕርብ ዘመን ደሞክራሲ ዘንገሰ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 April 2024, 16:14