ድለ

ቅድስቲ መንበር መንእሰያት ደቀባት ሓለውቲ ባህሊ ቢላ ትገልጾም ቅድስቲ መንበር መንእሰያት ደቀባት ሓለውቲ ባህሊ ቢላ ትገልጾም 

ቅድስቲ መንበር መንእሰያት ደቀባት ሓለውቲ ባህሊ ቢላ ትገልጾም

ዕለት 16 ሚያዝያ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 23 ጉባኤ ዛዕባ ደቀባት ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ፡ ንደቀባት ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ደቀባት ምድጋፍ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ሓባራዊ ዘተ ምትብባዕ ከም ዘድሊ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ዕለት 16 ሚያዝያ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 23 ኣኼባ ቀዋሚ መድረኽ ጉዳይ ደቀባት ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፎም መደረ እውን ከም ዘስምዑ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብቲ፥ “ምዕባይ መሰል ርእሰ - ውሳነ ደቀባት ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ መሰላት ደቀባት፡ ምጉላሕ ድምጽታት ደቀባት መንእሰያት” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ቅድስቲ መንበር ንዕዮ ቀዋሚ መድረኽ ጉዳይ ደቀባት ኣፍልጦ ከም ዝሃበት ገሊጾም፡ “ኣብ’ቲ ናይ ሎሚ ዓመት ዓውደ ኣኼባ ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣስተንትኖታት ከም ዘቕረቡን፡ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣዋጅ መሰላት ደቀባት (UNDRIP) ብምጥቃስ “ደቀባት መንእሰያት ከም ናይ ሕጂን መጻእን ሓለውቲ ባህሎም” ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝያዳ ፍትሓውን ሰብኣውን ዓለም ንምህናጽ ንደቀባት መንእሰያት ምግላልን ብኽነትን ድኽነትን ብምብዳህ ባህሎምን መበቆሎምን ክዕቅቡ ከምዘተባብዑ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ የዘኻኽሩ።

መንእሰይ ከም ዑቕባን ድልድልን

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ብተወሳኺ መንእሰያት ደቀባት ኣብ ባህሊ ብዛዕባ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ክገልጹ እንከለዉ፥ "ንባህላዊ ልምድታቶም ኣብ ምዕቃብን እንደገና ህያው ኣብ ምግባርን ብንጥፈት ክጽመዱ ከም ዝኽእሉን፡ ነቲ ካብ ናይ ርእሰ ውሳነ መሰሎም ዘይንጸል ዝዀነ ፍሉይ ኣነባብራ ማሕበረሰቦም ኣብ ምዕቃብ ድማ ኣበርክቶ ኽገብሩ ዝኽእሉ ምዃኖም” ኣጉሊሖም፡ መንእሰያት ደቀባት "ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘተ ምርድዳእ ከምኡውን ምትሕብባር ከም ዝህሉ ዝገብር ድልድል" ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ፡” ብጀካዚ "ነቲ ቐንዲ ኽፋል መንነት ደቀባት ዝዀነ መሬት ኣቦሓጎታትን ባህርያዊ ጸጋታትን ብዝሓ ህይወትን ንምሕላው ብግንባር ተጣበቕቲ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣገዳስነት ዘተ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ቀጺሎም፥ ምስ ደቀባት ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑን ዘተ ክህሉን ኣተባቢዖም፣ ዘተን መንነትን ብኸመይ “ንሓድሕዶም ተጻረርቲ” ከምዘይኮኑ ብዝያዳ ኣጒሊሖም፡ ሃገራት "ፍጹም ዕጹው፡ ዘይታሪኻዊ፡ ዝኾነ ዓይነት ውህደት ዝነጽግ፡ ዕኑድ ደቀባታውነት ዘይኮነስ "ናይ ባህሊ ዘተ" ከስፍሑ ተላብዮም፡ ርእሰ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፥ “እቲ ፈጣሪን ኣቦ ዅሎም ህዝብታትን ዘሎ ዅሉ ነገራትን ዝዀነ ኣምላኽ፡ ሎሚ ብህይወት ክንነብርን ነቲ ሰብኣዊ ዝጸወዓና ናብ ዝኾነ ኩላዊ ሰብኣዊ ሕውነት ንኽንምለስን ንኽንምስክርን ይጽውዓና፡ እዚ ጻውዒት እዚ ኸኣ ጽልእን ቂምን ምክፍፋልን ዓመጻን ውግእን ንኸይጎሃሃር ይገብር” ዝበልዎ ጠቒሶም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 April 2024, 14:43