ድለ

2024.04.15 Monsignor Filippo Ciampanelli 2024.04.15 Monsignor Filippo Ciampanelli 

ስያሜ ሓድሽ ምኽትል ጸሓፊ ንናይ ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት

ነቶም ካብ 2009 ኣትሒዞም ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት ቅድስቲ መንበር ኣብ ጆርጅያን፡ ኣርመንያን፡ ኣዘርባጃንን፡ ቤላሩስን ኣብ ዚርከብ ኣባይተ ጽሕፈታት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ዲፕሎማሲ ቅድስቲ መንበር ዘገልግሉ ዘለዉን፣ ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጥዕና ጸገማት ምስ ኣጋጠመሞም መደረታት ቅዱስነቶም ኣብ ምንባባ ክተሓጋገዝዎም ዝጸንሑ ንክቡር የኔታ ፍሊፖ ቺያምፓኔሊ፣ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ጉዳያት ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምኽትል ጸሓፊ ክኾኑ መዘዝዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክቡር የኔታ ፊሊፖ ቺያምፓኔሊ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15 ሚያዝያ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  ምክትል ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክኾኑ ከም ዝተሾሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ዲፕሎማሲ ቅድስቲ መንበር በዓል መዚን ኣማኻሪ ጉዳያት ሓዋርያዊ ልኡኻት ቅድስቲ መንበር  ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ፣ ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸጋማት ብዘስዓበሎ ድኻምን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት መደረታት ቅዱስነቶም ኣብ ክንድኦም ብምዃን ከንብቡ ሕድሪ ስለ ዝተዋህቦም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብዙሕ ግዜ ክረኣዩ ዝጸንሑ ኢዮም ።

ኣብ ዲፕሎማ ቫቲካን እተገብረ ኣገልግሎት

ክቡር የኔታ ፍሊፖ ቺያምፓኔሊ ብ30 ሓምለ 1978 ኣብ ኖቫራ (ኢጣልያ) ተወልዱ፣ ብ21 ሰነ 2003 መዓርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ሰበኻ ኖቫራ ኣገልገሉ ። ካብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዚርከብ ጳጳሳዊ ግሪጎርያን መንበረ ጥበብ ብሥነ-መለኮት ብመዓርግ ሊቕነት ተመረቑ ። ብዕለት 1 ሓምለ 2009 ከአ ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋመ ትምህርት ሥነ-ኣቅላስያ ስልጠናታት ክወስዱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ተጸምዱ ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ጆርጅያ፡ ኣርመንያ፡ ኣዘርባጃን ከምኡውን ቤላሩስ፣ ኣብ ኣብ ኣብይቲ ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ኣገልጊሎም ። ካብ 2015 ኣትሒዞም ድማ ኣብ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ዲፕሎማሲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር የገልግሉ ኣለዉ ።

ሓድሽ መዝነት

ሕጂ ድማ ኣብቲ ንናይ ካቶሊካውያን ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ሥርዓታትን ውርሻታትን ሊጡርጊያን መንፈሳውነትን ጉዳይት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ብክቡር ኣባ ፍላቪዮ ፓቸ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ ምክትል ጸሓፊ ሥልጣን ክትክኡ ክቡር የኔታ ፍሊፖ ቺያምፓኔሊ ተመዚዞም ኣለዉ።  ክቡር ኣባ ፍላቪዮ ፓቸ ድማ ንናይ ሕብረት ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ኮይኖም ስለዝተመዙ ብዕለት 4 ግንቦት ኣብ ካቴድራር ሚላኖ ቅብኣተ ጳጳስና ክፍጸመሎምን ስዩም ሊቀጳጳስት ኮይኖም ከገልግሉን ኢዮም።

16 April 2024, 13:45