ድለ

ኣብ መበገሲ ኢዮቤል፡ ድምጺ ‘ኢዮቤል’

ሾፋር ዝበሃል ኣብ ትውፊት ኣይሁድ ንገለ ቅዱሳት በዓላት ምጅማሩ ንምእዋጅ ዝጥቀሙሉ ናይ ቀርኒ ወይ መለኸት ድዑል መሰረት "ኢዮቤል" ዝብል ቃል እዩ። ጐሊሖም ዝረኣዩ ክፋላት ታሪኽ ድሕነት ምስ ድምጺ ናይዚ መሳርሒ ዝተኣሳሰሩ ኣያቶም፥ ካብ መስዋእቲ ኣብርሃም ክሳብ ምእዋጅ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝኸይድ እንክብሉ ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዓቢይ መምህር (ራባይ) ደ ሰኚ ገሊጾም፡ ኢዮቤል ዝብልል ቃል "ካብ ጆቤል ዝብል ቃል ማሕበራዊ መልኽቲ ፍትሕን ማዕርነት" ዝውክል ዝወጸ ምዃኑ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢዮቤል ዝብል ቃል ምስማዕ ዝብል ተግባር እውን የመላኽት። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሮሽ ሃሻና ሓድሽ ዓመት ኣይሁድ ወይ ዮም ኪፑር ዝኣመሰለ ቕዱስ በዓላት ኣይሁድ ዚጅምረሉ ዕለት በቲ ፍሉይ ደሃይ መለኸት ድዑል ይሕበር። እዚ መሳርሒ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቶራህን ታልሙድን ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ራባያውያን ጽሑፋት ወይ መልእኽትታት ዝጥቀስ እዩ።

እምነት ኣብርሃም

እቲ በቲ ብቀርኒ ድዑል ዝወጅ ኢዮቤል ከም ትውፊት ኣብ ደብረ ሞርያሕ እምነት ኣብርሃም ንምዝካር ቀርኒ ድዑል ይንፋሕ ነይሩ፡ ኣብርሃም ኣቦ ውላዱ ኢሳቕ ንእግዚኣብሔር ክስውእ ዘርኣዮ ከም ዝበልካዮ ዝብል ቁርጺ ፍቓድን እቲ ኣክንዲ ኢሳቕ ዝስውኦ ዝረኸቦ ድዑል ብሓቂ ኣምላኽ ንተኣዛዝነቱ ከም ዘማስወሉ ዘርኢ ምልክት ዘቃልሕ እዩ።

12 ወርሒ ዕረፍቲ ዝገበረላ ቀዳም

ኣብ ምጽሓፍ ቅዱስ ድምጺ ቀርኒ ካልእ ዓቢ ክብሪ የበስር: ንሱ ድማ ዮቤል ዝብል እዩ። እዚ ቃል እዚ ቃል ብቓሉ "ራም"፡ "መግዕ" ማለት እዩ። ብመሰረት ኣብ ምዕራፍ 25 መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዝርከብ ትእዛዝ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸውዓተ ሰሙን ኣብ ዓመት፡ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመት፡ ምድሪ ድሕሪ 12 ወርሒ እትዓረፈሉ "ቀዳም" ንምእዋጅ "መለኸት ውዳሴ" ይንፋሕ። ዕዳታት ይቕረ ዝበሃለሉ ካብ ዋንኡ ዝተወስደ ንብረት ናብቲ ናይ መጀመርታ ዋንነቱ ዝምለሰሉ እዋን።

ድምጽታት ሾፋር - ቀርኒ ድዑል (መለኸት)

ኣርባዕተ መለለዪ ድምጽታት ሾፋር ኣለዉ፡ ተኪያ፡ ነዊሕን ግርማውን ደሃይ፡ ብኽብሪ ጻውዒት ምቕራብ ዘስምዕ፤ እቲ ምስ ድምጺ ብኽያት ዝመሳሰል ማእከላይ ንውሓት ዘለዎም ብሰለስተ ደሃይ  ዝቖመ ሸቫሪም፡ ድኻም ደቂ ሰባት ዝዝክርን ዝሓለፈ ተግባራት ከነስተንትነሉ ዝዕድምን፤ እቲ ፍንጀራ ትሩዋ፡ ተኸታታሊ ሓጸርትን ዝተሰብሩን ደሃያት ድማ፡ ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ንኽትበራበር ህጹጽ ጻውዒት ዝውክል እዩ። ኣብ በዓል ሮሽ ሃሻና እቶም ሰለስተ ድምጽታት ተደሚሮም ናብ ተኪያ ገዶላ ወይ “ዓቢ ተኪያ” ይቕየሩ፣ እዚ ድማ ጻውዒት ነባሪ ለውጥን ድሕነትን ዘመልክት እዩ። ስለዚ ሾፋር ኣብ ህይወትካ ከተስተንትነሉ፡ ምምሕያሽ ከም ዘድሊ ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት ይኸውን።

ዓመተ ጸጋ ጎይታ

ንእስራኤል ፍጻሜ ኢዮቤል ወትሩ ምስ ምምጻእ ነብያት ከም ዘመላኽትዎ፡ ዓመተ ጸጋ እግዚኣብሄር ንምብዓል ምስቲ ክመጽእ ዝንበይዎ መሲሕ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣብ ሮማ ናይ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዓቢይ መምህር - ራባይ ሪካርዶ ሸሙኤል ዲ ሰኚ ንዜና ቫቲካን ነውስ ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ ኣመላኺቶም፥ “ኢዮቤል ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ ኩሉ ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ምድሪ እስራኤል ክነብር ድማ ነይርዎ . . . እዚ ዅነታት እዚ እስራኤላውያን ኣብቲ ብኣሶራውያን ንፈለማ ግዜ እተማረኹሉ እዋን ተቛሪጹ ከምዝነበረን እዚ ድማ ቅድሚ ሸውዓተ ዘመን ክርስትና ኣቐዲሙ ዓመተ ኢዮቤል ተቛሪጻ ከም ዝነበረ የዘኻኽር።" እዚ ብግዜ ናቡከደነጾር ካልኣይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ እተማረኹሉ እዋን ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ወይ ከኣ ኣብ ከም እዝራ ነህምያ ወይ ኣብ መዝሙራት ብንጹር ተጠቒሱ ንረኽቦ።

ኣዋጅ ዓስርቱ ትእዛዛት

ኢዮቤል ዝብል ቃል ዮቤል ካብ ዝብል እብራይስጢ ቃል ዝመጸ እዩ። እዚ ቃል እዚ ንኣብነት ምስ ምእዋጅ ዓሰርተ ትእዛዛት ተተሓሒዙ ንርዮ።" “ድምጺ ቀርኒ ምስ ተሰምዐ ጥራይ እዩ ህዝቢ ናብቲ ከረን ክድይብ ዝኽእል” ኣብ ዘጸኣት ከም እነንብቦ። “ዮቤል ምስቲ ኣብ ርሑቕ ጥንቲ፡ ወግዓዊ ምልክት ዝነበረ: ኣብዚ ህሞት ዓመት ኢዮቤል ይጅምር” ዝብል ምስ ዝንፋሕ ድምጺ ብቐረባ ዝተኣሳሰር እዩ።

ሓርነት ጊልያዎት

ምስ ዮቤል ዝተኣሳሰሩ ክልተ ሕጋዊ መዳያት ኣለዉ፡ እቲ ቀዳማይ ሓርነት ጊልያዎት እዩ። ኩሉ ግዜ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ዝርከብ ትእዛዝ ከም እነንብቦ፦ «እቲ ምሳኻ ዘሎ ሓውኻ ኣብ ድኽነት ወዲቑ ርእሱ እንተሸጠልካ፡ ከም ጊልያ ኣይትርኣዮ፤ ከም ሰራሕተይና፡ ከም ተኻራዪ ምሳኻ ይኹን። ክሳብ ዓመት ኢዮቤል ከገልግለኩም እዩ፤ ድምጺ ኢዮቤል ምስ ተሰምዐ ድማ ሽዑ ምስ ደቁ ካባኻ ርሒቑ ናብ ስድርኡ ተመሊሱ ናብ ንብረት ኣቦታቱ ክምለስ እዩ። ከምቲ ካብ ምድሪ ምስሪ ሓራ ዘውጻእኩኹም ከም ጊልያዎት ክሽየጡ ድማ የብሎምን።

ምስራዝ ዋንነት መሬት

እቲ ካልኣይ መዳይ "ምስርዛር ዋንነት መሬት ዝምልከት እዩ: «ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል ኩሉ ንብረት ናብ ዝውንኖ ዝነበረ ክምለስ፥ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ዝውከስ ምዃኑ ዲ ሰኚ ሓቢሮም፥ “እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ በጽሑ፣ እቲ መሬት ኣብ መንጎ ቀቢላታትን ኣብ ውሽጢ ነጋዶትን፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ስድራን ይምቀል ስለ ዝነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ቁራጽ . . . መሬት. ከውንን ንዝብል ከምዚ ዓይነት ዘይማዕርነት ዘወግድ ማለት ኩሉ ናብቲ ናይ መጀመርታ ዋንነት ምምላስ ማለት እዩ” ሓደ’ኳ ኣልቦ መሬት ከይከውን ዝብል።

ኩሉ ሰብ ከም ብሓድሽ ብተመሳሳሊ ተኽእሎታት ዳግማይ ይብገስ

“ካብ ኢዮቤል ዝመጽእ መልእኽትታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብውሑድ ኩሉ መሬ ክህልዎ ብምግባር ህልውናኡ ብኽብሪ ዳግማይ ንኽበግስ ተኽእሎ ዝውክል እዩ። ኣብ ጥንቲ እቲ መሬት፡ ሕርሻ፡ ቀንዲ ምንጪ መነባብሮ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ዝብጽሖ ዕለታዊ እንጌራ ክህልዎ ስለ ዝነበሮ። ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደ ሰብ እናሃብተመ ሓደ ሰብ ድማ እናደኸየ ዘንቆልቁል እንተኾይኑ፡ ኢዮቤል ነገራት ዳግማይ ንምስራዕ፡ ንኹሉ ሰብ ብተመሳሳሊ ተኽእሎታት ከም ብሓድሽ ንኽብገስ ኣብ ምግባር የገልግል ነይሩ።"

ማሕበራዊ መልእኽቲ ‘ኢዮቤል’

ቀጺሉ ብገለ መልክዑ ንእዋናዊ ፍጻሜታትን ቅዉም ነገራትን፥ ማሕበራዊ ማዕርነትን ፍትሕን ናይቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓላዊ ንኽኾኖ ዝተጸውዖ ተፈጥሮ ክኸናኸንን ከም ዘለዎም ዘተሓሳስብ እዩ። “እቲ መሬት ናትና ኣይኮነን። እቲ መሬት ከም ህያብ እዩ ተዋሂቡና። እታ መሬት ከመይ ከም እትወሃብ፡ ክንደይ ዝዓቐኑ ከም ዝወሃብ ዝውስን ንብረት ጎይታ እያ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ንኹሉ ብማዕረ እያ እትወሃቦ። ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘይምዕሩይነት እንተ ኣጋጢሙ፡ እዚ በደል እዚ ብስርዓትን በብእዋኑን ክእረም ኣለዎ። ስለዚ ኢዮቤል ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ማሕበራዊ መልእኽቲ እዩ። እዚ ድማ ናብ ህሉው ቁጠባዊ ኩነታት ክትትርጉሞ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ ኩሉ ሰብ ማዕረ ዕድል ኣለዎ ዝብል መትከል ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታት ፍትሕን ማዕርነትንን ንምምስራት መሰረታዊ ዝኾነ ናይ መዘኻኸሪ ጻውዒት እዩ።"

10 April 2024, 16:36