ድለ

2025.09.25 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ 2025.09.25 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ  (@VATICAN MEDIA)

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ንዙሕ ዓመታት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ናይ ዘገልገሉ ብዘጋጠሞም ብርቱዕ ሕማም ምኽንያት ዕለት 16 መስከረም ካብዛ ዓለም ብሞት ናይ እተፈልዩ ሊቀ ጳጳሳት ኖቫቱስ ሩጋምብዋ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዕለት 25 መስከረም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝመርሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ኖቫቱስ ሩጋምብዋ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎቶምን ኣብ መወዳእታ ድማ ብዘጋጠሞም ሕማም ዝሃብዎ ብርቱዕ ናይ እምነት ምስክርነትን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዞባ ካገራ ኣብ እትርከብ ከተማ ቡኮባ ኣብ 1957 ዓ.ም. ዝተወልዱ ኣብ 1986 ከም ዝኻሃኑን ካብ 1991 ጀሚሮም ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ዝተዋፈሩን፣ ኣገልግሎቶም ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ እስያን ኦቻይና ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣህጉራት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ኣንጎላ፡ ሳኦ ቶሜን ፕሪንሲፐን ሆንዱራስ፡ ከምኡ’ውን ኒውዚላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ከምኡ እውን ኣብ ደሴታት ፓሲፊክ ሓዋርያዊ ወኪል ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ ዓሚቝ ሕይወትን ጉስነታዊ ተሃዋስነትን ጥበብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝተዓደሉን ነቲ ዝተቐበለዎ ህይባት ብዘይ ዕቃበ ኣብ ጸዋዕታኦም ዝነበርዎን ምዃኖም ገሊጾም፣ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎቶም ፖለቲካዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ድልድል ሰላምን ምርድዳእን ንምህናጽ ዝገብርዎ ዝነበረ ጻዕርታት ዝመርሕ ሰናይ ሓዋርያዊ ጉስነት እውን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ "ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ኣገልግሎቶም ድማ ጎይታ ዝያዳ ኣበርክቶ ሓተቶም፡ ንቕድስና ቤተ ክርስቲያን ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ክሳቐዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ህይወት ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ ጽሞና ዝተመልአ ምስክርነት እምነት ዝወሃበሉ ምንባሩ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ገሊጾም፣ ኣብ ሕማም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝነበርዎ ነቕ ዘይብል እምነት ዝመስከሩን መከራኦም ንኻልኦት ምንጪ ጸጋ ከም ዝኾነ ኣስተብሂሎም፣ ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮሜ መሰረት ገይሮም፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ “እዚ ሕጂ ዘሎ መከራ ምስቲ ክግለጽ ዘለዎ ክብሪ ክወዳደር ዘይበቅዕ” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፣ ነፍስሄር ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ ሕጂ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደው ኢሎም ዘለዉ ብዓለማዊ ናእዳ ዘይኮነስ፡ ብኣገልግሎትን ትሕትናን ፍቕርን ዝተነብረ ሕይወት ብምቕራብ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ንቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምጥቃስ “እዋናዊ ሰብ ካብ መምህራን ንላዕሊ ንመሰኻኽር ብፍቓዱ ይሰምዕ” ብምባል ናይ ነፍሰሄር ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ ቅንዕናን ተቓዳዊ ሕይወትን ኣጉሊሖም፣ ልዕሊ ኩሉ መስተውዓልነቱን ቅኑዕነቱን ምስክርነቱን ንቃላቱን ህላወኡን ርዝነት ዝህቦ ምንባሩ ኣስተብሂሎን፣ ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ፓሮሊን ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዝተወስደ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝዛረብ ምንባብ መሰረት ብምግባር፡ “ነቶም ዝነኣሱ ዘገልገሉ” መንግስቲ ኣምላኽ ብሓጎስ ይቕበሉ ቢሎም፣ ንድምጺ ድኻታት ዝንበር ተሃዋስነት፡ ንሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ ኣማራጺ ተወሳኺ ኣይነበረን፡ ከም ክርስትያንን ካህንን ማእከል መንነቱ እዩ ኔሩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ስነ - ስርዓት ቀብሪ፡ ሰበ - ስልጣን ቫቲካን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣባላት ሓዋርያዊ ልኡካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበርን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ምእመናንን ካብ ትውልዲ ሃገር ሩጋምብዋ ታንዛንያ ዝመጹ እውን ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሊቀ ጳጳሳት ሩጋምብዋ
26 Sep 2025, 17:26