ነቲ ዘሎ መዓት ደው ዘየብል ድኹም እገዳ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 17 መስከረም ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ መዓት ደው ንምባል ዝዓለመ ስጉምትታት ከም ዘቕረበን፣ ሓደ ምሉእ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቦምባታት ዘሕልፎ ዘሎን ናብ ግዱድ ስደት ይቓላዕ ከም ዘሎን ዘርእይ ዘሕዝን ምስልታት፡ ምስሊ ዝተቐትሉ ህጻናት ንዕዘብ ኣለና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተደጋጋሚ እቲ ግጭት ደው ክብል ዘቕርብዎ ጻውዒት ንሰምዕ ኣሎና፣ ኣብ መደምደምታ ዕለት 17 መስከረም ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ዳግማይ ምሉእ ብምሉእ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ጸዊዖም፣ ምስቲ “ብፍርሒ ኣብ ምንባር ዝቕጽልን ኣብ ዘይቅቡል ኩነታት ዝነብርን፣ ብሓይሊ – ዳግማይ – ካብ መሬቱ ንኽመዛብል ዝግደድ ዘሎን ህዝቢ ፍልስጤም ቅርበቶም ከም ዝገለጹን፣ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ገና ተቐባልነት ዝጽበ ዘሎ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ እማመታት ትሑት ኢዩ ዝመስል።
ገለ ካብቶም ስጉምትታት ንህይወት ተራ ሰባት ኣጸጋሚ ክገብሮ ዝኽእል ክኸውን እንከሎ፣ ገሊኡ ግን ኣብቲ ግጭት ቀጥታዊ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ንግዲ ኣጽዋር ዝግበር ቀይድታት ዘቐምጥ ኣይኮነን። እዚ ኣጽዋር እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዚግበር መጥቃዕቲ እዩ ዚውዕል ዘሎ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እቲ ኤውሮጳ ዘቕረበቶ እማመ ምስ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ጉዳያትን ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ስጕምትታት ዘይተነብሮ እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 26 ሰነ እተዛረብዎ ቓላት ብዘጉህይ መገዲ እዋናዊ እዩ - "ወተሃደራዊ ልዕልነት ዝያዳ ጽልእን ሕነ ናይ ምፍዳይ ባህግን ኣብ ክንዲ ዜጐሃህር ንጸገማት ከም መፍትሒ ገርካ ብምቕራብ ንህዝብታት ዓለም ንሰላም ዘለዎም ባህጊ ብኸመይ ዋጋ ክንህቦ ንኽእል? ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ጁባ ነጋዶ ሞት ከም ዝኣቱ ክግንዘቡ ጀሚሮም ኣለዉ፣ ሓደስቲ ኣባይቲ ሕክምና ኣብያተ ትምህርትን ንምህናጽ ክውዕል ዝኽእል ገንዘብ ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ድሮ ዝነበረ ንምጥፋእ ኢዩ ዝውዕል ዘሎ" እንክብል ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።
(Andrea Tornielli)