ቫቲካን፡ ኣብ ው. ሓ. ሃገራት ሰላምን ምዕባለን ሰብኣዊ መሰላትን ንምድንፋዕ ዝኣመተ ተሓድሶ ምትግባር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መጅማር ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን እንክሉ መደረኦም ዘበገሱ፣ ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 80 ቅዋመ እቲ ውድብ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ተረኺቦም ዘስምዕዎ. መደረ፣ ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን እንክብሉ ኣበጊሶም፣ እዚ ዕላማ ጻዕርታት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ እቲ ብሓድሽ ስግኣት እትለለ ዓለም ክትስዕቦ ዝግብኣ መገዲ ክኸውን ኣለዎ። ካብ ዩክሬን ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ካብ ሱዳን ክሳብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኣብ ካልኦት ናይ ግጭታት ዞባታትን፡ እቲ ክስዓብ ዘለዎ ዝተጠቕሰ መንገዲ ዘተ፡ ብዝሓ - ጎናውነትን ምፍታሕ ኣጽዋርን ዘመላኽት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ "ጸበባን ጭንቅን" እዚ ቅድስቲ መንበር "ክብረት ሰብ" ኣብ ማእከል ምግባር መሰል ህይወት ምሕላው ነቲ ብፍላይ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝትንክፍ ዘይማዕርነት፣ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ምፍታሕ፣ ከምኡውን ነቲ "ፍሉይ" ሸቶ ተባሂሉ ዝግለጽ ግን ከኣ ክብረት ንስሉጥነት መስዋእቲ እንተ ገይሩ ሓደገይና ክኸውን ዝኽእል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምቍጽጻር ኣድላዪ ምዃኑ ደጊሞም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምሉእ ጽሑፍ መደረ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብዚ ኣንብብ (ብእንግልዘይና)
ብዙሓ - ጎናዊ ምትሕብባር ምድንፋዕ
እቲ ዕለት 29 መስከረም ምሸት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፣ ዓለምለኻዊ ጕዳያት ንምፍታሕ "ብዝሓ - ጎናዊ ምትሕብባር" ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ነዚ ንምፍጻም ነቲ ቐንዲ ክቡራት ዋጋታት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንደገና ኸነረጋግጽ የድሊ፣ እዚ ድማ ኣህጉራዊ ሰላምን ምዕባለን ኵላዊ ሰብኣዊ መሰላትን ንምድንፋዕ "ኣብዛ እናተገማመዐት ትኸይድ ዘላ ዓለም ዝያዳ ኣገዳሰነት ኣለዎም። ዓለም ሎሚ ብግሉልነት እያ እትፍለጥ ዘላ፣ እዚ ድማ ጠንቂ ናይቲ ክውገድ ዝኽእል ዘይምርግጋእ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ሎሚ ዘሳቕየና ዘሎ መዓት ማለት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ውጥረት፣ ቀጻሊ ቅልውላው ከባቢ ኣየር፣ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነትን ድኽነትን ዝንጸባረቕ እዩ። እዚ ጸገማት እዚ ዋላ ሓንቲ ሃገር ንበይና ኽትብድሆ ዘይከኣላ ሓድሽ ስግኣት ዘለዎ ለውጢ ኣህጉራዊ ሃዋህው ዜንጸባርቕ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር ንገዛእ ርእሳ ከም ድምጺ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ሰባት ገይራ ትገልጽ፣ ምእንቲ እዚ ሰላም ኣብ ልዕሊ ግጭት፣ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዘይማዕርነት ዚዕወት፣ ግዝኣተ - ሕጊ ንስልጣን ዚትክኣ፣ ሓቂ ድማ ናብ ናይ ሓቂ ድሕንነት ደቂ ሰባት መገዲ እትሕብር ዓለም ተተባብዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምህናጽ ሰላም
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሰላም ኣተኲይሮም፦ ሰላም "ግጭት ዘይምህላው" ወይ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ሚዛናዊ ምዃን ጥራይ ማለት ዘይኰነስ፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣቐዲሞም ዘረጋገጽዎ፣ ኣብ "ሓባራዊ ምክብባር፣ ንጡፍነትን ተሳታፍነትን" እተመስረተ ክቡር ዋጋ እዩ። ነዚ ንምህናጽ "ጽልእን ሕነ ምፍዳይን" ነጺግካ፣ ዘተን ዕርቅን" ምምራጽ የድሊ። ማእከል ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝኾነ ክቡራት ዋጋታት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብተግባር ከደንፍዖ ይጽዋዕ፣ በዚ መዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር ድኽነትን ጥሜትን ንምጥፋእ ቀዋሚ ምዕባለ ንምድንፋዕን ንለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ንፍምታሕ ብኸፊል ብወተሃደራዊ ወጻኢታት ዝምወል ዓለም ለኻዊ ስልዕቲ ንምቛም ዘቕረበቶ ሓሳብ ደጊሞም ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምብዛሕ ኑክልየስ ደው ምባል
ስቕታ ኣጽዋር፡ ኣብ "ምህናጽ ምትእምማን" ዝምርኮስ ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣስሚሮም፣ ኣብዚ መንጽር እዚ፡ እቲ ውድድር ኣጽዋር፣ "ሓድሽ ስግኣታት" የስዕብን "ፍርሒታት የጋድድን" ኣሎ። እቲ ዘደንጽው ዓውሎማዊ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት - ኣብ 2024 ዓ.ም. 2.72 ትሪልዮን ዶላር - "ዑደታት ዓመጽን ምፍልላይን" ዘቐጽል ኮይኑ፡ ጸጋታት ካብ ድኻታትን ተቓላዕትን ዝምንዝዕ እዩ። ምፍታሕ ኣጽዋር ፖለቲካዊ ስሌት ዘይኮነስ "ግብረ ገባዊ ግዴታ" እዩ። ስለዚ ሓያሎ ሃገራት ካብቲ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ዝኣተዋኦ ቃል ኪዳን የንሳሕባ ምህላወን ዘተሓሳስብ እዩ። እዚ ናይ ሓደጋ ደወል እዚ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንኑክልየሳዊ ውግእ ዝምልከት እዩ: ዕቑር ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን ኣጽዋር ውግእ ዘመናዊ ምግባርን ደው ክብል ኣለዎ። እቲ ዘሎ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 12,000 ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከምዘሎን "ካብ ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ነጻ ዝኾነት ዓለም ኣድላዪትን ዝከኣልን" ምዃኑ ዘጠራጥር ከምዘይኮነ እውን ከም ዝግለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር
ካልእ "ዓንዲ" ሰላም ድማ ምኽባር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ እዩ። ምጥሓሱ - ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ኣቢያተ ሕክምና፡ ኣብያተ ትምህርትን ቦታታት ኣምልኾን መጥቃዕቲ ምፍጻም- "ከቢድ ገበን ኲናት" እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ጥምየት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ከቢድ ገበን ኲናት እዩ። ወተሃደራዊ ኣባላት፡ ብተግባራቶም "ምሉእ ተሓተታትነት" ከም ዘለዎም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መደረኦም ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ ንትእዛዛት ምእዛዝ ብዝብል ስነ ሞጎት ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብርክት ዝበሉ ኣብ ዓውዲ ሰብኣዊ ኣገግልግሎት ዝዋፈሩ ሰራሕተይናታት ኣብ ዞባታት ኲናት እውን ዝንቀሳቐሱ፣ ተልእኾኦም ብሰፊሕ ብድሆታት ዝተጸልወ እውን ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናጽነት ምድንፋዕ
ቅድስቲ መንበር ንናጽነት ኣተሓሳስባን ሕልናን ሃይማኖትን እውን ከም ተእተጒልሕን ሎሚ ልዕሊ 360 ሚልዮን ክርስትያን ኣብ "ከቢድ ኣሳዶን ወይ ኣድልዎን" ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ዝነብሩ ከም ዝኾኑን፣ እዚ ድማ ክርስትና "ኣብ ዓለም እቲ ኣዚዩ ንስደትን ኣድልዎን ዝተቓለዐ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ፣ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ይኹን ሕብረተሰብ ንዝኾነ ሰብ ኣንጻር ሕልናኡ ክዋሳእ ከገድድ የብሉን እንክብሉ ኣጠንቂቖም። ማእከላይ ናይዚ ዓውዲ እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ እዩ: ምልውዋጥ ሓሳባት ጥራይ ዘይኮነስ "ናብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ፍትሕን ሰላምን ዝወስድ ናይ ሓባር መንገዲ" ንምቕራብ እዩ። እዚ ኣብዛ ብጽንፈይናነትን ውልትውናን መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይምርድዳእ ብዝባርዑ ግጭታት እትልለ ዓለም ህጹጽ ተወፋይነት እዩ። ቅድስቲ መንበር እውን በቲ ምስ ዘይክርስትያናዊ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዝምልከት በቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Nostra Aetate - ዘለናሉ ዘመን ብዝብል ኣርእስቲ ብዝደንገገቶ መበል 60 ዓመት ብዘኽብር ዘሎ ናይ ውሳነ ኣዋጅ ኣቢላ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝገበር ዘተ ብቐዳምነት ትስራዕ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክብሪ ሰብ ምዕቃብ
ማሕበረሰብ ዓለም ዝገብሮ ኩሉ ጻዕሪ "ክረት ሰብ" ኣብ ማእከሉ ዘቐምጥ ክኸውን ኣለዎ። ውሕስነት ኣገደስነታት ምሃብ ማለት እውን "ካብ ምጽናስ ክሳብ ባይርያዊ ሞት" ንመሰል ህይወት ምክልኻል ማለት እዩ። ቅድስቲ መንበር "ባህሊ ሞት" ዘስፍሑ ተግባራት፡ ከም ምንጻል ጥንሲን ናይ ሞት ፍርድን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ደጊማ ተረጋግጽ። ኣብ ክንድኡ ጸጋታት ንሓለዋ ህይወት ክውዕሉ ይግባእ፣ እኹል ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ሕንጸትን ክህሉ ይግባእ። "ንህይወት ዝብል ሓደ መሰል ጥራይ እዩ"፤ ምስ ህይወት ዝጻረር ብጉልባብ ናጽነት ዝቐርብ እውን ይሃሉ! ዝጋጮ ነገር ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እዚ መሰል እዚ ካብ "ውድዓውን ኩላውን ሓቂ" ክፍለ እንከሎ፡ መሰል ህይወት ከይተረፈ ኣብ ድርድር ሓደጋ ከምዝወድቕ ኣብሪሆም፣ ካብቶም ክብሪ ደቂ ሰባት ዘዳኽሙ ተግባራት፡ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻንን ናብ "ተራ ፍርያት" ዘውርድ ተካኢ ኣደነት ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ልኡላውነት ሕጊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ሓደ እዋን፣ ስራሕ ሕቡራት ሃገራት "ፍትሒ ኣድማሳዊ ሕውነት ንምግሃድ መተካእታ ዘይብሉ ጠለብ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ እዚ እውን ልዕልና ሕጊ ምድንፋዕን ምሕያልን ጌርካ ክርአ ዝከኣል ምዃኑ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብዚ መድርኽ እዚ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ሊቀ ጳጳኣት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ የዘኻኽሩ፣
ጥሜትን ድኽነትን ምጥፋእ
ንቅድስቲ መንበር ጥምየትን ድኽነትን ምውጋድ "ግብረ ገባዊ ግዴታ" እዩ፣ ከመይሲ ንሰባት ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ተኽእሎ ስለ ዝዓግቶም። እዚ መዓት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሮ "ምድሪ ንኹሎም ደቂ ሰባት እኹል መግቢ ከተፍሪ ዓቕሚ ከምዘለዋ ምስ ተረዳእና ዝያዳ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ” እንክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ናይቲ ቅልውላው "ኣብ ክንዲ ብስስዐ ምእካብ፣ ምፍራይ መግቢ እኹል ኣይኮነን: ምስ ምርግጋጽ ዘላቕነት ናይቲ "ንኹሉ ዝበጽሕ ጥዑይ ኣመጋግባ" ዝህብ ስርዓታት መግቢ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ "ንስርዓታት መግብና ብዓይኒ ምትሕግጋዝ ዳግማይ ምሕሳብን ምሕዳስን ከም ዘድሊ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓውሎማዊ ዘይምዕሩይነትን ምስራዝ ዕዳታትን
ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ወይ ከባብያዊ - ዓለማዊ ዘይምዕሩይነት ምብዳህ - ንቅድስቲ መንበር ተወሳኺ ህጹጽ ብድሆ ይውክል። ሎሚ፡ ኣብ ምክፍፋል ሃብቲ፡ ተበጻሕነት ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ውሕስነት መግብን እኹል ኩነታት መነባብሮን ዓሚቝ ዘይምዕሩይነት ይቕጽል ኣሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብ"ስርዓታዊ በደላት፡ ግጭትን ምብራስ ከባብን" ይጋደድ። ስለዚ፡ "ዘይፍትሓዊ ስርዓታት ንግዲ፡ መዝማዚ ኣሰራርሓ ዕዮ፡ ዘይምዕሩይ ተበጻሕነት ጸጋታት ዝብሉ መዋቕራዊ ጠንቅታቶም ምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ። ከቢድ ጾር ዕዳ ንመላእ ኣህዛብ ኣብ ድኽነት የእትዎም: ስለዚ፡ ምስራዞም ናይ ልግሲ ተግባር ጥራይ ዘይኮነስ "ጉዳይ ፍትሒ እውን" እዩ። እዚ ዋጋ እዚ ዝያዳ ህጹጽ ዝገብሮ ሓድሽ መልክዕ ዕዳ ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ፡ እዚ ድማ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ዓለማዊ ሰሜንን ደቡብን ዝግለጽ "ስነ - ምህዳራዊ" ዕዳ፡ ምስ ዘይምዕሩይነት ንግዲ፡ ጽልዋታት ከባቢ፡ ከምኡ'ውን ምስ ዘይምዕሩይ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብገለ ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝተኣሳሰር እዩ።
ሓልዮት ንፍጥረትን ቅልውላው ክሊማን
ንጉዳይ "ስነ - ምህዳራዊ ዕዳ" ብዕቱብ ምውሳድ እውን ጉዳይ "ከባብያዊ ፍትሒ" እዩ፣ ድሕሪ ሕጂ ረቒቕ ዘይጭበጥ ኣምር ወይ ርሑቕ ዕላማ ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ስነ ፖለቲክዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ “ብቅልውላው ብዙሓ - ጎናውነት" ከም ዝልለ ኣስተብሂሎም፡ ግን ከኣ ብዝያዳ ርኡይ ትርጉሙ ዘለዎ ጉዳይ ከባቢያዊ ኣየርን ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ - ነቶም ድኻታት፡ መጻኢ ወለዶታት-"ነቶም ዝወሓደ ሓላፍነት ዘለዎም" ይጸልዎም። ስለዚ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ምሕያል፡ ምክፍፋል እደ ጥበብን ስጉምት ከባቢያዊ ኣየርን ምድንፋዕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ "ሓድሽ ኣነባብራ ዝሃንጽ ባህሊ ክንክን" ወፍሪ ምግባር የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስደተይናታትን ተመዛበልትን
ብመሰረት ቅድስቲ መንበር ስደተይናታትን ተመዛበልትን "ቀዳሞት ግዳያት" ዓሚቝ ዓለማዊ ዘይምዕሩይነት እዮም። መልሲ ናይዞም ጸገማት ፖለቲካ ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ: ኣብ ስነ ምግባርን፣ ሰብኣዊ፣ ምድግጋፍን ኣገባብ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ፣ ደረጃ ናይቶም ካብ ሃገሮም ዝወጹ ብዘየገድስ ውሕስነት ዘለዎ፣ "መትከል ናብ ዝመጽሉ ዘይምምላስ" ብምኽባርን ዓመጽን ምዝመዛን ዝከላኸል ክኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ንዕርቂ ስድራቤት ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣለዎ፣ መሰረታዊ ተራ ናይዚ ሕመረት "ኣብ ምዕባለ ደቂ ሰባት፣ ስነ - ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ማሕበራዊ ምርግጋእን" ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣለዎ። ምስ ዘይስሩዕ ስደት ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ንምንካይ ቅድስቲ መንበር ውሑስ መስመራት መተሓላልፎ ንስደተይናታት ክሰፍሕ፣ በዚ ድማ ተግባራት ንግድ ሰብ ትቃወምን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ቀታሊ ዝኾነ ጉዕዞታት ክቕንስ ትጽውዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብድሆ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ጎኒ ጎኒ ዓበይቲ ዓውሎማዊ ብድሆታት፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘጉልሕዎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም "ካልእ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ" የጋጥሞ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ዝቐርብ እዩ። ካብ ምህዞ ደቂ ሰባት ዝወጽእ "ዘይተለምደ እደ ጥበባዊ ዓወት" ዝውክል ኮይኑ፡ ግን ከኣ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክኸውን ዝኽእል ውጽኢት ዘምጽእ ኮይኑ፡ "ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዎ ጽልዋ ስክፍታታት የልዕል"። እዚ ስክፍታታት እዚ፡ ኩሉ ጸገማት ዓለም ብእደ ጥበብ ጥራይ ክፍታሕ ዝከኣል ናብ ዝብል ሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ንሰብኣዊ ክብርን ሕውነትን ንብቕዓት ኣስተውዕሎን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ስለዚ ቅድስቲ መንበር ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምልከት ንጹር ስነ - ምግባራዊ መምርሕታትን መቆጻጸሪ ማዕቀፋትን ክምዕብልን ክጸድቕን ትጽውዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላክት።
መሰላት ሰራሕተይናታት ምዕቃብ
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣስዕብ ኣቢሎም፣ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሕዕ ኣስተውዕሎ ንብዙሕ ዓይነት ስራሕ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ገሉጾም። ስለዚ ሓደስቲ ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዘተኰረ ቍጠባዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣድላዪ ኢዩ። ፍትሓዊ ደሞዝን ቀጻልነት ዘለዎ ናይ ስራሕ ኵነታትን ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ብምሕሳብ ንሕመረት ኣባይቲ ስድራ ምድልዳል ወሳኒ እዩ። ቅድስቲ መንበር ነቶም ስድራቤት ክሃንጹ ዝደልዩ መንእሰያት ንምድጋፍ ሓድሽ ቈራጽነት ክግበር ጻውዒት ተቝርብ፣ እዚ ድማ "ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ውዕል መርዓ" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ዩክሬን ዘሎ ቅልውላው
ቀጺሎም ሊቀ ጳጳሳት መፍትሒኦም ኣብ ምድላይ "ንጹርን ኣደናጋሪ ዘይኮነ" ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ኣብ ናይ ሎሚ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ንዘሎ ዝተፈላለየ ግርጭታትን ብድሆታትን ገምጊሞም። ቀዳማይ፡ ኣብ ዩክሬን ዘጋጠመ ቅልውላው፡ “ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዓሚቝን መሪርን እዩ።” ኣብ ሓደ እዋን ህያዋን ከተማታት ናብ ፍርስራስ ዘውረደድ፡ ቈልዑ ድማ ኣብ ክንዲ ብጸወታን ፍሽኽታን “ኣብ መንጎ ደውል ሓደጋታትን ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልትን” ክዓብዩ ዘገደደን ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ “እዚ ኲናት እዚ ንዘይተወሰነ እዋን ዘይኮነስ ሕጂ ከብቅዕ ኣለዎ” ዝብል ጻውዒት ቅድስቲ መንበር ዘኪሮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ቅኑዕን ተባዕን ዘተ ንምብጋስ” ኣድላዪ ቅድመ ኩነት “ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል” እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣቃሊሖም። ኩለን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኣከባ ሃገራት “ብሱቕታ ምርኣይ ዝብል ኣገባብ” ክነጽጋን ንዝኾነ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም መንገዲ ዝጸርግ ተበግሶ ክድግፋ ዝተጸውዓ ምዃነን ከም ዘዘኻኻሩ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።
ማእከላይ ምብራቕ
ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት ተጠንቂቓ ብምክትታል፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት እተመስረተ "ፍትሓውን ርጉእን" ሰላም ከም ዘድሊ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዓመጻ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑ ነባሪ ተዅሲ ደው ምባል ክህሉ ሰብኣዊ ረድኤት ከበጽሕ ከምኡውን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዕቝባ ሰላማውያን ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክኽበር "ሓባራዊ መቕጻዕቲ" ክኽልክል፣ ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃም ክውገድ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም፣ ሕቶ እየሩሳሌም እውን ኣገዳሲ እዩ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ውሳነታት እተመስረተ "ፍትሓዊ" መፍትሒ ንሰላም ኣድላዪ እዩ። ንፍሉይ ደረጃ እታ ኸተማ ዚቕይር ዝዀነ ይኹን ብሓደ ወገን ዚግበር ውሳነ "ብግብረ ገባውን ሕጋውን መዳይ ተቐባልነት የብሉን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሶርያን ኣፍሪቃን
ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር "ሰላማውን ፍትሓውን" ምስግጋር መንግስቲ ከምዘድሊ ደጋጊማ እተቕርቦ ለበዋ ብምዝካር፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቕልቀል ዘሎ ምልክታት ደሞክራስያዊ ምዕባለ ብሓጎስ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን፡ ንደሞክራሲያዊ ምርጫን ንናይ ህዝቢ ተሳትፎን ትካላዊ ጽገናን ዝግበር ተወፋይነት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ከበድቲ ዕንቅፋታት ገና ከም ዘለዉን፡ "ምልካዊ ምሕደራ፡ ኢደወነናዊ ጽገናታት ቅዋምን፡ ሰፊሕ ምግባረ ብልሽውናን፡ እዚ ድማ ዜጋታት ኣብ ትካላት ዘለዎም እምነት ዘዳኽም እዩ። ከም ሳሕል ፡ ካቦ ደልጋዶን ገለ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ዞባታት ሕጂ ማእከላት ዘይምርግጋእ ኮይነን፡ ኣብዚ እዋን እዚ "ጅሃዳዊ ስግኣት"፡ ድኽነት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ውሽጣዊ ግጭታትን "ንህይወት ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ቱኽቶኻታትን" ይረኣዩ ኣለዉ።። ኣብ ቅድሚ እዞም ብድሆታት እዚቶም፡ ጽንዓት ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ-"ብፍላይ መንእሰያት"- ክቡር ጸጋ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ዕላማ ብዝገበረ ወፍሪ ክድገፉ ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ንቅድስቲ መንበር ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ ብሓደ ወገን ኣብ መንጎ ምምሕዳር ውሽጢ ዓዲን ዕጡቕ ጉጅለ ኤም23ን ኣብ መንጎ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኮንጎን ሩዋንዳን ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ከብቅዕ ዝተበጽሐን ዝተፈረመን ኩለመዳያዊ ስምምዕ ሰላም ከም እወንታዊ ዝረአ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ሓደስቲ ማዕበል ዓመጽ ዝፈጥሮ ስክፍታ ልዑል ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን: ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ኣብ ኮማንዳ፡ ኣብ ዞባ ኢቱሪ ኣብ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 40 ምመናን ከም ዝቐተቐትሉን ምንስሓብ ተልእኾ ምርግጋእን ዕቃበ ሰላምን ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕነት ንምርግጋጽን ኣብቲ ዞባ ቀጻሊ ብድሆታት ንምፍታሕን ዘለዎ ዓቕሚ’ውን ጥርጣረታት ዘለዓዕል ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።
ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን
ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት’ውን ጠቒሶም፣ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባልን ሓቀይናዝ ዘተ ክጅመርን ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፣ "ኣውያት ቃንዛ ህዝቢ ሱዳን ክስማዕ ኣለዎ፤ ድሕሪ ሕጂ ንሸለልትነት ቦታን ግዜን የሎን።" ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝረኣዩ ምዕባለታት እውን ብፍላይ ኣቓልቦ ሂቦም፣ ቅድስቲ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ብቕንዕናን ብሓላፍነትን መንገዲ ዘተን ምትሕብባርን ክኽተሉ፣ ኣብ 2018 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ከተግብሩን ጻውዒት ተቐርብ ቢሎም፣
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ካሪብያንን
ብፍላይ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝረአ ዘሎ መዓት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ'ውን ኣዚዩ ዓመጽ ዘጓሃህርን ዘስፍሕን ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም፣ ቅድስቲ መንበር ጎኒ ጎኒ ሓባራዊ ጻዕሪ መንግስታት ንምክልኻል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ ኣብ "ሰብኣዊ ምዕባለ" ወፍሪ ምግባር ህጹጽ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰበትን፣ ብጹእነቶም ኣቓልቦኦም ናብቲ ኣብ ካሪብያን ብፍላይ ድማ ኣብ ሃይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣቕኒዖም፣ ቫቲካን እታ ሃገር ናብ መንገዲ ሰላምን ድሕነትን ክትምለስ ዘኽእላ ኣድላዪ ማሕበራውን ትካላውን ኩነታት ክፍጠር ከም ዝኽእል ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጾም። ሃይማኖታዊ ናጽነትን ካልእ መሰረታዊ መሰላት ውልቀሰባትን ሕብረተሰብን ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ ተስፋ ብምግባር፡ ኩነታት ኒካራጓ እውን ይጠቅሱ።
ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ
ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ብፍላይ ድማ ኣብ ሚያንማር ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ውሽጣዊ ኲናት "ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዘጥፍእ ዘሎ ወጥሪ'ውን እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ስክፍታኣ ገሊጾም፣ እዚ ግጭት እዚ ገበናዊ ንጥፈታት ንኽዓቢ ነዳዲ ኮይኑ ከም ዘሎን፣ ከም ማእከላት ምትላል ዝበሃሉ : ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንተጠቀምቲ መርበብ ሓበሬታ ዘታልሉ መሓውራት፣ ገንዘብ ናብ ገበናዊ መርበባት ዘሰጋግሩን ዝኣመስሉ ጠቒሶም፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ተውኪሶም ኣብዘን ብቐንዱ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ሚያንማር፡ ታይላንድ፡ ቻይና፡ ካምቦድያን ላኦስን ዝርከባ ማእከላት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት - እንተዘይኮይኑ ኣማኢት ኣሽሓት - ሰባት ናይተን መሓውራት እሱራት ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ብብዙሕ ቢልዮናት ዝግመት ጸረ ሰብአዊ ዝኮነ ኢንዱስትሪ ኣብ መላእ ዓለም "ሚልዮናት ግዳያት" ከም ዝገብርን። ኣብዚ መንጽር’ዚ ቫቲካን ነቲ ብማሕበር ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ (ኣሴን) ዝሰፍሕ ዘሎ መስርሕ ዘተን ምትሕብባርን ተተባብዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።
ባልካንን ካውካስን ዝበሃላ ሃገራት
ብጹዕነቶም እቲ ዓለማዊ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ባልካን፣ “ብታሪኻዊ፣ ባህላውን መክዓ ምድራውን ምኽንያት ምስ ኤውሮጳ ዝተኣሳሰራ ሃገራት” ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክህልወን ዝግደሳ ሃገራት ብምትኳር። ቫቲካን ብሄራዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ምንጪ ምግምማዕ ዘይኮነስ፡ “ሃብታም” ክፋል እታ ኣህጉር ምዃኑ ኣስሚራ፣ ብዛዕባ ካውካሰስ ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ዝተኸተመ ስምምዓት ሰላም ብሓጎስ ብምቕባል ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንገዲ ዕርቂ ክቕጽሉ ከም ዘተሓሳሰበት ገሊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ።
ኣድማዒ ብዝሓ - ጎናውነት ምትእስሳር ምሕያል
ነባሪ ክቡር ዋጋ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ሰማንያ ዓመት ታሪኹ ዝፈጸሞ ሰናይን ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ነቲ ሎሚ "ተኣማንነቱ" ኣብ ሕቶ ዘእቱ "ድሩትነቱን ጸገማቱን" ከይሓብኡ እዞም ድኽመታት እዚኣቶም ግን ነቲ ዝተረኽበ ዓወታት ከደብዝዙ ዘይኮኑስ፡ ምስ ድሌታት ህሉው እዋን ብምትዕጽጻፍ፡ ንጽገናኡን ዳግመ ህይወትን ዳግማይ ተወፋይነት ከነቓቕሑ ኣለዎም። ነዞም መሰረታዊ መደባት ብሓድሽ ሓሳባት ንምትካእ ዝግበር ፈተና ምቅዋም ኣገዳሲ እዩ - ቢሎም - እዚ ድማ ንተልእኾ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣርባዕተ ኣዕኑድን ማለት ንሰብኣዊ መሰላት ምድንፋዕ ኣህጉራዊ ሰላምን ደሕንነትን ምዕቃብ ቀዋሚ ምዕባለን ልኡላውነት ሕግን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ። እዚ ዳሕረዋይ እዚ እዩ ንዝዀነ ይኹን ፍትሓዊ ኣህጉራዊ ስርዓት ኣድላዪ ዝዀነ። ዝኽሪ ዓመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም "መብራህቲ ተስፋ" መጠን ዘለዎ ግደ ንምድልዳል ከምኡውን ንህጹጽ ድሌታት ደቅሰብ ኣብ ምግልጋል እወንታዊ ሓይሊ ንምድልዳል ኣጋጣሚ እዩ” እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።