ድለ

NKOREA-SKOREA-US-MISSILE-DRILLS NKOREA-SKOREA-US-MISSILE-DRILLS 

ቅድስቲ መንበር ካብ 'ቍጡዕ ኑክልየሳዊ መደረታት' ተቐንቅቕ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ኑክልየሳዊ ፈተነታት ንምኽባር ኣብ እተገብረ መደብ፣ ነቶም እተጐድኡ ማሕበረሰባት ናይ ምሕጋዝን፣ ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናጻ ናብ ዝዀነት ዓለም ንምስጓምን፣ ስነ ምግባራዊ ግዴታ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቺያ ነቶም ብሳዕቤናት ኑክልየሳዊ ፈተነታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ማሕበረሰባት ንምዝርራብን፣ ንውዕላት ኣጽዋር ንምኽባርን ንምክንኻንን፣ ሓድሽ ቈራጽነት ክግበር ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዝሓልፈ ሓሙስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ኑክልየሳዊ ፈተነታት ንምዝካርን ንምድንፋዕን ኣብ እተገብረ ላዕለዋይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ንመጀመርታ ግዜ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ካብ ዝፍንጀር ሰማንያ ዓመት ከም ዝሓለፈ ዘኪሮም። ብፁዕነቶም ኸም ዝገለጽዎ "ንዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዕናዊ ሓይሊ ኣፋለጣ" ከምኡውን "ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ነዊሕ ጽላሎት ሞት" ዘውርደላ ህሞት ኢዩ ዝንበረ።

ኑክለሳዊ ፈተነታት ምቕጻል

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋብርኤለ ካቺያ ወሲኾም፣ ካብ 1945 ንነጀው እተገብረ ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ኑክልየሳዊ ፈተነታት ብቐጻሊ ዘሕደሮ ሳዕቤን ኣመልኪቶም ተዛረቡ፣ እዚ ፈተነ እዚ ድማ ንደቀባትን ነዴታትን ቈልዑን ዘይተወልዱ ዕሼላትን ብመጠኑ ኸም ዝጐድአ ኣጕልሑ።

"ጥዕናን ክብረትን ብዙሓት ሰባት ብስቕታ ዝጸሉ ዘሎ ኢዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብዘይ ካሕሳ ይተርፉ ኣለዉ" በሉ።

ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ዓመታዊ መዓልቲ ዝኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኽበር ከሎ፣ እዚ እዋን እዚ ከም ሓድሽ ሓላፍነት ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።

"ብፍላይ ነዚ ኣገዳስን ሓባራውን ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዓለምለኻዊ ምላሽ ናብ ኣንጻራዊ ኣንፈት ይኸይድ ምህላዉ ዘተሓሳስብ ኢዩ" ብምባል፣ ወተሃደራዊ ወጻኢታት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን፣ ዝያዳ ኣዕናዊ ኣጽዋር ምምዕባልን "ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለን ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕን ዝግበር ወፍሪ ይጐድል ምህላዉ ውን" ሓበሩ።

ኣብ ኣጽዋር ኣይትተኣማመኑ

ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸቸስኮ ዝበለዎ ቃላት ብምጥቃስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ኣጽዋር ናይ ምውካል ዝንባሌ ክቃወሞ ተማሕጺኖም፦ "ንውግእ ፈጺምና ኽንለማመዶ የብልናን። እወ ኣብ ሓያልን እተራቐቐ ኣጽዋርን ንኽንውከል ዘሎና ፈተና ብጽኑዕ ክነጽጐ ኣሎና።"

ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነት ዓለም ምህናጽ "ስትራተጅያውን ኣገዳስን ኣድላዪነት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ዓሚቝ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት ኢዩ" ክብሉ ውን ገለጽዎ፣ ቅድስቲ መንበር ድማ ንሓፈሻዊ ውዕል እገዳ ኑክልየሳዊ ፈተነታትን ውዕል ክልከላ ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን ሓዊስካ ንቐንዲ ናይ ብዙሕነት መሰረታት ከም እትድግፍ ደጊሞም ኣመልከቱ።

ዓለምለኻዊ ስርዓታት ኣንጻር ኑክልየሳዊ ፈተነ ንምድልዳል ጻውዒት ኣቕሪቦም

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ኣብ መደምደምታ መደርኦም ነቶም ገና በዚ ፈተነ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እዚ፣ ብናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤናት እተተንከፉ ማሕበረሰባት ጭቡጥ ደገፍ ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ቅድስቲ መንበር ድማ ዓለምለኻዊ ስርዓታት ኣንጻር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምድልዳል "ናብ ሓቀይናን ነባርን ሰላም ዝመርሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ" ምዃኑ ወሲኾም ገለጹ።

09 Sep 2025, 18:33