ድለ

2025.09.13 ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ዝረአ ዘሎ ምዕባለ 2025.09.13 ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ዝረአ ዘሎ ምዕባለ  (@Vatican Media)

ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ዝረአ ዘሎ ምዕባለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ንምድንፋዕ ኣብ ቫቲካን ናይ ቬትናምን - ቅድስቲ መንበርን ሓባራዊ ጉጅለ ዕዮ ዓርቢ ዕለት 12 መስከረም ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ብናይ ምሕዝነትን ምትእምማንን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሃዋህው ዝተሰነየ ምንባር ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መበል 12 ኣኼባ ናይ ቬትናምን – ቅድስቲ መንበርን ሓባራዊ ጉጅለ ዕዮ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዕለት 12 መስከረም 2025 ዓ.ም. ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ሓላፊት ልኡኽ ጉጅለ ቬትናም ለ ቲ ቱ ሃንግ፡ ከምኡ’ውን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ሓላፊ ጉጅለን ቅድስቲ መንበር የኔታ ሚሮስላው ዋቾቭስኪ ብሓባር ብዝመርሕዎ ኣገባብ ከም እተኻየደ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ርክብ ቬትናምን – ቅድስቲ መንበርን ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቬትናምን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሰፊሕ ምልውዋጥ ሓሳብ ከም ዘካየዱን፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ትጉሃት ካቶሊካውያንን ሕያዎት ዜጋታትን ብምዃን ኣብ ዓለም ወንጌል ንምንባር ብዝብል መንፈስ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓፈሻዊ ምዕባለ ቬትናም እትገብሮ እወታዊ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ምሃቦም የመላኽት።

ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ’ቲ ኣብ ግንቦት 2024 ኣብ ሃ ኖይ ዝተኻየደ መበል 11 ኣኼባ፣ ናይ ቬትናምን – ቅድስቲ መንበርን ሓባራዊ ጉጅለ ዕዮ ብስሩዕ ጽምዶን ምምኽኻርን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ብፍላይ ድማ ብላዕለዋይ ደረጃ ምልውዋጥ ልኡኻት ከምኡ’ውን ንጥፈታት ኣብታ ሃገር መንበር ዘለዎ ጳጳሳዊ ወኪል ኣብ ሃ ኖይ፡ ሊቀ ጳጳሳት ማሬክ ዛሌቭስኪ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታቶም ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ዝፈጠሮ ዕግበት ከም ዘረጋገጸ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ወገናት ብዝለዓለ ደረጃ ምልውዋጥ፣ ክልተኣዊ ዝምድናታቶም ዝያዳ ምድንፋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ስሩዕ ኣኼባታት ሓባራዊ ጉጅለ ዕዩ ክቕጽል ከም እተሰማምዑን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቲ ብናይ ቨትናም ምኽትል ጉዳያት ወጻኢ ለ ቲ ቱ ሃንግ ዝተመርሐ ጉጅለ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብን እቲ ጉጅለ ኣስዒቡ ኣብ ቤት ጸሓፊ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምብጻሕ ከም ዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

15 Sep 2025, 16:45