ድለ

2025.09.15 Veglia di Preghiera della Consolazione 2025.09.15 Veglia di Preghiera della Consolazione  (@Vatican Media)

ምስክርነታት ይቕሬታን ዕርቅን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025

ኣብ ንግደት ኢዮቤል ተስፋ ናይ ዕለተ ምጽንናዕ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ጸሎት ዘሠርክ፣ ክልተ ኣደነቕረኢ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን፣ ኣብ ማእከል ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺበን ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ዘነቓቕሕ ምስክርነታተን ኣካፈላ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ – ሃገረ ቫቲካን

ሉቺያ ዲ ማውሮን ከምኡ ውን ዳያን ፎሊን ዚበሃላ ክልተ ኣዴታትን ብዛዕባ እቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ብምኽንያት ዓመጻ ብምቕታሎም ዝረኸበን ስቓይን፣ ኣብ ግብሪ ምሕረትን ዕርቅን ዝረኸባኦ ፍሉይ ሓይልን ብቕንዕና መስኪረን።

ሉቺያ ዲ ማውሮ ኣብ ዘካፈለቶ ምስክርነት፣ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ይገብር ሰብኣያ ጋታኖ ሞንታኒኖ ዝስሙ ኣኽባር ጸጥታ ኣብ ናፖሊ ብጕጅለ መንእሰያት ኣብ ዝተቐትለሉ ህሞት ኢዩ ዝጅምር። ሉቺያ ነቲ ስዒቡ ዘጋጠማ ሓዘን እኳ እንተ ገለጸቶ፣ ከም ኣገልጋሊት ሕብረተሰብ መጠን ዝነበራ እምነትን ድሕረ ባይታን ግን ንመሪር ስምዒታ ብኸመይ ከም ትዋጽኦ ከም ዝሓገዛ ገለጸት። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ምስ ሓደ ኻብቶም ቀተልቲ ሰብኣያ ዝዀነ ኣንቶንዮ ብምትሕብባር ይቕረታ ብምግባራ፣ ኣብ ውሽቲ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ለውጢ ኺገብር ከም ዝጀመረ ገለጸት። መልእኽቲ ሉቺያ ንጹር እዩ ዝነብረ፦ ነቲ ዑደት ዓመጻ ምቍራጽ ዝከኣል፣ ነቶም ኪቕየሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ድንጋጸን ካልኣይ ዕድልን ኣብ ምሃብ ከም ምዃኑ ኢዩ ዝንበረ። ሎሚ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ተመኩሮታታ ብምክፋል ነቶም እሱራት መንእሰያት ዝሓሸ መጻኢ ንኺህልዎም ክትሕግዝ ኢያ እትርከብ ዘላ።

ሉቺያ ደ ማውሮ
ሉቺያ ደ ማውሮ   (@Vatican Media)

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ተመኩሮ ዳያን ፎሊ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጋ ከም ሓደ ዜሕዝን ፍጻመ እዩ ዚፍለጥ። ጋዜጠይና ዝነበረ ወዳ ጄምስ ራይት ፎሊ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሶርያ ተጨውዩ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ብእስላማዊ መንግስቲ ዳዒሽ ተቐትለ። ፎሊ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሊብያ ካልእ ጭውያ ኣሕሊፉ እኳ እንተ ነበረ፣ ዓሚቝ እምነትን ቈራጽነትን ብምግባር ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ሰባት ድምጺ ንምዃን ቈራጽነት ዝገበረ ጅግና ኢዩ። ዳያን ወዳ ምስ ተቐትለ እተሰምዓ ስቓይን ቍጥዓን እኳ እንተ ገለጸት፣ ብዛዕባ እቲ ብጸሎትን ዝርርባትን ዝረኸበቶ ፈውሲ ውን መስከረት። ኣብ መወዳእታኡ ምስ ኣሌክሳንደር ኮቲ ዝስሙ ሓደ ካብትም ጨወይቲ ጄምስ ዝነበረ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ሕጊ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ተራኸበት። እቲ ብንብዓትን ቅንዕናን ዝግለጽ መጋባእያ ዳያን ነቲ ቐታሊ ወዳ ምሕረት ዜድልዮ ሰብ ከም ምኹኑ ገይራ ኸም እትርእዮ ገበራ። ሎሚ ብስም ጄምስ ተስፋን ምሕረትን ንምድንፋዕ እተወፈየ ማሕበር መስሪታ ትመርሕ ኣላ።

ዲያና ፎልይ
ዲያና ፎልይ   (@Vatican Media)

ክልቲአን እዘን ኣዴታት ኣብ ዝሃባኦ ምስክርነታት፣ ዓለምለኻዊ መልእኽቲ ኣጕሊሐን እየን፣ ስቓይን ሓዘንን ንዅሉ ሰብ ይትንክፍ፣ እምነትን ድንጋጸን ዘተን ግን ንሓደ ዜሕዝን ፍጻመ ናብ ተስፋ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። እቲ ንግደት ኣብ ኢዮቤል ተስፋ ዕለተ ምጽንናዕ እተገብረ ምስክርነታት ይቕሬታትን ዕርቅን ንሰንሰለት ዓመጻ ብኸመይ ከም ዚሰብርን፣ ኣብ እዋናትን ጸልማት እውን ከይተረፈ ሓድሽ ህይወት ከም ዜምጽእን ልቢ ዝትንክፍ ኣብነትን እዩ ዝንበረ።

17 Sep 2025, 13:20