ድለ

Aftermath of an Israeli strike on an evacuated residential building, in Gaza City Aftermath of an Israeli strike on an evacuated residential building, in Gaza City 

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ መወዳእታ ቅልውላው እና ወሰኸይ ይኸውይድ ኣሎ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ ምንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ትማሊ ሓሙስ ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ ዋዕላ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ውግኣት ዝገልጽ ዜና ከም ዘተሓሳስቢም ብምምልካት 'ዳግመ ግምት ዝግበረሉ ግዜ እንተ ዘየልዩ፣ ዝሰፍሐ ኲናት ናይ ምኽሳት ሓደጋ ኣሎ' ብምባል ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ኣብ ደንደስ መዓቡቓት ኢና ደው ኢልና ዘሎና፣ ከመይሲ መወዳእታ ዘይብሉ ቅልውላው ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እተን ግዝኣት ኣየር ሃገረ ፖላንድ ጥሒሰን ዝኣተዋ ናይ ሩስያ መጥቃዕታዊ ድሮናት ንዝቐረበሎም ሕቶታት እንክምልሱ ብዛዕባ "እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ናይ ኲናት ሓደጋ" ዘለዎ ሻቕሎት ኣይሓብኡን።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ጐኒ ጐኒ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ተቕዋም ሥነ ፍልጠር ካሲና ፒየስ ራብዓይ ዝካየድ ዘሎ ብዛዕባ "ፍጥረት፡ ባህሪ፡ ኣከባቢ፡ ንሰላም ዓለም" ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ሰሚናር፣ ንጋዜጠይናት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ነቲ ትማሊ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ሰርጂዮ ማታሬላ ዝሃቦ ትንተናታት፣ እዚ ዘሎ ወጥሪ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነብረ ኩነታት ኢዩ ኢዩ ዝመስል ከም ዝበለ ገለጹ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን "ብዛዕባ እቲ ዚውሰድ ዘሎ መገዲ ዳግመ-ግምት ዚግበረሉ ግዜ እንተ ዘይረኺቡ፣ መወዳእታ ዘይብሉ እናወሰኸ ዝኸይድ ቅልውላው ክኽሰት ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዝሰፍሐ ውግእ ክኽሰት ይኽእል እዩ" በሉ።

ኣብ ሰፈራታት ቃዛ ዘጋጠመ ኢሰብኣዊ ዘሕዝን ፍጻመ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመን ከም ዘተሓሳስቦም ውን ገሊጹ።

እቲ እስራኤል ኣብ ወሽመት ቃዛ እተጋድዶ ዘላ ሰብኣዊ ቅልውላ፣ "እቲ ዘሕዝን ድማ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ላቲናዊ ፓርትርያርክ ኢየሩሳሜ ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላን ሓዊስካ ብዙሕ ጻውዒት እኳ እንተ ኣቕረቡ ኣየቋረጸን ዘሎ" በሉ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ፣ ነቶም ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ቆሞስ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ቅድስቲ ስድራ ክቡር ኣባ ጋብሪኤል ሮማኔሊን ከምኡውን እቶም ኣብታ ኣብ ከተማ ጋዛ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ዕቝባ ዝረኸቡ ሰባትን "ምስቶም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ስለ ዝጸንሑ ንዓመጽ ኢዶም ክህቡ ኣይደለዩን፣ ብሓቂ ድማ ክድነቕ ዘለዎ ጽንዓት ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ።

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዓለምለኻዊ መራኽብ ሱሙድ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ እንክህቡ "ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ክሕግዝ ዝኽእል ኵሉ ሰብኣዊ ንጥፈታት ጠቓሚ ኢዩ፣ ስለዚ ድማ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎና" ብምባል ገለጹ።

ንዘተን ዲፕሎማስን ባይታ ምኽፋት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መግለጺኦም ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታቱ ደኺመ ኸይበለት ከም ዝቕጽል ውን ኣመልከቱ።

ካርዲናል ፓሮሊን "ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኣለና" በሉ። "ዲፕሎማሲና ምስ ኵሎም ተሳተፍቲ ወገናት ርክብ ንምፍጣር ይጽዕር ኣሎ። ንዘራረብ ኢና ኣትሪርና ድማ ንምሕጸን ኣሎና—ነዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቕልውላው ደው ንምባል ክንጽዕር ዘሎና መሳርሒታት ድማ እዚ ኢዩ።"

ጃምላዊ ቕትለት ዝብል ስያመ ብዛዕባ ምጥቃም

ኣስዒቦም ብፁዕ ካርዲናል ብዛዕባ እቲ ኣባል ሃገራት ንፍልስጥኤም ኣፍልጦ ክህቡ ዚጽውዕ እኳ እንተ ዀነ፣ ምስቲ ኣብ ቃዛ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ብዚተሓሓዝ ግን "ጃምላዊ ቕትለት" እትብል ቃል ብዛዕባ ምጥቃም፣ ሎሚ ብፓርላማ ኤውሮጳ ዝቐረበ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ተሓቲቱ እዩ።

"ኣብቲ ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ነዚ መግለጺ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዜኽእል ረቛሒታት ረኺቦም ኪዀኑ ይከኣል ኢዩ። ንግዜኡ ግን ከምኡ ክንብል ግን ኣንኽእልን ኢና" በሉ፣ ወሲኾም ድማ "እዚ ገና ክርአ ዘለዎ ጉዳያይ እዩ። መጽናዕቲ ድማ የድሊ፤ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ንምሃብ እቲ ዅነታት ብልክዕ ዘማልአ ክኸውን ኣለዎ።"

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ይስሃቅ ሄርዞግን እተገብረ ኣኼባ ሓሳባቶም ከካፍሉ እንከለዉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር "ኣብ ቃዛ ግዝኣታዊ ምቍጽጻር ከም ዘይፍጸም መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ" በሉ።

"ንዅሉ ሰብ ጽቡቕ ፍረ እምነት እልግሰሉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ጭቡጥ ኩነታት ክንርእዮ ኣሎና" ክብሉ ደምደሙ።

12 Sep 2025, 19:09