ድለ

Israeli strike hits building in Gaza City

ካርዲናል ፓሮሊን፦ “ኣብ ቃዛ ዘሎ ዜሕዝን ኵነታትን፣ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ህልቂትን ደው ኣብልዎ”

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ሮማ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ባምቢኖ ጀዙ ኣብ እተገበርዎ ምብጻሕ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ። ቅድስቲ መንበር ነቲ ግጭታት ደው ንምባል ዘኽእል መፍትሒ ክርከብ ተስፋ ብምግባር ድምጻ ብምልዓል ምሕጽንታ ኣብ ምቕራብ ትቕጽል ኣላ ክብሉ ኣመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሰፈራታት ቃዛ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ቅድስቲ መንበር ተዅሲ ደው ክብልን ንሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት ኣፍደገ ክኽፈትን ከምኡውን ሃናጺ ዝርርብ ክጅመር ጻውዒት ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ርሑቕ ዝጠፍአ ድምጺ ኮይኑ ኣሎ፣ እቲ ሓቂ ግን መዓልታዊ ብዛዕባ ጃምላዊ ቕትለት ዝገልጽ ጸብጻባት እናሃለወ ኽነሱ "ኣብዚ እዋን እዚ ዝርርብ የለን" ዝብል ኢዩ። ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝሓልፈ ዓርቢ ዕለት 5 መስከረም ናብ ሆስፒታል ሮማ ባምቢኖ ጀዙ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ናይቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ትማሊ ሰንበት ዕለት 7 መስከረም ቅድስናኦም ዝኣወጁሎም ምስሊ ቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስን ቅዱስ ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ባሪኾም።

እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ዝርርብ ይሓትት ኣሎ

ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ዳንየል ሮቺ ካብ ኣገልግሎት ዜና SIR ንብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ዘለዎም ኣርኣእያ ብፍላይ ከኣ ብዛእባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተደጋጋሚ ዝረላበውዎ "ክልቲኦም ወገናት ዝርርብ ከም ዝቕጽሉን ብዝርርብ ኣቢሎም ነቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ኵነታት መፍትሒ ክረኽቡ"ብዛዕባ ዝብል ኩነታት ሓተቶም።  ካርዲናል ፓሮሊን ቀጺሎም "ቅድሚ ሕጂ ንሕና ከማኡ ስለዝገብርና እቲ ድምጺ ብቐጻሊ ዚስማዕ ድምጺ እዩ። ትማሊ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ብወሳኒ መገዲ ኢና ፈጺምናዮ፣ እዚ ድምጺ እዚ ምስ ድምጺ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብሓባር ገለ ጽልዋ ክህልዎ ድማ ተስፋ ንገብር ኣሎና።"

ነቶም ክግዕዙ ዘይክእሉ ሰባት ምዕቋብ

ካልእ ሕቶ ድማ፣ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ኣብ ዘተኰረ ኢዩ ዝንበረ፣ ብዛዕባ እቲ ከም ኣብ መላእ ቃዛ ዝኣመሰለ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ዕቝባ ዝረኽቡሉ፣ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ቍምስና ኣብ ዘተኰረ ኢዩ ዝንበረ። ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ "ካባኡ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ዘይክእሉ ብዙሓት ስንኩላን ስለ ዘለዉ ከቢድ ኢዩ፣ ስለዚ ነቶም ኣብኡ ክጸንሑ ዝወሰኑን ካልእ ክገብሩ ዘይክእሉን ሰባት ኣኽብሮት ክህሉ ተስፋ ንገብር። እዚ ንምኽባርን ንምዕቋብን ዝቐረበ ጻውዒት ድማ ክስማዕ ይግብኦ።"

ዩክረይንን፣ ክፉት ኣፍ ደገ ቫቲካንን

እቲ ናይ መወዳእታ ሓሳብ ብዛዕባ ግንባር ውግእ ኤውሮጳ ዝኾነት ዩክረይን እዩ ዝነበረ፣ እተን ንሕብረት ፍቓደኛታት ዝኾና ሃገራት ድሕንነትን ውሕስነትን ንምሃብ ዝገበራኦ ቘራጽነት ደጊመን ኣረጋጊጸን እየን። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ "ኣቕዋም ቅድስቲ መንበር ዝርርብ ክጅመር ኣለዎ" ዝብል ኢዩ ብምባል፣ ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ባዕሎም ድማ "ንቫቲካን እዚ ዝርርብ እዚ ዝካየደሉ ባይታ ኮይና ክትቀርብ ገይሮማ ኣለዉ" ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ። ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደምደምታ "ነዚ ህልቂት እዚ ደው ኬብሎ ዚኽእል ኵሉ መገድታትን ኣፍደገታትን ንምርካብ ዓብዪ ፍቓደኛነት ምህላው" ምዃኑ ዚሕብር ምልክት ከም ምዃኑ ብምግላጽ ደምደሙ።

09 Sep 2025, 18:37