ቅድስቲ መንበር፦ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ንሓባራዊ ረብሓ እምበር ንፍሉይ ረብሓ ኣይኮነን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጎረቤት ምዃን “እቲ ዝዓሞቐ ትርጉም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ እምበር ንፍሉይ ረብሓ ከም ዘይኮነ ዝሕብር እዩ እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዕለት 13 ጥቅምቲ ብጳጳሳዊ ማሕበር ‘ፖለቲካዊ ግብረ ሰናይ’፣ “ብተስፋ ጎረባብቲ ምዃን: ምስክር ሃይማኖታትን ስነ ሜላዊ ርክብ ፖለቲካዊ ግብረ ሰናይን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስተብሂሎም፣ “ሃይማኖታትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን” ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንምድንፋዕን ንምውህሃድን ንምድልዳልን ኣሚቱ ዝተፈጥረ ኣካል ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስ ዝተፈላለዩ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ብምትሕብባር ዝቖመ ከም ዝኾነን፣
ኣብቲ ኣዝዩ “ዝነቐጸ” ኩነታት’ውን እንተኾነ ጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ክርብ ኢዱ ከይሃበ ክልተ ኣንፈት ዘለዎ ኣገባብ ይኽተል- ቅጽበታዊ ቅልውላዋት ምፍታሕን፡ ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ "ዑደታት ምርጫ" ዝሰግር ነዊሕ ዝጸንሕ ራእይ ምህናጽን፡ ዝብል ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እዚ ምሾት ዘይኮነስ ስነ ሜላዊ ኣድላይነት እዩ፣ ሓደጋታት እውን ዘጠቓልል እዩ። ምስ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ዘሎ ርክብ ምዕቃብ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ቅድስቲ መንበር "ምስ ምልካዊ ስርዓታት እምብዛ ተሰማሚዓ ትኸይድ" ከም ዘላ ተገይሩ ክሕሰብ ዝከኣል እውን እንተኾነ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ህላወ "ነቲ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስርዓት ጽልዋ ክገብር ዝኽእል እንኮ መገዲ" ምዃኑ ስለ እትኣምን ምስ ኩሉ ክትራኸብ ኣበርቲዓ ትዓዪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ናብ "ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተግባር" ምትርጓም
ብመሰረት ሊቀ ጳጳድስይ ጋላገር ምቅርራብ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሕመረት እዩ። “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መንበር ካብ ሃገራቶም ንዝለኣኹ ልኡካን መንግስታት ዘቕርብዎ ናይ ሽመት መረጋገጺ መልእኽቲ ኣብ ዝቕበልሉ እዋን ካብ ተራ ወግዓዊ ስርዓት ንላዕሊዝኸይድ መትከል እዮም ዘቃልሑ።” ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፣ ኣብ “ንጡፍ ገለልተይናነት - ዘይውድባዊ መትከል” ዝተመስረተ ምዃኑ ዝገሊጾም፣ እዚ ማለት ግን ዘይምግዳስ ዘይኮነስ ንሰብኣዊ ምርግጋእን ንሓባር ሰናይን ተወፋይነት ማለት እዩ፣ ኪኖ “ፍሉይ ረብሓታት፡” ስነ ሜላውያን ጕጅለታትን ስነ - ሓሳባዊ ቅርጻታትን - “ሎሚ ንምልላይ እናኸበደ ዝኸይድ ዘሎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ እቲ ናይ ወንጌል ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ “ንውጉእ ሰብ ጭቡጥን ነባርን ሓላፍነት ምውሳድ” ማለት ስለ ዝኾነ፡ ንስራሕ ቅዲ ይኸውን። እዚ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መዓስ ከም ዝንጸባረቐ ንምርዳእ ገለ ኣብነታት እንክጠቕሱ፣ ከም ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኩባን ኣብ ምቅርራብ ቅድስቲ መንበር ዝተጻወተቶ ተራ፡ ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ሰላም፡ ወይ ምስ ቬትናምን ቻይናን ዝምድና ብትዕግስቲ ምህናጽ ዝኣመሰሉ ተግባራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር የመላኽቱ።
ነፍሲ ወከፍ ምትእትታው ቅድስቲ መንበር ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕን ተስፋ ናብ “ጭቡጥ ስነ ሜላዊ ርክብ ተግባር” ንምትርጓምን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም። ናይ ገርህነት እወታዊ ኣረኣእያ" ዘይኰነስ "ኣብ ገምጋም ሓደጋታት" እተመስረተ ስጕምቲ “ካብ ሓላፍነት ኢድካ ምሃብን "ተስፋ ዘይብሉ ዝመልስ" ኵነታት እውን ከይተረፈ ንምይይጥ ወይ ንለውጢ ቦታ የብሉን ዝብል ኣተሓሳስባ ዝነግጽ ምዃኑ የብርሁ።
ህጹጽነትን ናይ ነዊሕ ግዜ ራእይን
ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ብኽልተ ግዝያዊ ደረጃታት ይሰርሕ፡ በቲ ሓደ ወገን ንቕልጡፍ ህጹጽ ኩነታት - ቅልውላዋት፡ ግርጭታት፡ ሰብኣዊ ኩነታት - ምላሽ ይህብ፡ በቲ ካልእ ድማ ብዑደት ምርጫ ዘይተኣስረ ናይ ነዊሕ ግዜ ራእይ ይሕሉ።“ እዚ ምሾት ዘይኮነስ ስነ ሜላዊ ኣድላይነት እዩ”፣ ምኽንያቱ ሰፊሕ ተስፋ እንተዘይሃልዩ መፍትሒታት ኩሉ ተኣፋፊ ኮይኑ እዩ ዝቕጽል እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ኣብ ስነ ፖለቲካ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ዝካየድ ዘሎ ግርጭታትን ወጥሪታትን ብምጥቃስ፡ ሞንጎይናነት - ሽምግልና ዘለዎ ጸገማትን “ዓለማዊ ምርግጋእ” ዝተሓላለኸ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ ብተወሳኺ ብድሆታት ቅልጡፍ ምዕባለታት እደ ጥበብን ቅልውላው ስነ ምህዳርን ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ ብሓንቲ መንግስቲ ክፍጠር ዘይክእል ግን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንምትግባሩ ኣጸጋሚ ዝኾነ “ሓድሽ ማዕቀፋት ምትሕብባር” ዝሓትት እዩ። እዞም ጉዳያት እዚኣቶም፡ ንብዝሓ ጎናውነት ምትእስሳር “መቀላጠፍቲ” ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጾም እቲ ዘሓዝን ግን ኩሉ ግዜ ከምኡ ኣይኮነን ይብሉ።
ዘተ፡ ምስማዕን ሞራላዊ ወጻኢታትን
ምስ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ዝምድና ምዕቃብ ሓደ ሓደ ግዜ “ንምልካዊ ስርዓታት ኣዝዩ ዘተኣናግድ” ተባሂሉ ክሕሰብ ዘኽእል ሓደጋ ከምዘለዎ ኣስተብሂሎም፣ ይኹን እምበር፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ህላወ፡ ነቲ ብኻልእ መገዲ “ንኽትበጽሖ ኣጸጋሚ” ዚኸውን ስርዓታት ንምጽላው “እቲ እንኮ መገዲ” እዩ።
ግብረ ገባዊ ስልጣን ቅድስቲ መንበር - ካብ ሕጽረት ንዋታዊ ረብሓታቱ ዝምንጩ- “ዋላ’ውን ዘይምቹእ ኣብ ዝኾነሉ እዋን” ኣገዳስነት ስነ - ምግባራዊ መትከላት ክትዝክር የኽእላ’ዩ እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣጉሊሖም። ምስማዕ ንገዛእ ርእሱ “ኩሉ ግዜ ውሕስነት ዘለዎ ኣይኮነን”፣ ምኽንያቱ ጻውዒታት ብፍላይ ምስ “ቅጽበታዊ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ረብሓታት” ዝጋጨው ኣብ ዝኾነሉ እዋን ስምምዕ ንሓደጋ እዩ ዝቃላዕ፣ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ውሳኔታት “ልዑል ግብረ ገባዊ ወጻኢታት” እውን ከስዕብ ከምዝኽእል ኣመላኺቶም፡ ሳሕቲ ኣብ መንጎ “ፍጹም ሰናይን ፍጹም ክፍኣትን” ምምራጽ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጾም፣ በዚ መንጽር ኩነታት “ዝሓየለ መርገጺ” ክጽውዑ ኣብ ዝኽእሉሉ እዋን ገለልተይናነት ከም ዕንቅፋት ክረአ ይኽእል’ዩ፡ እንተኾነ ግን መስመራት ክፉታት ምግባር ኣብ መወዳእታ “ካብ ህዝባዊ ኩነኔታት ዝያዳ ኣድማዒ ምትእትታው” ከስዕብ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ማእከላይ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስደት፡ ሰላምን ብዙሓ - ጎናውነትን
ካብቶም ዝተዘተየሎም ኣርእስታት፡ ብዛዕባ ስደት ዝምልከት ጉዳይ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፣ እዚ ጕዳይ እዚ ሱር ጠንቂ ንምምርማርን ህጹጽ ኵነታት ናብ ኣጋጣሚታት ንምቕያር ብዝኽእል "ምሉእ ኣረኣእያ" ክቐርብ ከም ዘለዎ ገሊጾም፣ ብዛዕባ ዕጥቓዊ ግጭታትን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝጠቐስዎ "ዝተፈናጀረ ሳልሳይ ውግእ ዓለም" ብዝምልከት ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፣ ሰላም ውግእ ዘይምህው ጥራይ ዝብል ኣመለኻኽታ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ፍትሓዊ ርክብ ኣብ ምህናጽ ዘተኰረ "ቲዮሎጊያዊ ሰላም" ክምዕብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ንጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገዳሲ ቦታ ምዃኑ ኣጕሊሖም፣ ልክዕ ከም ስነ ህልዩ ዘይኰነስ ከም "ዓለምለኻዊ ብድሆታት ካብ ለበዳ ክሳዕ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ንበይንኻ ክትዋጽኦ ዘይከኣል እዩ ካብ ዝብል ርግጸይናነት” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።