ቅድስቲ መንበር፦ ኣብ ኣጽዋር ዝተመርኮሰ ኣታላሊ ደሕንነት ኣይፋል ምባል!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ቀጻሊ ምብዛሕን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማን ልሙድ ኣጽዋር ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰላምን ምትእምማንን ንምርግጋጽ ርኡይ ዕንቅፋት ዝውክል እዩ። ኣብ ክንዲ ምርግጋእ ዘስፍሕ፡ ካብ ቅጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ዝርገሐኦም፡ ዘይምትእምማን ይፈጥር፡ ዓመጽ የጋድድ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝካየድ ዘተ የዳኽም" እንክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዛዕባ ልሙድ ኣጽዋር ኣማኪሉ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 80 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት፡ ኣብ 2024 2.7 ትሪልዮን ዶላር
ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት "ዓቢ ወሰኽ" ከምዝረኣየን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2.7 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጽሐን ኣመልኪቶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 "ወተሃደራዊ ልዕልና ዝያዳ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ዘጋድድ ክነሱ ሽግራት ዝፈትሕ ብዘምስል ቤለው ዝግበር ምውህላል ኣጽዋር ንህዝብታት ዓለም ናይ ሰላም ድሌት ጠለምቲ ኣብ ምዃን ክንቅጽል እንኽእል?" እንክብሉ ዘቕረብዎ ሕቶ ተወኪሶም፡ "እዚ ተግባር እዚ ነቲ ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ዘዳኽም ፍርህን ምክፍፋልን ክቕጽል ዝገብር እዩ፡ ብተወሳኺ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ምጥቃም ክላስተር ቦምብታት ሓዊሱ ነታጒ፡ ምቁራጽ ህጹጽ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣባይቲ ሕክምናታት ናይ ኣምልኾ ቦታታት ከቢድ ሳዕቤል ዘለዎ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣፈላላይ ዘይብሉን ነዊሕ ዝጸንሕን ዕንወት
ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ውዕል ጸረ - ሰብ ነተጒቲ ኦታዋ ምንስሓብ ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ ከቢድ ስክፍታ ዝፈጥር እዩ - ቢሎም - እዞም ኣጽዋር እዚኣቶም፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት፡ ማሕበረሰባትን ከባቢን ብዘይ ኣፈላላይን ነዊሕ ዝጸንሕን መጉዳእቲ ዘስዕቡ፡ ግጭታት ምስተወድአ ንነዊሕ ዝጸሕ ቀታሊ ውርሻ ዝሓድግ እዩ። ብዘይፍላጥ ብዝኾነ ሰብ ብፍላይ ድማ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ክነጥፉ ዝኽእሉ ብምዃኖም ምስ መትከላት ሰብኣውነትን ኣህጉራዊ ሕግን ዘይቃዶ ይገብሮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ይብሉ ብጹእነቶም፡ "ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ዚግበር ውሳነታት ንመሳለጥያታት ኪውሃብ የብሉን። ኣብዚ መዳይ እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ጉተረሽ ዘቕረቦ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ቀታሊ ርእሰ ተመሓደርቲ ኣጽዋር ዝኽልክል ሕጋዊ ቀያዲ ሰነድ ንምዝዛም ዘተ ክጅመር ዘቕረቦ ጻውዒት ቅድስቲ መንበር ትድግፎ። ክሳዕ ሽዑ ግን ኵለን ሃገራት ካብ ምምዕባል ወይ ካብ ምጥቃም እዚ ዓይነት ኣጽዋር እዚ ክቝጠባ ኣለወን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ደው ንምባል ቀጻሊ ተወፋይነት ብህጹጽ የድሊ
ብመሰረት ሊቀ ጳጳሳት፡ ማዕረ ማዕሪኡ ጉዳይ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንኣሽቱ ኣጽዋርን ቀለልቲ ኣጽዋርን (SAW) ህጹጽ እዩ። ዘይሕጋዊ ዝርገሐ ናይዞም ኣጽዋር፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ድማ ህጻናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገበነይናታት ወይ ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ዝምልመሉ፡ ዕሸል ዕድመኦም ትምህርቶምን ዝተሓረሙን መጻኢ ዝሕረሙን ግዳያት ኮይኖም ክቕጽሉ ይገብር።" ካብዚ ብምብጋስ ቅድስቲ መንበር ንማሕበረሰብ ዓለም "ኣብ ኣጽዋር ዝተመስረተ ናይ ሓሶት ድሕንነት ኣይፋል ቢሉ፡ ኣብ ዘተን ፍትሕን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወትን ዝተመስረተ ሰላም ንምህናጽ ከይተሓለለ ክሰርሕ ጻውዒት ተቕርብ - ቢሎም - እዚ ቀጻሊ ተወፋይነት ዝሓትት መሰረታዊ ዕማም እዩ" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።