ድለ

ካርዲናል ኩቫካድ: ሃይማኖታት ሰላም ኣብ ምዕባይ ፍሉይ ተራ ኣለወን ካርዲናል ኩቫካድ: ሃይማኖታት ሰላም ኣብ ምዕባይ ፍሉይ ተራ ኣለወን 

ካርዲናል ኩቫካድ: ሃይማኖታት ሰላም ኣብ ምዕባይ ፍሉይ ተራ ኣለወን

ኣብ ሙምባይ ኣብ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ሃይማኖታት ንሰላም፣ መደረ ዘስምዑ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኮቫካድ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣብ ዓለም ንሰላም ኣድላዪን ፍሉይን መጋበርያ ምዃኑ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጆርጅ ጀኮብ ኩቫካድ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ቅዱስ እንድርያስ “ነጋድያን ተስፋ – ጉዕዞ ሃይማኖታት ንሰላም” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ወከልቲ በርገሳውያን፣ ምሁራትን ተሓለቕቲ ሰላምን መደረ ከም ዘስምዑን እዚ መደብ ብሊቀ ጳጳሳት ቦምበይ ከም ኣካል ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ

ካርዲናል ኮቫካድ ምስቲ “ናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ፡ ገርሀይናነትን ሓጐስን ቅዱስን” ከምኡ’ውን “ዘርኢ ሰላም ዘሪኡ” ፈላሚ ዘተ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣንክብሉ ዝገለጽዎ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ምስ ዝበዓለሉ ዕለት  (ዕለት 4 ጥቅምቲ) ዝተጋጠመ ብምዃኑ ብምዝኽካር ትርጉም ናይቲ ዕለት ኣጉሊሖም፣

ውሳኔ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን፥ ‘Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን’

ካርዲናል ኮቫካድ ኣብ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘጽደቕዎ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር እዋናዊ ዘተ መንገዲ ዝጸረገ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣስተንትኖ ከም ዝለገሱን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "እዚ ሰነድ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘለዎም ሰባት ዘተ ኣብ ምድንፋዕ ብዝጻወቶ ዘሎ ዓቢ ተራ ሕጉስ ኢና - መትከላት ውሳኔ “ዘለናዮ ዘመን” ንቡቕ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ምሕዝነት፡ ሓድነትን ምትሕግጋዝን" ከምዘነቓቕሕን ኣብ ምንቕቓሕ እውን ይቕጽል ከምዘሎ ኣመልኪቶም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ነባሪ ኣገዳስነት Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዝበልዎ ጠቒሶም፣ “መንፈስ ቅዱስ ኣብ ስራሕ ኣሎ፡ ከም ምንጪ ሰላምን ፍቕርን - ቢሎም - ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩለን ሃይማኖታት ዘሎ ጽባቐን ሓቅን ኣፍልጦ ንምሃብ ዘተ ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ተወፋይነት ኣጒሊሖም፣ ኣተሓሒዞም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝገበርዎ ዘተ "ብእተፈላለየ ምስልታት ኣምላኽ ናብ ምንጪ ብርሃን ብሓባር ዚግበር ጕዕዞ እዩ" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ይሕብር።

እዋናዊ ብድሆታት

ካርዲናል ኩቫካድ ነቲ ንደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ እዋናዊ ብድሆታት፡ እንተላይ ዘይምጽውዋርን ኣድልዎን ዓመጽን ኣቓልቦ ብምስሓብ፡ ተሳተፍቲ “ነጋድያን ተስፋ” ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም። “ከም ኣመንቲ መጠን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተስፋ ክንከውን ተጸዊዕና ኢና፣ ብፍላይ ንድኻታት፣ ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከቡ፣ ንዝተገለሉንት ንኣድልዎን ስደትን ንዝተቓልዑ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ተስፋ ዘምጽኡ ንኽንከውን - ቢሎም - ይማኖታት ብመንፈሳውን ግብረ ገባውን ጸጋታተን ኣቢለን ኣብ ምዕባይ ዕርቅን ፈውስን ፍሉይ ተራ ከምዘለወን ኣስሚሮም፣ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ምእመናን “እምነት ካብ ምፍልላይ ዝጥርንፍ ሓቂ ንምምስካር” ከም ዘኽእልን፣ ንዝሓሸትን ፍትሓዊት ዓለም ንምርካብ ዘለና ተስፋ” ከም ዘደልድልን ዝገለጽዎ ሓሳብ እውን ከም ዘዘኻኻሩ ዜና ቫቲካል ኣፍሊጡ።

ንሰላም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ጽኑዕ ምዃን

ካርዲናል ኩቫካድ መደረኦም ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን ኩሎም ተሳተፍቲ ዋላ እኳ ጸገማትን ጥርጣረታትን እንተሃለዎም ንሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክጸንዑ ኣተባቢዖም። “ኣብ ዓለም ሰላም ንምፍጣር ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣድላዪ ቅድመ ኩነት እዩ” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣ ኩሎም ኣብ ዝኸድዎ ዘርኢ ሰናይ ዝዘርኡ “ነጋድያን ተስፋን ሃነጽቲ ሰላምን” ኮይኖም ክቕጽሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Oct 2025, 17:57