ካርዲናል ፓሮሊን ስምምዕ ሰላም ቓዛ ዘሕደረሎም ሓጎስ ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብሽምግልና ኣመሪካ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዕለት 10 ጥቅምቲ ኣብ ምስሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም “ሓፈሻዊ ዕግበት” ከምዘለዎም ዕለት 10 ጥቅምቲ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ ነቲ ስምምዕ “ንቕድሚት ዝወስድ መገዲ” እንክብሉ ገሊጾም፣ "ብሓቂ ናብ ነባርን ውዱእን ሰላም ኣብ ዝወስድ መንገዲ ቀዳማይ ስጉምቲ ከም ዝኸውን” ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።
መግለጺ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መግንስቲ እስራኤል
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሎ’ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቐዐ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብልኡከ መንግስቲ እስራኤል ዝተዋሃቦ ናይ ነቐፈታ ግብረ መልሲ ተሓቲቶም እንክምልስ፡ “እቲ ቃለ መሕትት ብምኽንያት እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቅርበትን ተሓባባርንትን ዘረጋግጽ እዩ። ድሮ ኣብ ምስሪ ሻርም ኤል ሸኽ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ይካየድ ስለ ዝነበረ” እውን። “ልዕሊ ኹሉ” እቲ ቃለ መሕትት “ንሰላም ዝዕድም እዩ ነይሩ”።
"ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኩነታት ግብረ ገባዊ ማዕርነት ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን። ዓመጽ ኣበይ ይፈጽም ብመን ብዘየገድስ ክኹነን ኣለዎ . . . እቲ ዝተዋህበ መግለጺ፡ “ድሌት ሰላም”፡ ድሌት “ነዚ ዓመጽ መወዳእታ ንምግባርን መንገድን መስርሕን ዕርቅን ሰላምን ንምጅማርን” ዝኣመተ እዩ፣ እቲ ዝኸበደ ክፋል፡ እቲ ኣተገባብራ ምኾነ፡ "ምኽንያቱ፡ ከምቲ ዝብልዎ፡ ኣብ ዝርዝራት ነገራት ስለ ዘሎ። ስለዚ ብዙሓት ክተግበሩ ዘለዎምን ምናልባት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ፍጹም ስምምዕ ዘይብሎምን ነጥብታት ኣለዉ" እንክብሉ ርእይቶ ይህቡ።
እቲ ዘድሊ “ሰናይ ድሌት” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ እንተወሓደ ሓደ ውጽኢት ተረጋጊጹ ኣሎ” እንክብሉ ብምንኣድ፡ “በዚ ኣንፈት ክንቅጽል ከም እንኽእል ተስፋ ንግበር” ኢሎም።
ምስ ቻይና ኣብ ዝግበር ዘተን ምዕባለታቱን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኣብ 2017 ብዛዕባ ምሻም ጳጳሳት ዝምልከት ስምምዕ ቫቲካንን ቻይናን ድሮ ክልተ ግዜ ተሓዲሱ ዘሎ ስምምዕ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን እንክምልሱ፣
"እቲ ናይ ተመክሮ ስምምዕ ንቕድሚት ይቕጽል ኣሎ። ሕጂ'ውን ከም እወታዊ ነገር ኢና ንርእዮ፡ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ኣብ ጉዳይ ሹመት ጳጳሳት ኣብ ዝብል መሰረታዊ ጉዳይ ይውሓድ ኣብ ሓደ ናይ ስምምዕ ደረጃ ክበጽሓ ገይሩ ኣሎ። ብርግጽ “ክሳብ ሕጂ ጸገማት ኣሎ” እዚ ግን “ብዓቢ ትዕግስትን ብዓቢ ምትእምማንን” ክእለ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ “ሕጂ’ውን ብሕቡእ ገዛእ ርእሶም ዝእውጁ ጉጅለታት ኣለዉ፣ እቲ ስምምዕ ግን ብልክዕ ነዚ ምፍልላይ’ዚ ሰጊሩ ናብ ንቡርነት ቤተ ክርስቲያን ንምብጻሕ ዝዓለመ’ዩ።”
ካብ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ልዮን መበል 14 ኣትሒዙ ገለ “ስጉምትታት” ከምዝተወሰደ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፦ “ር.ሊ.ጳ. እቲ መንገዲ ማለት ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዝዛረብዎ “ንፉዓት ካቶሊካውያንን ንፉዓት ቻይናውያን ዜጋታትን ዝከኣል ምዃኑ” ዘርኢ እዩ። “እዚ ንኹለን ሃገራት ዝምልከት እዩ - ቢሎም - ንፉዓት ካቶሊካውያን ምዃን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንዓደኻ እሙን ምስ ምዃንን ኣብ ምህናጽን ጽቡቕ ሂወት መላእ ሕብረተሰብ ኣብ ምድንፋዕን ምትሕብባርን ኣይጋጮን እዩ” እንክብሉ ይሕብሩ።
ናይ ሰላም ኖቤል ንማቻዶ
ባህርያዊ እዩ፡ ንሶም ንቬንዙዌላ ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጥዋ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2013 ኣብታ ሃገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም፣ - ብዛዕባ እታ ዕለት 10 ጥቅምቲ ተሰላሚት ናይ ሰላም ኖቤል ተባሂላ ዝተሓረየት ቨነዙዌላዊት ማሪያ ኮሪና ማቻዶ ዘለዎም ርእይቶ ምስ ተሓተቱ፣ ካርዲናል ፓሮሊን “እዚ ንማርያ ኮሪና ብዝምልከት ዝተወስደ ውሳነ ብሓቂ ነታ ሃገር ክሕግዛ ከምዝኽእል ተስፋ እገብር” ብምባል፣ “እታ ሃገር ናብ ርግኣት ክትመልስ፣ መንገዲ ዲሞክራሲ ዳግማይ ክትረክብን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ምትሕብባር ከተዕብን ክሕግዛ ይኽእል እዩ” እንክብሉ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።