ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ንዕውት ውጥን ሰላም ቓዛ  ተስፋ ኣለዋ  ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ንዕውት ውጥን ሰላም ቓዛ ተስፋ ኣለዋ   (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ንዕውት ውጥን ሰላም ቓዛ ተስፋ ኣለዋ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዓለም መረዳእታ ዝህብ ጸብጻብ 2025 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ መድርኽ ድሕሪ ምስታፎም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍርራህን ህልው ኩነታት ናጽነት መራኸቢ ብዙሓንን ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ዓመጽ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ስክፍታ እውን እንተገለጹ፡ ቫቲካን ግን ሕጂ’ውን እቲ ዝቐረበ ውጥን ሰላም ክሰርሕ ከምዝኽእል ዘለዋ ተስፋ የረጋግጹ።

ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ ዝገለጹ፡ ኣብ ጎድኒ እቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ግብረ ሰናይ (ANC) ዝተዳለወ ዳሕረዋይ ሕታም ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዓለም ወግዓዊ ኣብ ዝገረሉ መድርኽ ኮይኑ፡ ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ - ብፍላይ ኣብ ቁሸት ታይበህ - ብእስራኤላውያን ሰፋሮ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ሕማቕ ተግባራት ምስ ተሓተቱ፣ “እዚ ብርግጽ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ፣ እንተኾነ ግን እዞም ንቡር ህይወቶም ጥራይ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ክርስትያን ንምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ከጋጥሞም ንኽትርድኦ ዘጸግም እዩ። ብዛዕባ መስጐጕቲ ምዝራብ ቍሩብ ጸገም ዘለዎ እኳ እንተዀነ፡ ብርግጽ እዚ ዅነታት እዚ ክትቕበሎ ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽ

ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ኣፍሪቃን ኣብ ገለ ክፋል ናይጀርያ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝጸሉ ዘሎ ብተደጋጋሚ ዝርአ ጽልእን ዓመጽን ብምቕናዕ - ካብ'ቲ ከባቢ ንዝርከቡ ምንጭታት ብምጥቃስ - እቲ ኣብኡ ዘሎ ኩነታት "ሃይማኖታዊ ግጭት ዘይኮነስ ዝያዳ ማሕበራዊ ግጭት'ዩ፡ ኣብ መንጎ ጓሶትን ሓረስቶትን ዝፍጠር ዘይምርድዳእ" ከም ኣብነት ጠቒሶም የብርሁ፣ "ብዙሓት ኣስላም ናይጀርያ ንባዕሎም ግዳያት ናይዚ ተመሳሳሊ ዘይምጽውዋር ምዃኖም' ውን ክንፈልጥ ኣሎና እንክሎ ኣመልኪቶም፡ "እዞም ኣኸረርቲ ጕጅለታት እዚኣቶም ሸቶታቶም ኣብ ምስዓብ ፍልልይ ዘይገብሩ ጸንፈይናታት እያቶም። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ከም ተጻራሪ ገይሮም ዚርእይዎ ሰባት ዓመጽ ዝጥቀሙ እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓን ዝፈጽም መጥቃዕቲ

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብሰፊሑ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ናጻ ሕትመትን ሓበሬታን ዝተፈጸመ ናይ ምፍርራሕ ተግባራት’ውን ዓሚቝ ስክፍታ ከም ዘህደረሎም፡ ከም ኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠይና ሲግፍሪዶ ራኑቺ ካብ ዝነብረሉ ገዝኡ ወጻኢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጠቒሶም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ፓሮሊን  በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንጋዜጠይና ራኑቺ ቅርበቶም ገሊጾም፡ “ድሕሪ ደጊም ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ዘይኽበረሉ ናይ ዘይምጽውዋር ሃዋህው ናይ ምንባር ሓደጋ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ "ኩሉ ሰብ ሓሳባቱ ብኣኽብሮትን ብዕላማን ክገልጽ ዝኽእል ክኸውን ንዝኾነ ዓይነት ስግኣት ከይተቓልዐ ሓሳቡ ክገልጽ ናጻ ክኸውን ኢና ንደሊ" ከም ዝበሉ ሓቢሩ።

22 Oct 2025, 14:42