ድለ

2025.10.19  ካርዲናል ታግለ ኣብ ኣዘርባጃን ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ኣካይዶም 2025.10.19 ካርዲናል ታግለ ኣብ ኣዘርባጃን ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ኣካይዶም 

ካርዲናል ታግለ ኣብ ኣዘርባጃን ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ኣካይዶም

ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ተራድኢ ህየንተ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ኣብ ሓያሎ መሓውራት ሓዋርያዊ ግዝኣት ኣዘርባጃን ዑደት የካይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 18 ጥቅምቲ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ተራድኢ ህየንተ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ስብከተ ወንጌል፡ ብዕድመ ጳጳስ ቭላድሚር ፈከተ ናብ ኣዘርባጃን ብምኻድ ኣብ ባኩ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝህነጸሉ ቦታ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፡ እታ ኣብ ባኩ ካልአይቲ  ቤተ ክርስቲያን  እትህነጸሉ መሬት፡ ብፍሉይ ኣዋጅ ርእሰ ብሔር ኣዘርባጃን ኢልሃም ዓሊየቭ ዝተዋህበ ከይኑ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ሊቀ ጳጳሳት ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣብቲ ቦታ ተርኺቦም እምነ መሰረት ከም ዝባረኹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካርዲናል ታግለ ኣብዚ ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ምስ ኣብ ኣዘርባጃን መንግስታዊ ሽማግለ ጉዳያት ዕዮ ምስ ሃይማኖታዊ ማሕብራት ራሚን ምማዶቭ እውን ከም እተራኸቡን ኣብታ ሃገር ዘሎ ሃዋህው ዝምድናታት ሃይማኖታት ኣድናቖቶም ብምግላጽ፡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ተልእኾኡ ንኽፍጽም ዘኽእሎ ኩነታት ምህላዉ እውን ንመንግስትን ህዝብን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ታግለ ብማሕበር ደናግል ደቂ ቅድስቲ ተረዛ ካልካታ ኣብ ዝመሓደር መእለይ ምብጻሕ ኣካይዶም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣስዒቦም እውን ብጳጳስ ፈከት ተሰንዮም ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣዘርበጃን ሓዋርያዊ መስተናብር ዑደት ብምክያድ ምስ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ምስቶም ኣብ ኣዘርበጃን ካብ ዝኣትዉ መበል 25 ዓመት ዘብዕሉ ምስ ዘለዉ ኣባላት ማሕበር ሳሊዝያን ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዘርባጃን መግለጺ ከም እተወሃቦምን ካብ ካህናት ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።  

Photogallery

ካርዲናል ታግለ ኣብ ኣዘርባጃን ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ኣካይዶም
22 Oct 2025, 14:39