ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ፡ ካልኣይ ጸብጻብ ኣንጻር ግህሰት ናይ ምሕዋይ ስጉምትታት ሓሳብ የቕርብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ንግዳያት ዘይኮነስ ምስኦም ብልብና ምስማዕ፡ ነቶም ድሕሪት ዝተረፉ ዘሳትፍ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር መዓት ጾታዊ ዓመጽ ኣብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንቕሓት ምዕባይ። እዚ ጭርሖ ናይቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ ብጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝተዘርግሐ ናይ ቤተ ክርስቲያን መምህርሕታትን ኣሰራርሓታትን ዝምልከት ካልኣይ ዓመታዊ ጸብጻብ ንምቕራብ ዝተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቲቦል ቨርኒን ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሽማግለ ጳጳስ ሉዊስ ማኑኤል ኣሊ ሄረራን፤ ዓመታዊ ጸብጻብ ዝምልከት ጠበቓ ማውድ ደ ቦር - ቡኪቺዮ፤ ከምኡ’ውን ጠበቓን ኣባል እቲ ሽማግለ ዳዊት መዝሙርን ምክትል ጸሓፊት ቴሬዛ ሞሪስ ኬተልካምፕ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሊቀ ጳጳሳት ቨርኒ፡ "ንግዳያት ዘይኮነስ ምስኦም ዝግበር ጉዕዞ እዩ”
ሊቀ ጳጳሳት ቨርኒ፡ "ንኹሎም እቶም ምስጢራቶም ዘካፈሉና ግዳያትን ዝደሓኑን" ብልቢ ኣመስጊኖም፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዕዮ ናይቲ ጸብጻብ ኣገዳሲ ኣበርክቶኦም ብምምስጋን። ጎኒ ጎኖም፡ እቲ መንገዲ "ንግዳያት ዘይኮነስ ብኣኣቶን ንኽንትንከፍ ብምፍቃድ ምስኦም" ምጉዓዝ ዝብል ኣሰራርሓ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዝበገሰ ሓቢሮም፣ ኣብ መዳይ ምሕላው ቤተ ክርስቲያን ብሞያ ዝተዳለወትን ብግቡእ ዝተነጸረ ኣገባባት ክትክተልን ኣለዋ። ምስናይ ግዳያት "ነቲ ስንባደ ኣብ ግምት ብዘእተወ" መሓውራት ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ስራሕ እዚ ንኹሎም ኣመንትን ብሓፈሻ ሕብረተሰብን ዘሳትፍ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ንመትከል ምትሕግጋዝ እናኣኽበረ ንናይ ምክልኻል ተልእኾ ቤተክርስትያን ንምድጋፍ ከም መሳርሒ ኮይኑ ከገልግል ይግባእ፣ ንሰበስልጣን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዕማማቶም፣ ኣብ ምሕያል መከላኸሊ ስጉምትታትን ኣብ ምድንፋዕ ናይ ሓባር ስርዓታትን ንኹሉ ባህልታት ከነሰንይ ንደሊ ምስቲ ናይ ምክልኻል ስራሕ ሓዊሱ ንዝተጎድኡን ብፍላይ ድማ ንዝተቓልዑን ሰባት ምሕብሓብ "ኣብ ሕመረት ተልእኾና እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቡኪቺዮ፡ ብልቢ ምስማዕ
ጠበቓ ቡኪቺዮ ንሕትመት እቲ ዓመታዊ ጸብጻብ "ንቤተ ክርስቲያን ኣብ መንገዲ ግሉጽነትን ምድንፋዕን ናይ ምክላኻል ባህሊ ንቕድሚት ክትብል ዝሕግዛ እዩ፣ ተኣማንነት ዘለዎ ጭብጥትት ተግባራዊ ለበዋታትን" ስልጣናዊ ጸብጻብ ምዃኑ ገሊጻ። እቲ ሽማግለ ኣብ ምእካብን ምትንታንን መረዳእታ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንዘሎ ዓለማዊ ክፍተት ንምዕጻው ኣበርክቶ ዝገብር ምዃኑ ኣብሪሃ፣ ግዳያትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ምስማዕ፡ ብሓቂ "ንደቅና ዝያዳ ውሕስነት ናብ ዘለዋ ቤተክርስትያን" ዝወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ግዳያት ብቐንዱ ተመኩሮታቶም ክስማዕን ኣፍልጦ ክወሃቦምን ከም ዝጠልብ እውን ኣስሚራ - ብዕቱብ ክውሰድ ዘለዎ ልሙድ ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ። ዓመታዊ ጸብጻብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ህጻናት "ካሕሳ" ንዝብል ጉዳይ ርኡይ ቦታ ዝህብ ኮይኑ፡ ነቲ ኣምር ኪኖ ተራ ቍጠባዊ ካሕሳ ክብ ምባል ከምዘድሊ ዘጉልሕ ጸብጻብ እውን ምዃኑ ኣመላኺታ፣ "ሓቀይና ባህሊ ክንክን ንምስራጽ ብብዝሕን ተወፋይነትን ንዓቢ ኣሎና ቢላ ናይ "ሓደ ህጻን ስምዒት ውሕስነት ዝጅምር፡ ብእዝንና ጥራይ ዘይኮነስ ብልብና ምስ እንሰምዖ እዩ" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣሊ ሄረራ፡ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝቐረበ ደግፍ
ጳጳስ ኣሊ ሄረራ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ናይቲ ሽማግለ ድምጺ ግዳያት ግህሰት ከምዝቐረበ ሓቢሮም። ምስ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ዝግበር ምትሕብባር ፍረ ዘለዎ ምዃኑ ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ግን ክዕቀቡ ኣለዎም፡ ብፍላይ ድማ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ዝብሉ፣ እቲ ስሩዕ ምብጻሕ ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ጳጳሳት "ድሮ ዘይነጻጸል ኣካል ስራሕ ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጽናትን ተቓላዕትን ዝኾነ ንምስማዕን ሓሳባት ንምሃብን ኣገዳሲ ምዕራፍ ኮይኑ ኣሎ - ምስ በሉ - ኣብ መወዳእታ እቲ ቅዲ "ዝተፈላለየ" እኳ እንተኾነ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቲ ጽኑዕን ተወፋይነትን ዝመልኦ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣገባብ - ናይቲ ሽማግለ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቢንያም ዳዊት መዝሙር፡ ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስራሕ
ጠበቓ ቢንያም ዳዊት መዝሙር ብዛዕባ ኣገዳስነት ምእካብ መረዳእታ ሓፈሻዊ ስእሊ እንከቕርብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓልዮ ህጻናት ብዛዕባ ኣንፈታት ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ጸብጻብ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ፣ እዚ ጸብጻብ እዚ ምስ ሕጽረት ወፍርን ምብትታን ናይቲ ዘሎ መረዳእታን ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ብድሆታት ዘጒለሐ ጸብጻብ ከም ዝነበረን፣ ኣሃዛት ዕላማ ዝገበረ ጽብጻብን ሓገዘን ምቕራብ ንምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሰብኣዊ ሸነኽ እውን ክትርጎም ኣለዎ ዝብል እዩ፣ ዘሕዝን ኣሃዛዊ ጸብጽብ ጥራይ ኣይኮነ፡ ምኽንያቱ እቲ ግዳይ ሓደ ጥራሕ እውን ይኹን ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ። ምንጪ መረዳእታታት ምስፋሕን ምብዛሕን ገና ኣድላዪ እዩ። ነቶም ክሳብ ሕጂ ካብ ምዕባለታት ዝተገለሉ ጉጅለታት ምልላይን ምድጋፍን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩ። ናይ ምክልኻል ባህሊ ብፍላይ ኣብ ንኣሽቱ ሃገራት ምዝርጋሕ መሰረታዊ ቀዳምነት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።