ቅድስቲ መንበር፡- ኣብ ህዋ ዝተመርኮሰ ኣጽዋር ‘ሓቀይናን ከቢድን’ ሓደጋ የስዕብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ህዋ ዝግበር ተኸላ ኣጽዋር ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን “ሓቀይናን ከቢድን” ሓደጋ ምዃኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ መበል 80 ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስፍሓትን ተነቃፍነትን ጠፈር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ሓምለ ምስ ጠፈርተይና ቡዝ ኣልድሪን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ፣ ኣብ መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ምዕላብ ኣብ ወርሒ መንኮርኮር ኣፖሎ 11 ዘኪሮም፡ ስፍሓት ጠፈር፡ "ምስጢር ፍጥረትን፡ ዕብየቱን" ዘለዓዕል እኳ እንተኾነ፡ "ተነቃፊነት" እውን ዘመላኽት እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ጠፈር ብመንጽር ምትሕብባርን ስነ ፍልጠታዊ ርኽበታትን "ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕድላት" ከምዘቕርብ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ይኹን እምበር ነዚ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘተሓሳስብ ዝንባለታት ከም ዘሎ እውን የጠንቅቝ።
እዚ ጕዳይ እዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 1985 ንነጀው ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋር ዝዘራረበሉ እውን እንተኾነ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ግን ኵሉ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ህዋ ብዛዕባ ምእጋድ ገና ኣብ ሓደ ስምምዕ ከም ዘይበጽሐ ኣጒሊሖም፡ ጸረ - ሳተላይት ስርዓታትን ኣብኡ ዝተርፍ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ዝኾነ ኵምራ ጓሓፍን ኣብ ትሑት ምሕዋር ምድሪ ምእካብ ንዓለምለኻዊ ሰላምን ደሕንነትን ከምኡውን ዘላቒ ንጥፈታት ህዋ ከም ዘማህምን የዘኻኽሩ።
ህዋ ካብ ውልቃውን መንግስታውን ረብሓታት ምዕቃብ
ቅድስቲ መንበር ህዋ ንሰላማዊ ዕላማታት "ንረብሓ ዅሉ ፍጥረት ሰብ" ምጥቃም ዝብል መርገጺ ከም ዘለዋ ደጊሞም ዘረጋገጹ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ እዚ ራእይ እዚ ድሮ ኣብቲ ናይ ወጻኢ ጠፈር ውዕል ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነዚ ኸባቢታት እዚ ንመጻኢ ወለዶታት ኪዕቈብ ዘለዎ "ሓባራዊ ረብሓ" ዝብል ኣፍልጦ ብምሃብ ካብ ረብሓታት ሃገራት ወይ ናይ ብሕቲ ትካላት ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ እዚ ድማ "ንዝሓለፉ ግርጭታት ምድግጋም" ወይ ንቦታ ናብ "ንኹሉ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዓውዲ ቅድድም" ክቕይር የብሉን እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ እንታይ ደኣ፡ መንግስታት ናይ ምትሕብባርን “ብዙሕነታዊነት ምሕቋፍን”፡ ከምኡ’ውን “ኣብ ህዋ ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታት ንሓባራዊ ረብሓ ንምስጓም” ሓላፍነት ክካፈሉ ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ተስፋን ምዕባለን ናይ ሓባር ሓላፍነትን ዓውዲ
ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፡ ግዳማዊ ህዋ “ምድራዊ ንሕንሕ ናብ ቆዝሞስ ንምዝርጋሕ” ኣብ ክንዲ “ምድልዳል ንምትሕግጋዝ” ክውዕል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ እቲ ዕላማ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሕቡራት ሃገራት “ግዳማዊ ጠፈር ንዝመጽእ ወለዶታት ናይ ተስፋን ምዕባለን ሓባራዊ ሓላፍነትን ዓውዲ ኮይኑ ክቕጽል ምግባር” እዩ እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።