ቅድስቲ መንበር፦ ድኽነት ንምጥፋእ መዋቕራዊ ጠንቅታት ክእለዩ ኣለዎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቻ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ድኽነት ንምጥፋእን ንውሕስነት ሕርሻን መግብን ኣመጋግባን ዝተወፈየ ሓባራዊ ዘተ ሽማግለ ሕቡራት ሃገራት፡ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዘላቒ ምዕባለ ምስ ድኽነትን ጥሜትን ንምቅላስ ዘድሊ ተኸታታሊ ኣድላዪ ብቕዓታት ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጥሜት ይቕጽል ኣሎ
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 800 ሚልዮን ሰባት ኣብ ክቱር ድኽነት ከም ዝነብሩን ካብ 12 ሰባት ሓደ ብጥሜት ከም ዝሳቐ ዝሕብር ኣሃዛዊ ጸብጻብ ተመርኲይሶም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፣ ኣብ እደ ጥበባውን ቍጠባን ምዕባለ እውን ከይተረፈ ዘጋጥመና ዘይምሹእ ተጋራጫውነት ኣጒሊሖም፣ "እዚ ኣሃዛዊ ጸብጻብ እዚ ነቲ ኣብ ስድራ ቤትናን ማሕበረሰብናን ዘሎ ዓሚቝ ሰብኣዊ ስቓይ ኣየንጸባርቕን እዩ፣ ድኽነትን ጥሜትን ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ኪትልክዖ ስለ ዘይከኣል፡ ብሓቂ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ምሉእ ክብሪ ሰብኣውነት ከቢድ ግህሰት ዜመልክት እዩ፣ እዚ ሓቂ እዚ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ሰብ ማለት ንመሰል ህይወት ዝጸሉን ፍሽለት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እውን ምዃኑ ኣጒሊሖም፣ "ድኽነትን ጥሜትን ንምጥፋእ እንገብሮ ጻዕርታት ሰብኣዊ ክብረት ኣብ ምሕላውን ንዅሉ ሰብ ምሉእ ኩለንተናዊ ምዕባለ ኣብ ምስዓብን እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምጥፋእ ድኽነት
ኣብዚ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ገንዘባዊ ጸጋታትን እደ ጥበባዊ ምህዞታትን ካብ ምጥፋእ ድኽነትን ጥሜትን ዓለም ናብ ምፍራይን ንግዲ ኣጽዋርን ይጥወይ ኣሎ” ክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም፣ እዚ ድማ ንምምጋብን ንምምሃርን ንምፍዋስን ክውዕሉ ዝግበኦም ጸጋታት ዝያዳ መከራን ቃንዛን ዘስዕብ ኮይኑ ከም ዘሎን ብሓቂ ዘሕዝን ስግጢር ምዃኑ ኣስሚሮም፣ እዚ ምግልባጥን ምዝባዕን ቀዳምነታት ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ስቓይ ዘናውሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንግርጭትን ዘይምርግጋእን እውን ነዳዲ ምዃኑ ከም ዘማላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጻውዒት
ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤለ ካቺያ ድኽነት ዘይተርፍ ከምዘይኮነ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ መዋቕራዊ ጠንቅታት ምስተለለዩን ብኣህጉራዊ ምትሕብባርን ምውህሃድን፣ ብዓውሎማዊ ምትሕግጋዝን ተግባራዊ ስጉምትታትን ምስ ዝውሰድ፣ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ህይወት ክዕንብብ ዘኽእሎም ኩነታት ምስ ዝፈጥር ጥራሕ ድማ ዝጠፍእ ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ ቁጠባዊ ድሕነት ንምድንፋዕ ኣብ ጽፈት ዘለዎ ትምህርቲ ወፍሪ ምግባር፣ ዕድላት ግቡእ ስራሕ ምፍጣር፣ ኩለመዳያዊ ስርዓታት ማሕበራዊ ሓለዋ ምምስራት ዝኣመሰሉ ስጉምትታት ክውሰድ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።