ድለ

2025.10.06 ካርዲናል ፓሮሊን፣ ደቂ ሰባት ጎናዊ ግዳያት ኣይኮኑን 2025.10.06 ካርዲናል ፓሮሊን፣ ደቂ ሰባት ጎናዊ ግዳያት ኣይኮኑን 

ካርዲናል ፓሮሊን፣ ደቂ ሰባት ጎናዊ ግዳያት ኣይኮኑን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ሃማስ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ "ኢሰብኣዊ" መጥቃዕቲ ምኽንያት ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑን ዓመጻ ደው ክብልን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ማሕበርሰብ ዓለም እቲ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ "ኢሰብኣዊ" ፍጻሜታት ኩሉ ተቐባልነት የብሉን እውን እንተበለ ከም ቅቡል ዝርእዮ ዘሎ እዩ ዝመስል፣ እቲ ሰላም ኣብ ዝጽውዕ ዝካየድ ዘሎ ሰላምዊ ሰልፍታት ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ብሓቂ ዘገርም እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ጸረ -ሴማውነት ክጠፍእ ዘለዎ መንሽሮ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብታ ዜስካሕክሕ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ግብረ-ሽበራውያን መጥቃዕቲ፣ ከምኡውን እቲ ንወሽመጥ ቓዛ ናብ ፍርስራስ ዝቐየረ ምሉእ ውግእ ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ነዚ ፍጻመታትን ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመን እስከ ንዘክር።

ሕቶ፡- ካርዲናል ፓሮሊን ዝኽሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ናብ ሳልሳይ ዓመቱ ገጹ የብል ኣሎ፣ ነቲ ህሞት ብኸመይ ትዝክርዎ፣ ብናትኩም ኣረኣእያ ንሃገረ እስራኤልን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣይሁድን እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝበልክዎ ሓማስን ካልኦት ምልሻታትን ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት እስራኤላውያንን ኣብኡ ዝነብሩ ስደተይናታትን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም፡ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ በዓል ሱኮት ሲምቻት ቶራሕ ከብዕሉ ዝዳለዉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ዝፈጸምዎ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኢሰብኣውን ኢምኽንያታውን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ኣረጋውያን ዝፍጸም ኣረሜናዊ ዓመጽ - ምኽንያታዊ ክገብሮ ዝኽል ንገር የሎን ክህሉ ኣይክእልን እውን እዩ። ዘሕፍርን ኢሰብኣዊ ህልቂት እዩ ነይሩ። ቅድስቲ መንበር ብኡ ንብኡ ከምኡ ቢላ ብምግላጽን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብቕልጡፍ ናጻ ክልቀቑን ምስቶም በቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሃስዩ ኣባይቲ ስድራ ዘለዋ ቅርበት ገሊጻን ኣርኣይቶን እውን። ጸሎት ጌርና፡ ጸሎትና ይቕጽል እውን ኣሎ። እዚ ናብ ዘይምለስ ዓዘቕቲ ክጎትተና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጽልእን ዓመጽን መወዳእታ ክግበረሉ ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይወዓልናን።

ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓማስ ዝርከቡ ጅሆ ናይ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ኣባይቲ ስድራ እንታይ ክትብሉ ትደልዩ?
እቲ ዘሕዝን ክልተ ዓመት ምሕላፉ እዩ . . . ገሊኦም ሞይቶም፡ ገሊኦም ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዘተ ተፈቲሖም። እብ ጎዳጉዲ ገና ተታሒዞም ዘለዉ፣ ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓልዑን ኮይኖም ዘለዉ ብስእሊ ክትርእዮም የሕዝነን። ክንርስዖም ኣይንኽእልን ኣይግባእን እውን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመትን ፈረቓን ህይወቶም፣ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንኽፍትሑ ካብ 21 ዘይውሕድ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ምስ ገለ ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ጅሆ ዝተታሕዙ ከምዝተራኸቡን እዝክር። ተካኢኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ጻውዒታት ቀጺሎምዎ እዮም። ምስ ኩሎም ዘለኒ ቅርበት እገልጽ፣ መዓልታዊ ስለ ስቓዮም እናጸለኹ፣ ምስ ዝፈትውዎም ሰባት ብህይወትን ብሰላምን ንምርኻብ ዝከኣል ኩሉ ንምግባር - ወይ እንተወሓደ እውን ናይቶም ዝሞቱ ናይቶም ዝተቐትሉ ሬሳ ብግቡእ ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ድልዋት ኢና ከም ዝበሉ እውን የዝኻኽሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቀዳማይ ዓመት መጥቃዕቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ “ማሕበረሰብ ዓለምን እቶም ሓያላን ሃገራትን ነቲ ኣጽዋር ስቕ ኣቢሎም ነቲ ዘጋጠመ መዓት ኲናት መወዳእታ ንምግባር ዓቕሚ ዘይብሎም ኮይኖም ምርኣይ ዘሕፍር እዩ” እንክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም፣ ንሰላም እንታይ የድሊ?
ሎሚ ኩነታት ቓዛ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበሮ ዝያዳ ከቢድን ዘሕዝንን ኮይኑ ኣሎ፡ ድሕሪ እቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐዘፈ ኣዕናዊ ኲናት። ነቲ ዕዉር ስነ - መጐት ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ክንገድፎ፡ ናብ ምኽንያታዊ ስምዒት ክንምለስን ዓመጽ ከም መፍትሒ ክንነጽጎን የድልየና። እቶም ዝጥቅዑ ሰባት ንነብሶም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም፡ ሕጋዊ ምክልኻል እውን እንተኾነ መትከል ምጥቓም ተመጣጣኒ ሓይሊ ከኽብር ኣለዎ። እቲ ዘሕዝን ናይ ዝኾነ ኲናት ኣዕናውን ኢሰብኣውን ሳዕቤናት እዩ ውጽኢቱ . . . በቲ ኣብ ፍልስጤም መዓልታዊ ዝሞቱ ሰባት - ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣማኢት፡ መዓልታዊ - ብዙሓት ቆልዑ፡ ኣብኡ ምውላዶም እንኮ በደሎም ዝመስል፡ ብዙሕ ድማ የሳቕየኒ። ህልቂት ኣብ ምልምማድ ሓደጋ ከይንወድቕ የስግእ! ቁራጽ እንጀራ ክረኽቡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ዝተቐትሉ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ኣባይቶም ዝተቐብሩ፡ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና፡ ኣብ መዓስከራት ስደተይናታት ብቦምባ ዝተደብደቡ፡ ተመዛቢሎምን ካብ ሓደ ጫፍ ናይቲ ጸቢብን ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕን መሬት ናብ ካልእ ጫፍ ክግዕዙ ዝተገደዱ . . . ንደቂ ሰባት ናብ ተራ “ጎናዊ ግዳይ” ኵነት ምውራድ ዘይቅቡልን ዘይምኽኑይን እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ጸረ - ሴማውያን ፍጻመታት እናወሰኸ ምምጽኡ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧
ዘሕዝንን ማዕረ ማዕሪኡ ዘይምኽኑይን ሳዕቤን እዩ። ኣብ ዓለም ናይ ሓሶት ዜና፡ ልዕሊ ዓቐን ዝንዛሕ ትረኻታት ኣብ ዘለሉ እዋን ኢና ንነብር ዘሎና። እዚ ድማ ነዚ ምዝባዕ ሓበሬታ ዝምገቡ ሰባት ኣብ ናይ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ኩሉ ሓላፍነት ብሓፈሻ ንህዝቢ ኣይሁድ ክስከሙ ይደልዩ። እዚ ግን ሓቅነት ዘይብሉ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ኣብ ውሽጢ ኣይሁዳዊ ዓለም እውን ብዙሓት፣ እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ቓዛን ዝተረፈ ፍልስጤምን ከመይ ከም ዝሰርሕን ሓያላት ተቓወምቲ ድምጽታ ዘስምዑ ተላዒሎም እዮም፣ ይቕጽሉ እውን ኣሎ፣ ሰፋሮ ምስፋሕ፣ ሃገረ ፍልስጤም ንምፍጣር ዘይከኣል ዝገብር እዩ። ናይቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣባይቲ ስድራ ዝሃብዎ ህዝባዊ ምስክርነት ርኢና ኣለና። ጸረ - ሴማውነት ክመሓውን ክጠፍእን ዘለዎ መንሽሮ እዩ። ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት፡ ንኽንርዳእ ዝሕግዙና መምህራን፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኽንፈልጥ ዝሕግዙና የድልዩና። ኣብ ልቢ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዘጋጠመ ህልቂት ክንርስዕ የብልናን፡ እዚ ክፍኣት እዚ ዳግማይ ከይለዓል ድማ ኩሉ ሓይልና ከነወፍይ ይግባእ ። ማዕረ ማዕሪኡ፡ ተግባራት ኢሰብኣውነትን ምጥሓስ ሰብኣዊ ሕግን ፈጺሙ ምኽኑይ ከምዘይከውን ከነረጋግጽ ኣሎና: ዝኾነ ኣይሁዳዊ ኣይሁድ ብምዃኑ ክጥቃዕ ወይ ኣድልዎ ክግበረሉ የብሉን: ከምኡ’ውን ዝኾነ ፍልስጤማዊ ፍልስጤማዊ ብምዃኑ ጥራይ ክጥቃዕ ወይ ኣድልዎ ክግበረሉ የብሉን: ምኽንያቱ ከምቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ዝብሃል “ኣሸበርቲ ክኾኑ ዝኽእሉ” እዮም እናተባህለ ዝንገር። እቲ ሰንሰለት ጽልኢ ዝኾነ ረብሓ ዘየምጽእ ዓንኬል ንምፍጣር ዝተዳለወ እዩ። ካብ ታሪኽ ካብቲ ናይ ቀረባ ታሪኽ እውን ከይተረፈ ክንመሃር ከም ዘይከኣልና ምርኣይ ዘሕዝን እዩ።

ብዛዕባ ዘላቕነት ዘይብሉ ኩነታት ተዛሪብኩም ነቲ ኲናት ከይውዳእ ዝዓግት ብዙሕ ጠለባት ጠቒስካ። እዞም ጠለባት እንታይ እዮም?
እቲ ሰራዊት እስራኤል ንዕጡቓት ሓማስ ንምውጋድ ዘካየዶ ኲናት ፡ ህንጻታትን ኣባይትን ናብ ፍርስራስ ኣብ ዝወረደሉ ከባቢ፡ ነቲ ድሮ ናብ ጫፍ ተደፊኡ ዘሎ ብዓቢኡ ዝኸላኸለሉ ዘይብሉ ህዝቢ ዒላማ ዝገበረ ዕሽሽ ዝብሎ ምዃኑ ርዱእ ይመስል። ሎሚ ቓዛ ከመይ ከም እትመስል ንምርዳእ ዝቐርብ ስእሊ ምርኣይ እኹል እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓይሊ ከምዘይብሉን፡ እተን ብሓቂ ጽልዋ ከሕድራ ዝኽእላ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ህልቂት ደው ንምባል ስጉምቲ ክወስዳ ከምዘይከኣላን ማዕረ ማዕሪኡ ንጹር እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 20 ሓምለ ዝተዛረብዎ ኣዝዩ ንጹር ቃላት ጥራይ እየ ክደግሞ ዝኽእል፡ “ንማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበርን ንሰላማውያን ሰባት ናይ ምክልኻል ግዴታ ከኽብርን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ መቕጻዕቲ ምኽልካል፡ ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃምን ህዝቢ ብግዴታ ምፍንቓልን ደው ክብል ጻውዒተይ የሐድስ።” እዞም ቃላት እዚኣቶም ክሳብ ሕጂ ተቐባልነት ክረኽቡን ክርድኡን ዝጽበዩ ዘለዉ እዮም።

እምበኣርከስ ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ክገብር ይኽእል፧
ብርግጽ ካብቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ኣዝዩ ዝዛይድ። እቲ ዝፍጸም ዘሎ ቅቡል ኣይኮነን ምባልን ድሕሪኡ ክኸውን ምፍቃድ ምቕጻልን እኹል ኣይኮነን ። ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝውዕል ዘሎ ኣጽዋር ምቕራብ ምቕጻል ብዛዕባ ሕጋውነት ንነብስና ብዕቱብ ክንሓታ ይግባእ። እቲ ዘሕዝን ግን ከምቲ ዝረኣናዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝፍጸም ዘሎ መዓት ደው ከብሎ ኣይከኣለን። ነዚ መዓት ደው ንምባል ዝያዳ ክገብሩ ዝኽእሉን ክገብሩ ዝግበኦምን ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ ግን ኣለዉ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ብዙሕ ሕውነታዊ ቅትለታዊ ውግኣት ኣብ ምዕጋት ዝያዳ ኣድማዒ ተራ ዝህበሉ መንገዲ ክንረክብ ኣለና።

ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕን ኲናት ንምቁራጽን ዘቕረቦ ውጥን እንታይ ትብሉ?
ዝኾነ ንህዝቢ ፍልስጤም ኣብ ውሳነታት ብዛዕባ መጻኢኡ ዘጠቓልል ውጥን፡ ነዚ ምሕራድ እዚ ድማ ነቲ ቐጻሊ ግጭት መወዳእታ ንምግባር ዝሕግዝ - ጅሆታት ምፍታሕን መዓልታዊ ቅትለት ኣማኢት ሰባት ደው ምባልን - ብሓጎስ ክቕበልን ክድገፍን ኣለዎ። ቅዱስ ኣቦና እውን ውድባት ነቲ ውጥን ክቕበልዎን ኣብ መወዳእታ ሓቀይና መስርሕ ሰላም ክጅመር ከምዝኽእልን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ እስራኤል ሓዊሱ በርገሳውያን ማሕበራት ኣንጻር ሕግታት ውግእ መንግስቲ እስራኤልን ንሰላም
ዝድግፍን መርገጺታት ብኸመይ ትርእዮ?
እዞም ተበግሶታት እዚኣቶም ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ዓመጽ ውሑዳት ኣኽረርቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ጉጉይ ትርጉም ናይ ምሃብ ሓደጋ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰፍልታት ዘሎ ተሳትፎን ተወፋይነት ብዙሓት መንእሰያትን ብእወታዊ ይምሰጠኒ። ንዘይምግዳስ ከምዘይተፈርድና እዩ ዘርኢ። ነዚ ድሌት ሰላም፡ ነዚ ተወፋይነትን ብዕቱብ ክንወስዶ ኣሎና . . .  መጻኢና፡ ከምኡ’ውን መጻኢ ዓለምና ኣብኡ እዩ ዝምርኮስ።

ገሊኦም፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩል ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ልዕሊ ኩሉ ክንጽሊ ኣሎና፡ ናብ ጎደናታት ክንወጽእ የብልናን ይብሉ፡ ኣብ ኢድ ዓመጽቲ ከይንወድቕ ዝብሉ ኣለዉ...
ዝተጠመቐ ሰብ እየ፡ ኣማኒ፡ ካህን እየ: ንዓይ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀጻሊ ጸሎት - ንሱ ክሕግዘና፡ ክጽንዓና፡ ንጻዕርታት ሰናይ ድሌት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምድጋፍ ነዚ ኩሉ ደው ክብል ጣልቃ ክኣቱ- ኣገዳስን፡ መዓልታውን፡ መሰረታዊ እውን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዕለት 11 ጥቅምቲ ምንቲ ሰላም ጾምን ጸሎትን ክንገብር ዓዲሞምና ኣለዉ። ይኹን እምበር እምነት ክርስትና ስጋ ዝለበሰ ድዩ ኣይኮነን ክዝክር እደሊ። ንሕና ሰዓብቲ እቲ ሰብኣውነትና ብምቕባል ሰብ ዝዀነን ነቲ ኣብ ከባቢና ዚፍጸም ዘሎ ዘይግዱሱን ካባና ዝረሓቐ ክንከውን ከም ዘይንክእል ዝመስከረልና ኣምላኽ ንመስክር። በዚ ምኽንያት እዚ ጸሎት ፈጺሙ እኹል ኣይክኸውንን እዩ፣ እንተዀነ ግን ጭቡጥ ቃል ኪዳን ናይ ሕልና ምንቅስቓስ ናይ ሰላም ተበግሶታት ምስትውዓል እውን ከይተረፈ "ካብ ዓለም ወጻኢ" ንምዃን ዋላ እውን ኣብ ሓደጋ ብምእታው እውን ከይተረፈ ብዋጋ ሓደጋታት ኣይክኸውንን ኢዩ፣ ነዚ ኢሰብኣዊ ኢዶም ዘይህቡ ዝበዝሑ - ብብዙሓት መንእሰያት ዝርከብዎም ብጽሞና ዝዓዩ – ኣለዉ። ንሳቶም እውን ኪጽልዩ ተጸዊዖም እዮም። ከም ክርስትያናት መጠን ዘሎና ግደ ንገዛእ ርእስና ኣብ ቤተ መቕደስ ምዕጻው እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝዓሞቐ ጌጋ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ጸሎት ቃል ተአፋይነትን ምስክርነትን ጭቡጥ ምርጫታትን እውን ይሓትት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ጻውዒት ሰላም ኣብ ምቕራብ ኣይደኽሙን እዮም። ቅድስቲ መንበር ኣብ ከምዚ ኩነታት እንታይ ክትገብር ትኽእል? ንስኹምን መላእ ቤተ ክርስቲያንን እንታይ ኣበርክቶ ክትገብሩ ትኽእሉ?
ቅድስቲ መንበር - ሓድሓደ ግዜ ብጌጋ ዝርድእዋ - ንሰላም ምጽዋዕ፡ ንዘተ ምዕዳም፡ “ምይይጥን ዘተን” ዝብሉ ቃላት ብቐጻሊ ትጥቀመሉ፡ ከምኡ እትብል ድማ ካብ ዓሚቝ ክውንነት ተበጊሳ:  ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ፡ ዓዘቕቲ ጽልእን ርእሰ ምጥፋእ ዓለምን ኣማራጺ እዩ። ነዚ ብሓቂ ከነስምዖ ኣሎና: ግዚኡ ኣዚዩ ከይደንጎየ። ከምኡ ውን ክንዋሳእ ኣለና፣ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣለና . . .

ኣብዚ እዋናዊ መድርኽ ኣፍልጦ ሃገረ ፍልስጤም ንምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ሂባትሉ እያ፣ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፍልስጤምን ብዓውሎማዊ ስምምዕ መሰረት። መቕድም ናይቲ ኣህጉራዊ ስምምዕ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕግን ኩሉ ኣገዳሲ ውሳኔታት ሕቡራት ሃገራትን፡ ጉዳይ ፍልስጥኤም ብኹሉ መዳያቱ ፍትሓዊ፡ ኩለመዳያውን ሰላማውን ፍታሕ ምሉእ ብምሉእ ይድግፍ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ቓዛን ዘጠቓለለ ናጻ፡ ልኡላዊት፡ ደሞክራስያዊትን ክውን ዝኾነት ሃገር ፍልስጤም ትድግፍ። እቲ ስምምዕ እቲ ነዛ ሃገር ከም ኣንጻር ካልኦት ዘይኮነስ ምስ ጎረባብታ ብሰላምን ድሕንነትን ጎኒ ንጎኒ ክትነብር እትኽእል ሃገር እያ ትሓስብ። ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃበን ሕጉሳት ኢና። ንሕና ግን ኣዋጃትን ውሳኔታትን እስራኤል ብኣንጻሩ ይኸዱ ከምዘለዉ ብስክፍታ ነስተብህል ኣሎና- ማለት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክትውለድ እትኽእል ሓቀይና ሃገር ፍልስጤም ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።  ምፍጣር ሃገረ ፍልስጤም ዝብል ፍታሕ፡ ብመንጽር ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ፍጻመታት፡ ሎሚ ዝያዳ ቅኑዕ ይመስል። ቅድስቲ መንበር ካብ መጀመርያ ዝደገፈቶ ክልተ ህዝብታት ኣብ ክልተ ሃገራት ዝብል መንገዲ እዩ። ዕጫ ክልቲኡ ህዝብታትን ክልቲኡ ሃገራትን ዝተወሃሃደ እዩ።

ኣብ ባይታ ዘሎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከመይ ይኸይድ ኣሎ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰበኻ ቅድስቲ ስድራ ቤት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ፣ ስለምንታይከ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም?
ክርስትያን ቓዛ እውን ከምቲ ዝረኣናዮ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ኣትዮም ዘለዉ . . .  ብዛዕባ እዞም ኣብ ገዛእ መሬትን ኪጸንሑ ቘራጽነት ዝገበሩን ምእንቲ ሰላምን ግዳያትን መዓልታዊ ዚጽልዩ ሰባት ክሓስብ እደሊ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘይተረጋገአ ኩነታት እዩ ዘሎ። ሳላ ንጥፈታት ኣብ ኢየሩሳሌ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክን ብካሪስታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤትን  ብኹሉ መዳይ ክንድግፎም ንጽዕር። መንግስታትን ኩለን እተን ሓገዝ ንምሃብን ብኸቢድ ዝተጎድኡ ሰባት ክንክን ንምቕራብ ቃል ዝኣተዉ ትካላትን ነመስግን። ተራ ክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዋላ እውን ቁጽሮም እናነከየ ይኸይድ እንተሎ መሰረታዊ ዝነበረ ኮይኑ፣ ይቕጽል እውን ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ናይቲ ዝሳቐ ዘሎ ፍልስጥኤማዊ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሳተፉ ከስምረሉ እፈቱ፣ ስቓዩ ድማ ዝካፈሉ ኣካሉ እያቶም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

07 Oct 2025, 17:45