ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ዩክሬን ሰላም ንኽህሉ ኣበርክቶ ኩሉ የድሊ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 28 ጥቅምቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ፡ እቲ ቤት ሕክምና ዝለዓለ ትካል ስነ ምርምርን ክንክን ጥዕና (IRCCS) ዝብል ኣፍልጦ ዝረኸበሉ መበል 40 ዓመት ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ጎኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ንግርጭታት ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብዚ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቻይናን ምብራቕ እስያን ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዩክሬን “ናብ ሰላም ዝወስድ ውሑዳት ስጉምትታት ንምውሳድ ኣበርክቶ ኩሉ ሰብ ብሓቂ የድሊ - ቢሎም - ካብ ኣሜሪካ፡ ክሳብ ኤውሮጳ - ዝኸይድ "ዝያዳ ጎሊሑ ዝረአ ተራ" ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ግርጭታት ንምውጋድ ዝግበር ሓባራዊ ጻዕሪ
ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝምልከት ካርዲናል ፓሮሊን ጥንቃቐ ክግበር ግን ከኣ ተስፋ ክህሉ ጸዊዒት ኣቕሪቦም: ብዛዕባ እቲ ኣገዳስነት ናይ ዕርቂ ስጕምትታት ዝገልጽ ሕቶታት "ምምላስ ቀሊል ኣይኰነን፡ እንታይ ዓይነት ስጒምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ እንተንፈልጥ ድሮ ምተወስደ፡ ብግሆዶ ዝንገር እውን ኣይኹን ዘተ ይካየድ ከም ዘሎ እኣምን፡ እዚ ዘተ እዚ ፍረ ከምጽእ ተስፋ እገብር፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቦም፡ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሰፊሕ ተወፋይነት ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ "ተሳትፎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብርግጽ ኣድላዪ ኢዩ። ኤውሮጳ ድማ ዝያዳ ጕሉሕ ግደ ኽትጻወት ተስፋ ንገብር። ቻይና እውን እትብሎ ነገር ኣለዋ - ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነዚ ነጥቢ እዚ ንምፍታሕ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቻይናን ርሑቕ ምብራቕን ክሌኣዊ ርክባት የካይድ ኣሎ። ናብ ሰላም ንምብጻሕ ሒደት ስጕምትታት ንምውሳድ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣበርክቶ ኣድላዪ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ምስ መራሔ መግንስቲ ኦርባን ዝተኻየደ ርክብ
ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ’ቲ እቲ ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ምስ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንግስቲ ቪክቶር ኦርባን ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ምስ ተሓተቱ፡ እቲ ዘካየድዎ ርክብ “ሰናይ - ርክብ” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ነፍሲ ወከፍ ወገን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ዝገለጸሉ ርክብ” ምንባሩ ሓቢሮም፡ እቲ ክሌኣዊ ኣረኣእያ ዝተረሓሓቐ ድዩ ነይሩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ እቲ ዘሎ ዝተረሓሓቐ ኣረኣእያታት ንምቅርራብ ንጽዕር ኣሎና” እንክብሉ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሰብኣዊ ተወፋይነት
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ ክንክን ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኢጣሊያን ኣብ ክንክን ጥዕና ኣብነት “ብሉጽነት” እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ "እዚ ኣገዳሲ ህሞት'ዩ፡ ህላወን ተራን ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካውን ሃገራውን ክንክን ጥዕና ዘጒልሕ እዩ - ምስ በሉ - ካብ ፍልስጤም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ካልኦት ብግጭት ዝተሃስያ ሃገራት እውን ህጻናት ተቐቢሉ ዘድሊ ክንክን ጥዕና ኣብ ምሃብ ዘካይዶ ዘሎ ሰብኣዊ ተግባራት እቲ ቤት ምክምና ዘኪሮም፣ “ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ዓቢ ሰብኣዊ ተግባራት ዝፍጽም እዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፣ “ኣብዚ ግንባር ተወፋይነት ኣሎና፣ ሰብኣዊ ጻዕርታት’ውን - ኣብ ምሕብሓብ ግዳያት ኲናት ይኹን ኣብ ምልውዋጥ እሱራት ዝግበር ጻዕርታት - ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ኣብ ምኽፋት ስጒምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚንና ነሳልጦ እዩ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ዓውዲ “ዓሚቝ ተወፋይነት” ከምዘለዋ እዩ ዝስምዓኒ፣ “እዚ ድማ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ዝንቀሳቐሰሉ ባህላዊ መዳይ” ምዃኑ ኣብሪሆም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።