ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምሉእ ኣኼባ ምክልኻል የሰጉም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዝግበር ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ንምስጓም ዘተኮረ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዘተን ውጥናዊ ፍጻሜታትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ንምስትንታን ኣሚቱ ዘካየዶ ሓፍሻዊ ምሉእ ጉባኤ ከም ዝዛዘመን፣ እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 29 መስከረም ክሳብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን፡ ክኢላታትን ወከልቲ ዞባታትን ኣሳቲፉ ከም እተኻየደን፡ ከምቲ ኣብ Praedicate Evangelium ወንጌለ ስብኩ ኣብ ዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም ተገሊጹ ዘሎ ዕማም ናይቲ ጳጳሳዊ ስሽማግለ ንምስጓም ዝኣመተን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እዚ ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተመዙ ሊቀ ጳጳሳት ቲቦል ቨርኒ መሪሕነት ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ምሉእ ጉባኤ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ባይቶ ብመርሕነት ሓድሽ ኣቦ መንበር
ሊቀ ጳጳሳት ቨርኒ ኣብ ናይቲ ጉባኤ መኸፍቲ መደረኦም መንነትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ዘይነጻጸል ምዃኑ ንምሕላው ዳግማይ ቃል ኪዳን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣርባዕተ ስነ ሜላዊ ዕላማታት ኣስፊሮም፡ ኵላዊ ባህሊ ምክልኻል ምዕባይ፡ ብመንገዲ ኵላዊ መምርሒታት ማዕቀፍ (UGF) ናይ ሓባር ቋንቋ ምምዕባል፡ ብዓመታዊ ጸብጻብ ኣቢሉ ዞባዊ መርበባት ምሕያል፡ ከምኡ’ውን ምስ በርገሳዊ ትካላት ዘተ ምዕሟቕ ዝብሉ ምዃኖም ሓቢሮም። ዝተገብረ ምዕባለታትን ዝቕጽል ዘሎ ስርዓታዊ ክፍተታትን ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ግዳያትን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑን ምስማዕ፡ ግሉጽነት ምድንፋዕን ተሓታትነት ዘለዎ መሓውራት ምህናጽን እንክብሉ ኣጉሊሖም፣ ንኣባላት እቲ ሽማግለ "ብትብዓትን ብርሕራሐን" ስጕምቲ ኺወስዱ ኣተባብዖም፣ እዚ ኸኣ ኣብ ዓውዲ ዕቝባ ዘይተፈትሐ ብድሆታት ህጹጽነት ከም ዘለዎን ብሓፈሻ ስነ - ምግባራዊ ንጹርነትን ጉስነታዊ ሓልዮትን ቤተ- ክርስትያን ከም ዚጠልብ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኵላዊ መምርሒታት ማዕቀፍ ኣብ ናይ መወዳእታ ረቂቕ
ቀንዲ ትኹረት ናይቲ ምሉእ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ኣርባዕተ ኣህጉራት - ኣብ ዚምባብወ፡ ቶንጋ፡ ፖላንድን ኮስታሪካን - ኣብ ፈተነ ውጥናት ዝተገብረን ብሲኖዳዊ መስርሕ ምስማዕ ዝሃብተመን ኣድማሳዊ መምርሒታት ከም ዝነበረን፣ ኣባላት ነቲ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ናይቲ ማዕቀፍ ገምጊሞም፣ እዚ ድማ ስነ - መለኮታውን ቀኖናውን ርድኢታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ሕጂ እቲ ጽሑፍ ናብ ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ምቕራቡ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን - ሮማዊ ኩርያ ንኽዘተየሉ ናብ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጉዳያት ዘተ ክቐርብዎ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ ዝደሓኑ ግዳያት ተሳትፎ
እቲ ሽማግለ ጽኑዕ ብዝኾኑ ውዕላት ብምቛም ንዝደሓኑ ግዳያትን ጽምጺ ንምምእካብ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ብምርግጋጽ፣ ኣብ “ናብ ፍትሓዊ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ካሕሳን ትካላዊ ጽገናን ከም ኣገደስቲ ባእታታት ፈውሲ ዘጉልሕ ማዕቀፍ እዩ።
ግዳያትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ንስራሕ እቲ ሽማግለ ን ኣብ ምቕራጽ መሰረታዊ ተራ ከም ዘለዎን፡ ብፍላይ ኣብቲ ዝመጽእ ካልኣይ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ እዚ ድማ ኣበርክቶኦምን ኣረኣእያኦምን ዘጉልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ካልኣይ ዓመታዊ ጸብጻብ፥ ኣብ ካሕሳ ዘተኮረ
ካልኣይ ዓመታዊ ጸብጻብ እቲ ሽማግለ ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን መምርሕታትን ኣገባባትን ምክልኻል (ዓመታዊ ጸብጻብ፡ 2024) ንዕለት 16 ጥቅምቲ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ክዝርጋሕ ከም ዝኾነን። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ናብ ፍትሒ ምልዋጥ ዝገበሮ ዳህሳስ ብምቕጻል፡ ኣብ ካሕሳታት ዘተኮረ፡ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዝድግፉ ሓደስቲ ናይ ደገ ምንጪ ጭብጥታት ዘተኣታቱ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ምሉእ ኣኼባ ንመጋበርያ ዕዮ ገምጊሙ ንሳልሳይ ዓመታዊ ጸብጻብ (ዓመታው9 ጸብጻብ፡ 2025)፡ እዚ ድማ ናብ ሲኖዳዊ ምዕራፍ ዘተን ተወሳኺ ምእካብ መረዳእታን ክሰጋገር ምዃኑ ኣፍሊጡ።