ሊቀጳጳሳት ጋላገር፣ ንመበል 50 ዓመት ዝምድና ምስ ቅድስቲ መንበር ንምዝካር ኣብ ሃገረ ስሪ ላንካ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ዕለት 3-8 ሕዳር ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መንበር፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር መበል 50 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክባት ሃገረ ሲሪ ላንካ ምስ ቅድስቲ መንበር ንምዝካር ናብታ ሃገር ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ።
እቲ ምብጻሕ ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ክለተ ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ ሰላምን ምትሕብባርን ንምድልዳል ዝግበር ጻዕሪ እውን ዘመልክት ኢዩ። ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ነቲ ኣብ 2019 ብዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ኣብ ሰንበት ትንሳኤ እተጐድአ ቦታታት ንምርኣይ እውን ዑደት ከካየዱ ኢዮም።
ጻዕቂ ስራሕ ዘለዎ ሰሙን
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዝሓልፈ ሰኑይ ናብታ ሃገር ምስ በጽሑ፣ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሩን ሄማቻንድራ ከም እተቐበሎም ውን ጸብጻባት ይሕበሩ።
ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤክስ፣ ጸሓፊ ርክባር ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መበር ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፣ ትማሊ ሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃሪኒ ኣማራሱሪያ ከም እተራኸቡ ውን ይሕበር። ሎሚ ዕለት 4 ሕዳር እቲ መደባቶም ምስ ፕረዚደንት ኣኑራ ኩማራ ዲሳናያኬንን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቪጂታ ሄራትን ዝግበር ርክባት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዪ።
ሎም ብፁዕነቶም ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገረ ስሪ ላንካን ቅድስቲ መንበርን ብ6 መስከረም 1975 እተመስረተ መበል 50 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንምዝካር ብዛዕባ ኣረኣእያን ቈራጽነትን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዚግበር ዋዕላ ውን ኺሳተፉ ኢዮም።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዝገብርዎ ምብጻሕ፣ ናብቲ ልዕሊ 250 ሰባት ዝቐተለ ናይ 2019 ሰንበት ትንሳኤ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ምብጻሕ ክቕጽሉ ኢዮም። ኣብ ኮሎምቦ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ሉቺያ ድማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስጋና ከብዕርጉ ኢዮም፣ ምስ ኣባላት ጉባኤ ኤጲስቆጶስ ስሪ ላንካ ድማ ክራኸብ ከም መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ኣብ ዕለት 6 ሕዳር ድማ ምስ ሃይማኖታውያን ሰበ-ስልጣን ማልዋታን ምስ ሃይማኖታውያን ሰበ-ስልጣን ኣስጊርያን ኣብ ካንዲ ኣኼባታት ከካየዱ ኢዮም። ብድሕርዚ ናብቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ቡድሃውያን ኺበጽሑ ኢዮም።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ናብ ስሪ ላንካ ዝገብርዎ ምብጻሕ ንምዝዛም ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምስ ተመሃሮን ሰሚናራትን ሊቃውንትን ኣብ ሃገራዊ ሰሚናር እኖና ድንግል ማርያም ላንካ ክራኸቡ ኢዩም።