ድለ

Parolin alla Camera, 'istituzioni siano a servizio bene comune' Parolin alla Camera, 'istituzioni siano a servizio bene comune'  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፣ “ኣብ ዘመነ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንቘልዑን ህጻናትን ተኸላኸሉ!”

ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ናብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ እተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሰብ ዝሰርሖ ዓይነት ህይወት ንሰብኣዊ ክብሪ ዘየኽብር እንተ ዀይኑ፣ ወድሰብ "ናይ ገዛእ ርእሱ ጽንተት" ከም ዘጋጥሞ ኣጠንቀቑ፣ ንተክኖሎጂ ናብ ሓቀይና ሰብኣዊ ምዕባለ ንምምራሕ ድማ ኣብ መንጎ ሥነ-ፍልጠትን ብዙሕ ባህላዊ ምትሕብባር ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቶም ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ "ክብሪ ቈልዑን ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት" ናብ ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ዋዕላ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መልእኽቶም፣ ደቂ ሰብ ንሰብኣዊ ክብሪ ዘየኽብር ሰብ ዝሰርሖ ዓይነት ህይወት ብምፍጣር "ናይ ገዛእ ርእሶም ጽንተት" ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቀቑ፣ ብፁዕነቶም ወሲኾም "ኣብ ምትሕንፋጽ ስነ-ፍልጠትን ብዙሕ ባህልታትን ጻዕርታት" ክግበር ውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ኣብ ድርኵዂት ሓድሽ መዋእል ደው ኢልና ዲና ዘለና? ወይስ ደቅሰብ ውዒሉ ሓዲሩ ሰብ ዝሰርሖ ዓይነት ህይወት ብምእትታው ናይ ገዛእ ርእሶም ጽንተት ኬምጽኡ ድዮም? እዚ ንሰብኣዊ ኽብሪ ኣፍልጦ ዘይህበሉ ተራ ምምስሳል ድዪ?" ክብሉ ውን ይሓቱ፣ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ እተሳተፉ ኣካላት ድማ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ፣ ሕጋዊ፣ ማሕበራውን ስነ-ሰብኣውን ሳዕቤናት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከስተንትኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

እቲ ሊቃውንቲ ኣካላት ሥነ ትምህርቲ፡ ሥነ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ዓለምን፣ ከምኡ ውን ሰበ ስልጣን እተሳተፍዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ብናይ ሃገረ ኢጣልያ መስመር ረድኤት ቈልዑን ህጻናትን፡ ትካል መስመር ተሌፎን ኣዙሮን  ከምኡውን ማሕበር ምወላ ንመጽናዕትን ዳህሳስን ንህጻናትን መንእሰያትን እተወደበ ዋዕላ ኢዩ ዝንበረ።

ስነ-ምግባራውን ሞራላውን ጕዳያት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፣ እቲ ናይዚ ዋዕላ ርእሰ ነገር ዝለዎ ኣገዳስነት ገሊጾም፣ ከመይሲ "ሓደ ኻብቲ ንሎሚን ንመጻእን ደቂ ሰባትን ዘጋጥሞም ዝዓበየ ብድሆታት" ንምዕቋብ ክብሪ ቈልዑን ህጻናትን ዝትንክፍ ኢዩ ክብሉ ውን ኣተሓሳሰቡ።

ነቲ ሥነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን ዘቕርቦ "ኣጋጣሚታት" ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ፣ እዚ ንናጽነትን ሓላፍነትን ደቂ ሰብ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ክብሉ ገለጹ። ይኹን እምበር እዚ ቕልጡፍ ምዕባለታት እዚ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ህላወን ስነ-ምግባራውን ሕቶታት" ከም ዘለዓዕል ውን ገለጹ።

ናብ ሰብኣውን መንፈሳውን ምዕባለ

በዚ ምኽንያት እዚ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን "ንረብሓ ደቅሰብን ሰብኣዊ ማሕበረሰብን፣ ንተፈጥሮ ውን ብሓፈሻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መዋእል ዘሎ ኣጋጣሚታትን ሓደጋታትን ምግምጋም" ከም ዘድሊ ኣተባብዑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሞመያ "ኣብ ፖለቲካ፡ ሕግታት፡ ዓውዲ ትምህርቲ ከምኡውን ንድፊ ማሕበራዊ ደገፍን ጽላታት ኣገልግሎትን ጭቡጥ ስጕምቲ ንምውሳድን፣ ኣብ ግቡእ መደምደምታ ንምብጻሕ እውን ጠቓሚ ኢዩ" ክብሉ መስከሩ።

ኣስዕብ ኣቢሎምውን "እዚ ዅሉ ክብጻሕ ዚኽእል ንሕልኽላኻት እቲ ጕዳይ ኰነ፣ ንእተፈላለየ ሰብኣዊ ክውንነት ፍትሓውያን እንተ ዄንና ጥራይ እዩ" ውን በሉ።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም፣ ኣብ 2017 ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጎርያን ኣብ እተገብረ ዓለምለኻዊ ዋዕላ፣ ክብሪ ቈልዑ ኣብዚ ምዕቡል ዓለም ኣመልኪቶም ካብ ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፣ "ኣብ ተክኖሎጂ ደረት ንምግባርን ንምምራሕን ዘድሊ ናጽነት ኣሎና፣ በዚ ከምዚ ንሓድሽ ዓይነት ምዕባለታት ኸነገልግሎት ካልእ ምዕባሌታት ከነውዕሎ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ዝያዳ ጥዑይን ሰብኣውን፣ ዝያዳ ማሕበራውን ዝያዳ ምኡሉን ንምግባሩ እዩ" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

13 Nov 2025, 09:37