ድለ

ልዕሊ 10 ሽሕ ነጋድያን ኣብ ሮማ ንኢዮቤል ናይ ስራሕ ዓለም ልዕሊ 10 ሽሕ ነጋድያን ኣብ ሮማ ንኢዮቤል ናይ ስራሕ ዓለም  (Vatican Media)

ልዕሊ 10 ሽሕ ነጋድያን ኣብ ሮማ ንኢዮቤል ናይ ስራሕ ዓለም

ካብ ማሕበራትን ፈደራላውያን ማሕበራትን ሰራሕተይናታትን ወለንተይናታትን ዝተዋጽኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 8 ሕዳር ንናይ ስራሕ ዓለም ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ከተማ ሮማ ክኣትዉን ዕለት 8 ሕዳር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቕርብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ክሳተፉን ብቅዱስ ኣፍደገ ክሓልፉን እዮም።

ስምዖን ተ.  ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ብሰንኪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተናወሐ መደብ መዓልቲ ኢዮቤል ንናይ ስራሕ ዓለም፡ ናብ ዕለት 8 ሕዳር ከም እተመሓላለፈ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ መደብ እዚ - ንኹለን ማሕበራትን ፈደራላውያንን ናይ ስራሕ ዓለምን ወለንተይናታትን ዝውክሉ ኣስታት 10 ሽሕ ነጋዲያን ክሳተፉ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ንናይ ስራሕ ዓለም ዝሳተፉ ዕለት 8 ሕዳር ሰዓት 09 30 ናይ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝልግስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ክሓብሩን ድሕሪኡ ድማ ብቅዱስ ኣፍ ደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምሕላፍ ስነ ስርዓት ክፍጽሙ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 6 ሕዳር ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ቍጠባን ሸቃሎን ኣብ መዓልቲ ኢዮቤል ንናይ ስራሕ ዓለም ዝነግዱ ሰራሕተይናታትን ወለንተይናታትን ማሕበራት ወከልቲ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ሕዳር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለግስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ክሳተፉ ዕድል ምርካቦም ኣመስጊኖም፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ንናይ ስራሕ ዓለም በረኸት እዩ እንክብሉ  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

07 Nov 2025, 15:35