ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ልኡኽ ስኒት፡ ዘተን ሰላምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ' ካርዲናል ፓሮሊን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ልኡኽ ስኒት፡ ዘተን ሰላምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ' 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ልኡኽ ስኒት፡ ዘተን ሰላምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቱርክን ሊባኖስን ክበጽሑ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፡ እቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንኤቍመናውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዘተ፡ ከምኡ’ውን ከም ምልክት ተስፋን ሰላምን ዘለዎ ተራ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እምነት ንምድልዳልን መልእኽቲ ክርስቶስ ንምክፋልን ናብ ማእከላይ ምብራቕ - ቱርክን ሊባኖስ ዕለት 27 ሕዳር ክነቕሉ እዮም፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ካቶሊካውያንን ካልኦት ከባብያዊ ማሕበረሰባትን ኣብቲ ብኲናት ዝሳቐ ዞባታት ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። እቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኣብ ስቓይ እኳ እንተሃለወ፡ ዘተን እንግዶትን ሰላምን ዝፈጥር መንገዲ ክሃንጹ ክኢሎም እዮም። ቅዱስነቶም ናይቲ ዘካይድዎ ክልተ ሓዋርያዊ ዑደት —“ ሓደ ጎይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት” ከምኡ’ውን “ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም” — ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘለዎ ኮይኑ እዚ ናይቲ ጉዕዞ መንፈሳዊ ጭርሖ ተስፋን ሓድነትን ሕውነትን ዘጉልሑ እዩ። ዑደት ቱርኪ እቲ ኣብ ኒቅያ ዝተኻየደ መበል 1700 ዓመት ዘኽብር ቀዳማይ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ዘማእከለ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ሊባኖስ ዑደት ከኣ ኣብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ልዕሊ 200 ሰባት ዝቐተለ፡ 7 ሽሕ ድማ ዘቑሰለ ኣብ ወደብ ቤሩት ዘጋጠመ ፍንጀራ - ምኽንያት ኣብ ናይ ጽሞና ጸሎት ዘማእከለ ክኸውን እዩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነዚ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ዑደታት ኣማኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ክርስትያን ተስፋ፣ ሰላምን ዝተሓደሰ ተበግሶን ዘምጽእ ምዃኑ የስተብህሉ።

ሕቶ፡- እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዩ። ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገብርዎ ናይ ጉስነት ምብጻሕ ከመይ ይዳሎ ኣሎ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በትሪ ነጋዲ ሒዞም ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ድሕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ኣሰር ይስዕቡ። እዚ ኣዝዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዕዞ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት እውን ኣሎኒ፣ ናይ መጀመርታ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብምዃኑ እውን።

ምስቶም ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘለዉ ማሕበረሰባት ክርስትያን ክራኸቡን ብእምነትን ኣብ እምነትን ከጽንዑን - እዚ ድማ ናይ ተካኢ ጴጥሮስ ተልእኾ እዩ - ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ምስ ህዝብታትን ሰበስልጣንን በርገሳውያን ማሕበረሰባትን ክራኸቡን ከም ልኡኽ ሰላምን ስኒትን ዘተን ድማ የገልግሉ። ሓጐስ ክህሉ እዩ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ዝተዋህቦም ዕማማት ኣብ ምፍጻም ናይ ሓላፍነት ስምዒት ክህሉ’ዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ።

ሕቶ፡- መበል 1700 ዓመት ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ፡ ናይ ቱርኪ ሓዋርያዊ ዑደት ሕመረት እዩ። እዚ ዝኽሪ ሎሚ ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ትርጉም ኣለዎ፣ ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትከ እንታይ እዩ ዘመልክት?

ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኽሪ እዩ፡ ብልክዕ ኣገዳስነቱ ንምጉላሕ ምድላዋት ካብ ዝጅመር ነዊሕ እዋን ኣቑጺሩ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምህላዎም ንባዕሉ ኣገዳስነት ናይቲ ዝኽሪ ዘጉልሕ እዩ። ጉባኤ ኒቅያ-ቅድሚ 1,700 ዓመት - መሰረታት እምነትና ኣንቢሩ: ኢየሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ መለኮታውን ምሉእ ሰብኣውን ምዃኑ ምእማን፡ ክርስቶስ ሓቀይና ኣምላኽን ሓቀይና ሰብን እዩ። እዚ መሰረት ኩሉ ክርስትያናዊ እምነት እዩ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎና ዘሎ ብዙሕ ምፍልላይ እኳ እንተሃለወ። ኩሎም ክርስቲያን ኣብ መለኮታውነትን ሰብኣውነትን ክርስቶስ ይኣምኑ፤ እምነ ኩርናዕ እምነትና እዩ። ድሒሩ ብጉባኤ ቁስጥንጥንያ (381) ብፍላይ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብዝምልከት ዝያዳ ይምዕብል። እዛ መሬት እዚኣ ናይ ክርስትና ኣናስር ዝነበረት፡ ቀዳሞት ማሕበረሰባት ዝተወለዱላ፡ ሓዋርያዊ መልእኽትታት - ከም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ - ናብኦም ዝተላእከላን፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሞት ሸውዓተ ጉባኤታት ዝተኻየደላን ምዃና እውን ከነስተብህል ይግባእ። ንኽልቲኡ እቲ ኣብ ሕመረት ክርስትያናዊ እምነት ዝርከብ ስነ ክርስቶሳዊ ትኹረትን ነቲ ኣብ የሱስ፡ ሓቀይና ኣምላኽን ሓቀይና ሰብን ሓደ ዓይነት እምነት ንኽንኣምን ዘራኽበና ኤቁመናዊ ሸነኽን የጉልሕ።

ሕቶ፡- ኣብ ቱርኪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሰማያዊ መስጊድ እውን ክበጽሑ እዮም። ኣብዚ ብጸንፈይናውነት ኣዝዩ ዝተለለየ እዋን፡ እዚ መገሻ እዚ ንሕውነትን ዘተን ንምሕያል ክሕግዝ ይኽእል ድዩ፡ ከምኡ’ውን ስም ኣምላኽ ንኽቐትል ወይ ንኽመቓቐል ፈጺሙ ክስየም ከምዘይብሉ ደጊሙ ከረጋግጽ ይኽእል ድዩ?

እወ ብርግጽ። እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ እውን ዘጠቓልል ኤቍመናዊ ሸነኽ ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መበል 60 ዓመት Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ውሳነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣይሁድን ዘሎ ፍሉይ ምትእስሳር ጥራይ ዘይኮነስ ክርስትያንን ኣስላምን እንታይ ከም ዝካፈሉ ዘጉልሕ እውን እዩ። እዚ ምልክት ዘተ፣ ምልክት ምክብባር ሃይማኖታት፣ ክርስትያንን ኣስላምን ንዝበለጸ ፍትሓዊ፣ ዝያዳ ምድግጋፍ ዝንበረሉ ሕውነታውን ዓለም ንምርግጋጽ ክተሓባበሩ ከምዝኽእሉ ዘርኢ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ቅርዓት ኮለስየም ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር መደብ ጸሎት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቶም ዝጽልዩ ፈጺሞም ንጸንፈይናነት ኢዶም ከይህቡ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዘኪሮም። ስለዚ እዚ ንጸንፈይናነት ምንጻግ ከምኡውን ንሓባራዊ ጕዳያት ምትሕብባር ንምድልዳል ዝቐረበ ጻውዒት እዩ።

ሕቶ፡- ሊባኖስ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዙሕ ግዜ ገዛእ ርእሳ ዳግማይ ዝሃነጸት ናይ ውህደት ሃገር እያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዝቢ እታ ሃገር እንታይ መልእኽቲ ከብሑ እዮም?

ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ፡ ምኽንያቱ ሊባኖስ ተስፋ የድልያ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝጸለዋ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ገለ ምዕባለታት ኣመዝጊባ ኣላ።

ሕጂ፡ ርእሰ ብሔር ኣለዋ፡ መንግስቲ፡ ጽገናታት ይካየድ ኣሎ። ብዙሕ ጸገማትን ምድንጓያትን ዕንቅፋታትን ግን ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ትጽቢት እቲ ህዝቢ ከዝሕሎ ወይ ክህውኽ ዝኽእል እዩ። መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ቀጽሉ፣ ትብዓት ይሃልኹም፣ በቲ ዝጀመርኩሞ መንገዲ ስጒሙ” ዝብል ናይ ምትብባዕ መልእኽቲ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ እዩ። ቅድስቲ መንበር ወትሩ ንሊባኖስ ኣቃልቦ ኣለዋ - ብዙሕ ግዜ ‘ካብ ሃገር ንላዕሊ መልእኽቲ እያ’ ኢላ እውን ትገልጻ።፡ ማለት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ብሄራትን ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባር ዝተረጋገጸላ ብምዃና፣ እዚ ድማ ክቕጽል ኣለዎ። ቅድስቲ መንበር ወትሩ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ጎድና ደው ትብል፣ ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዕሊ ኩሉ ነዚ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝዓለመ ምዃኑ እኣምን።

ሕቶ፡- ጳውሎስ ሻድሻይ ቀዳማይ መገሻታት ስዒቡን ድሕሪ 61 ዓመት ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቅድስቲ መሬት ዘካየድዎ ምብጻሕን ካልኦት ብዙሕ ጳጳሳዊ ጉዕዞታት ኣቐዲምኩም ጠቒስኩምዎ ነርኩም ኣገዳስነት ሓዋርያዊ ጉዕዞታት እንታይ እዩ?

ካብ ጳውሎስ ሻድሻይ ጀሚሩ ጳጳሳዊ ጉዕዞታት ከም ዘመናዊ መጋበርያ ኣገልግሎት ይረአ። ኣካል ናይቲ ኢየሱስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ተልእኾ ዘቐጽል: ማለት ንኣሕዋት ኣብ እምነት ንምጽናዕን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንምግልጋልን እዩ። ኣብ ታሪኽ ነዚ ንምግባር ብዙሕ መገድታት እኳ እንተነበረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን መገሻ ብፍላይ ምቹእ ኣገባብ ምዃኑ ኣስተውዒሎምዎ እዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ካብ ገዛእ ርእሳ ንእትወጽእ ቤተ-ክርስትያን "ዝውክል" እዩ። ቤተክርስትያን ሰባት ናብ ሮማ ክሳዕ ዚመጹ ኣይትጽበን እያ የግዳስ ምስ ኵሎም ህዝብታትን ባህልታትን ክውንነታትን ክትራኸብ ትወጽእ። ብጀካ ፍሉይ ትሕዝቶ ነፍሲ ወከፍ ጕዕዞታት እዚ ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት ኣለዎ እቲ ኵላዊ ጓሳ ንቤተ - ክርስትያን ንዅላቶም ህልውቲ ይገብር።

ሕቶ፡- እዚ ናብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብኲናት፡ ምፍልላይ፡ ቅልውላዋትን ስደትን ዝተለለዩ ዞባታት ዝጥምት ጉዕዞ እዩ። ክርስትያን ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይኽእሉ፧

ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን ባህላውን ፖለቲካውን ህይወት ዓብዪ ኣበርክቶ ብምግባር ወትሩ ናይቲ ከባቢ መሰረታዊ ህላወ ኢዮም ነይሮም። ነዚ ዓብይ ግድ እዚ ክቕጽልዎ ኢዮም ዝደልዩ። ኣብ መወዳእትኡ እዚ ሚዛናውነት ዘለዎ ግደ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ወገናት ዘተ ንምቅልጣፍን ርክብ ንምድንፋዕን ዝሕግዝ ይመስለኒ። ሎሚ ዘሎ ጸገም ብዝሒ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ክስቲያን ብቐጻሊ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንቅድስቲ መንበር ኣዝዩ ዘተሓሳስባ ጕዳይ እዩ። ክርስትያም ኣብቲ ዞባ ክጸንሑን ኣብቲ ዝነብሩሉ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ክገብሩን ተስፋ ንገብር - ቢሎም - ማሕበረሰብ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ዜጋታት እዘን ሃገራትን ዘይንጸል ኣባላት ሕብረሰብ እዮም፣ ግደኦም ኪፍጽሙን ኣበርክቶ ኺገብሩን ድማ ኪኽእሉ ኣለዎም ይብሉ።

ሕቶ፡- ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣህጉራዊ ጕዳያት ዘለዋ ፍሉይ ግደ ብተደጋጋሚ ኣጕሊሕኩም ኢኹም። ብኣረኣእያ እምነትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቱርክን ሊባኖስን ዝገበርዎ ምብጻሕ እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ?

ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዕዞታት ልክዕ ከም ብዙሓት ተበግሶታት ቅድስቲ መንበር ምስ ዘርኢ ኺመሳሰል ከም ዚኽእል ኣቐዲመ ተዛሪበ ነይረ። ኣምላኽ ነቲ ፍረ ዚዓጽደሉን ግዜን ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር ብፍላይ ኣብ እተፈላለየ ጸገማት ዝመልኦ ዓለምለኻዊ ዅነታት ቅድስቲ መንበር ኣብ ክንዲ ግጭት ናይ ምርኻብ ባህሊ ትእውጅን ተተባብዕን። ብኻልእ ኣዘራርባ ካብ ተጻብኦነት ሓሊፍካ ንረብሓ ሕብረተሰብን ንሰብኣዊ ስድራ ቤትን ዚዓዪ ሓባራዊ ቦታታት ምርካብ ተተባብዕን ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ሕብረተሰብ ትሃንጽ።

ቤተክርስትያን ነዚ መሰረታዊ ናይ ወንጌል ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ምስባኽ ትቕጽል። እዚ ግደኣ እዩ ኢለ እኣምን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ብተደጋጋሚ ህዝብታት ንሓድሕዶም ዝረዳድኡሉ ብሰላምን ስኒትን ዝነብሩሉ ከምኡውን ሰብኣዊ ስድራቤት ብሓባር ዝሃንጹሉ ሓድሽ ክውንነት ክመጽእ እዩ ዝብል ዘካፍልዎ ተስፋ ዘበራብር እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

26 Nov 2025, 15:39