ድለ

2025.11.28 Viaggio ሓይሊ ንኡሳን 2025.11.28 Viaggio ሓይሊ ንኡሳን  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ሓይሊ ንኡሳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢስጣምቡል ንክርስትያን ቱርኪ ንኽበጽሑ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ ዑደት ኣማእኪሉ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቱርኪ ዘሎ ውሑድ ማሕበረሰብ ክርስቲያን የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኢስታንቡል ምስ "ንእሽቶ መጓሰ" ቱርካውያን ካቶሊካውያን ኣብ ካቴድራል ዘመንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን፡ ነቲ ክውንነት ህላወ ክርስቲያን ኣብዛ ምድሪ ዝማርኽ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ክቡር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ኣብ ሓደ እዋን ክቡር ሕሉፍ ታሪኽ ዝነበራ ሕጂ ግን ብቑጽሪ ንእሽቶ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ወንጌላዊ ኣረኣእያ ክሕዙ ዓዲሞም፡ እቲ ውሑዳት ምዃኖም “ናብ ማእከልና ንኽመጽ ትሕት ቢሉ ናይ ንኡስነት መገዲ ብዝመረጸ ኣምላኽ” ክጥምትዎ ተላብዮም፡ ትሕትና ናይታ ኣብ ናዝሬት ዝነበረት ንእሽቶ ገዛ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል "እነኹልካ ከም ፍቓድካ" ዝበለትሉ፡ ንኣምላኽ ሰብ ክኸውን ምፍቃድ፤ እቲ ኩሉ ዝኽእል ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓልዮት ኣቦን ኣደን ዝተመርኮሰ ሓድሽ ዝተወልደ ቆልዓ ኣብ ቤተልሄም ዝነበረ መብልዕ ማል፤ ማሕበራዊ ሕይወት ኢየሱስ፡ ካብ መንጽር ናይቲ ዓቢ ታሪኽ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ርሑቕ ጫፍ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ ዞባ ኻብ ቍሸት ናብ ቍሸት ኣብ ምስባኽ ኣሕለፎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መንግስቲ ኣምላኽ "ብመርኣዪ ሓይሊ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ካልእ በስገዳድ ኣይጽዓንን" ከም ዝበሉን ኣብዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ ናይ ንእሽቶይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ናይ ሓቂ ብርታዐ ቤተ-ክርስትያን ይርከብ።

እቶም ተከኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ንክርስትያን ቱርኪ ቤተ-ክርስትያን ብርታዐኣ ኣብ ሃብታን መዋቕርን ከም ዝዀነ ምስ እትኣምን ወይ ከኣ ፍረ ተልእኾኣ ብቝጽሪ ሓባራዊ ስምምዕ ቍጠባዊ ሓይሊ ወይ ንሕብረተሰብ ጽልዋ ናይ ምግባር ክእለታ ክትመዝኖ እንከላ፡ ካብ ወንጌልን ካብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣምላኽን ከም እትርሕቕ የዘኻኽሩ።

"ምእመናን ካህናትን ጳጳሳትን መገዲ ንኡስነት ዘይስዕቡሉ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ መጻኢ የብሉን . . .  መንግስቲ ኣምላኽ ብንኣሽቱ ነገራት ኵሉ ሳዕ ኣብ ንኣሽቱ እያ እትፈሪ" እንክብሉ ኣብ ሓደ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስመሩሉ ሓሳብ ሎሚ ተካኢኦም መሊሶም የዘኻኽሩና። እዚ ድማ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምሉእ ብምሉእ ዝቕይር ኢዩ፡ እዚ ድማ ንግዳዊ ዝመስል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝሰፍን ተልእኾ ናብ ናይ ዕዳጋ ስነ ሜላታት ምስ ዝቕየር እቲ ወንጌል ዝሰብከ ሰብ ብርሃን ክርስቶስ ምእንቲ ክበርህ ኣብ ድሕረ ባይታ ኣብ ክንዲ ዝትሕት ንገዛእ ርእሱ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ገይሩ ኣብ ማእከል የቐምጥ።

ኣብዚ ጠውቑን ቍጽሪ ሰዓብትን ጥራይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣብ ዝመስለሉ እዋን ቤተ-ክርስትያን እውን እንተ ዀነት ነቲ ናይ ስልጣን መዋቕር ጽልዋኡ ከምኡውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣገዳስነት ዘለዎ ናይ ዝሓለፈ ክርስትና ንኽትናፍቕ ክትፍተን ትኽእል እያ። የግዳስ ከምቲ ወንጌል ዝምህረናን ሎሚ ጳጳስ ሮማ ደጊሞም ከም ዘዘኻኽሩና፡ ንዓለም ብዓይኒ እግዚኣብሔር፡ ብኣጠማምታ ንኣሽቱ፡ ትሑታት፡ ሓይሊ ዘይብሎም ክንጥምታ ይግባእ።

እዚ ሱር በታኸኣዊ ሰውራ ናይ ሓደ ኣምላኽ እዩ፡ ነቶም ሓያላት ካብ ዝፋኖም ዝግልብጥን ንትሑታት ልዕል ዘብልን ንተልእኾ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ኣህጉራዊ ርክባትን ናይ ሓቂ ሰላም ንምህናጽ መገዲ እውን እዩ እንክብል ኣንድረያ ትርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

29 Nov 2025, 17:52