ድለ

2025.10.13 mostra Dicastero cultura Vivian Suter 2025.10.13 mostra Dicastero cultura Vivian Suter  (© Francesco Gili, courtesy Dicastero per la Cultura e l'Educazione e l'artista)

ቪቪያን ሱተር ምስ ተፈጥሮ ዘለዋ ዘይነጻጸል ምትእስሳር

ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ህየትንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሮማ ናይ ሱተር ምርኢት ኣብ ዝተኸፍተሉ ኣጋጣሚ፣ "እቲ ትብዓት ዝመልኦ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት ቪቪያን ሱተር፣ ነቲ ዓብላሊ ዝዀነ ናይ ዝንጋዐ ምድባትና ይግልብጦን ይቕይሮን እዩ" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ህየትንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሮማ ናይ ሱተር ምርኢት ኣብ ዝተኸፍተሉ ኣጋጣሚ፣ "እቲ ትብዓት ዝመልኦ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት ቪቪያን ሱተር፣ ነቲ ዓብላሊ ዝዀነ ናይ ዝንጋዐ ምድባትና ይግልብጦን ይቕይሮን እዩ" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ስራሓ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ርክብ ዘይፈላለ ምዃኑ የዘኻኽረና - መሰረት ህላወና ኣብ ዓለም እዩ። ንገዛእ ርእስና ኸይንኸድዓ ክንፈርስ ዘይንኽእል ማእሰር ከም ዘሎና ውን ንዘክር" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ምርኢት ስነ ጥበብ ባብ ቪቭያን

ክልተ መንገድታት

መለለዪ መዳያት ዕዮ ሱተር ምስ ተፈጥሮ ዘለዋ ምትሕብባር እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ናይ ምምሓዝ መስርሕት ተሓባባቲት ተፈጥሮ ኮይና ትርከብ። እዚ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ምርኢት - ኣንቶኔላ ፖሊመኒ ሓለቓ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ሮማ - ከምኡውን ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓላፊ ክሪስቲያና ፐሬላን እታ ሥነ ጥበባዊትን ኣብ እተገብረ ዝርርብ፣ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ሞንታል ግሪንሃውስ ከምኡውን ኣብ ጐደና ኮንቺላዚዮነ 5 ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ምርኢት ቦታ ዝቐረበ ስርሓት ተራእዩ ኢዩ።

ተፈጥሮ ከም ሓባራዊ ተፈጥሮ

እቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ክፍሊ ናይቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ዝርከብ መርበብ ቤተ-መዘክር ኮይኑ ከምቲ እቲ ሓለቓ እዚ መንበረ ጥበብ ዝገለጾ፣ ጭቡጥ ኣብነት ናይ ሥነ ህይወታዊ ፍሉይ መጽናዕትን ከምኡውን ፍልልያትና ብሓባር ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም ኣብ ዝብል ኣምር እተመርኮሰ ምዃኑ የዘኻኽር። እዚ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ዚርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ምስቲ ቦታ መርኢት ኮንሲሊያዚዮን 5 ብምዝርራብ ንገለ ኽፋል እቲ ምርኢት ሱተር ንምቕባል ምሹእ ቦታ ክህብ ተረኺቡ ኣሎ።

ሱተር ምስ ፐሬላ ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፣  ብዛዕባ ተፈጥሮ ጥራይ ዘይኰነስ ብኸመይ ብዛእባ ተፈጥሮ ኽትስእል ከም ዝጀመረት ገለጸት። ኣብ ጫፍ ጫካ ጓቲማላ ኣብ ዚርከብ ናይ ቀደም ቦታ ሕርሻ ቡን ኣብ ዚርከብ ንዕዮ ቤታ ኮይና ድማ ኢያ እዚ ኹሉ ዝገበረቶ። ሓደ መዓልቲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ነቲ ኸባቢ ምስ ኣናወጾ፣ ንገሊኡ ሸለባታ ድማ ብጭቃ ሸፈኖ። እቲ ጭቃ ምስ ነቐጸ ሱተር እቲ ዝሓደጎ ኣሰር ጕድኣት ዘይኰነስ ክፍሊ እቲ ዕዮ ምዃኑ ተገንዘበት።

ስነ ጥበባዊት ቪያን ምስ ስነጥበባዊ ስርሓታ
ስነ ጥበባዊት ቪያን ምስ ስነጥበባዊ ስርሓታ   (© Francesco Gili, courtesy Dicastero per la Cultura e l'Educazione e l'artista)

ንባእታታት ዚኸውን ቦታ ምሕዳግ

እታ ህሞት እቲኣ ንመንገዲ ስነ-ጥበባ ቐየሮ። ፐሬላ ኸም ዝገለጾ፣ ሱተር ነቲ ኣቐዲማ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝሰርሓቶ ቕብኣታታ ምቍጽጻር ኣቋረጸት። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ኣየር ዝናም ሓመድ ጠሊ ኣሰር ኣኽላባታ ምልክት ኣትክልትን እንስሳታትን ከምኡውን ድምጽታት ምስቲ ሥነ ጥበባዊ ስራሓታ ኺራኸብ ፈቐደትሉ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ደፋር ብሩሽ ድሙቕ ሕብርታታን ረቂቕ ቅርጽን ድማ ትሒላ ነበረት።" ፐሬላ "ብስራሓ ከምኡውን በቲ ኽትነብረሉ ዝመረጸትሉ መገዲ ቪቪያን ክፍሊ ኣከባቢ ምዃንና የዘኻኽረና እዩ" በለት።

ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ዓለም

ኣብቲ እተፈጥረሉ ትሮፒካዊ ገጸ-ምድሪ ልሙዕ ህያው ምዃኑ ዜለዓዕል መሳጢ ህንጻ ዘርኢ ጽሑፋት ሱተር፣ ደቂ ሰብ ክፍሊ እታ ዝሰፍሐትን ንሓድሕዳ እተኣሳሰረትን ዓለም ምዃኖም ውን ተረጋግጽ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ስቡህ ኣንተ ዝጸሓፉዎ "ንሓባራዊ ቤትና ኽንከናኸኖ" ከምኡውን ነቲ ኣብ ወግዓዊ መልእኽቲ ዓመተ ኢዮቤል ተጠቒሱ ዘሎ "ንሥነ ኣከባቢያዊ ዕዳ" ኣርዚንና ኽንርእዮ ይዕድሙና፣ እዚ ኸኣ "ምብልሻው ኣከባብን ሕብረተሰብን ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባት ከም ዚጸልዎም" ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ። እዚ ሓሳባት እዚ ፈለማ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተገሊጹ ጸኒሑ ኣሎ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ልዮን መበል 14 ኣብቲ “ኣነ ኣፍቀርኩነ” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ማዕዳኖም ውን ተቓሊሑ።

እዚ ምርኢት እዚ ኣብቲ ኣብ ኮንሲልያዚዮን 5 ዘሎ ህንጻታት ክሳዕ 4 ታሕሳስ ክጸንሕ ከሎ፣ እቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሮማ ዝርከብ ምርኢት ድማ ክሳዕ 14 ታሕሳስ 2025 ክፉይ ኮይኑ ክጸንሕ ኢዩ። ናይ ዓመተ 2025 ኮንሲልያዚዮን 5 መደባት፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዓለምለኻዊ ስነ-ጥበባዊ ናይ መወዳእታ ውጥናት ድማ ክዛዘም ኢዩ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት ብቛንቋ ስነ-ጥበብ ኣቢሉ ንሓደ ዓመት ዝወስድ ኣስተንትኖ ኮይኑ ብምቕጻል ክዛዝም ኢዩ።

ኣብ ጐደና ኮንቺላዚዮነ 5 ዝርከብ ምርኢት ቪቭያን
ኣብ ጐደና ኮንቺላዚዮነ 5 ዝርከብ ምርኢት ቪቭያን   (© Francesco Gili, courtesy Dicastero per la Cultura e l'Educazione e l'artista)

ናይ ኮንሲልያዚዮን 5 ውጥናት

ቪቪያን ሱተር ደድሕሪ እቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሬጂና ቸሊ፣ ምስ እሱራት ብምዝርራብ ንህይወት ቤት ማእሰርቲ ዝዳህሰሰ ያን ፒ-ሚንግ ከምኡውን ኣብ ናይ ጕዕዞ ለውጢ ሓይሊ ዘተኰረ ኣድሪያን ፓቺ ቪቪያን ሱተር ናብቲ ኣብ መንጎ ሰብን ተፈጥሮኣዊ ዓለምን ዘሎ ርክብ እውን ተተኵር።

እቲ ብክሪስቲያና ፐሬላ እተዳለወ ናይ 2025 ኮንሲሊያዚዮን 5 ፕሮግራም ህጹጽ ማሕበራዊ ጕዳያት ከም ማእሰርትን ስደትን ዕንወት ኣከባብን ድኽነትን ብምፍታሕ ንመንፈስ ዓመተ ኢዮኔል ዘንጸባርቕ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ስነ-ጥበባዊ ሥርሓታ ኣብቲ ኣብ ቪያ ዴላ ኮንሲሊያዚዮን ዚበሃል ናይ 24 ሰዓት ናይ ምርኢት ስፍራ ዚርከብ ጋለሪ ዀነ ኣብ መላእ እታ ኸተማ ኣብ ዚርከብ እተፈላለየ ቦታ ዚርአ ውጥናት እውን የመላክት። ብሓባር ኰይኖም ካብ ዶባት ቫቲካን ወጻኢ ዝዝርጋሕ ናይ ስነ-ጥበባዊ ርክባት መርበብ ውን የቝሙ፣ እዚ ድማ ንህዝቢ ምስ ዘመናዊ ስነ-ጥበብን ኣስተንትኖን ንኽራኸብ ሓድሽ መገድታት የቕርብ።

04 Nov 2025, 14:29