ጳጳሳዊ ዝርዝር ሓበሬታታት ቤተክርስትያን ናይ ዓመተ 2025 ዝሓዘ ድሕረ ገጽ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ 8 ታሕሳስ ጀሚሩ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ጳጳሳዊ መዝገብ ሓበሬታታት ዝሓዘ መጽሓፍ ዓመታዊ መዝገብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሉእ ብምሉእ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ድሕረ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ብኮምፒኡተርን ብናይ ኢድ ስልክን ኣቢልካ ክርከብ ይከኣል።
እዚ ሓድሽ ድሕረ ገጽ ብዛዕባ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ሰበኻታትን፣ ማሕበራትን ተቕዋማትን ሰብውፉይ ሕይወት፣ ሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበርን ሓበሬታታት የቕርብ።
እዚ ውጥን እዚ ብቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ብሓባር እተሰናደወ ዀይኑ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀሪቡ።
ብብፁዕ ሊተ ጳጳሳት ኤድጋር ፔኛ ፓራ ትኩእ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን፣ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ክቡር የኔታ ሉሲዮ ኣድሪያ ሩይዝን ምስ ካልኦት ተወከልቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ሓቢሮም ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምቕራብ፣ ነቲ ናይ መጀመርታ መእተዊ ብምኽፋት፣ ነቲ ድሕረ ገጽ ባዕሎም ቅዱስነቶም ከፈትዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ሥነ ስርዓት መኽፈቲ እዚ ድሕረ ገጽ እዚ ንእተረኽቡ፣ "ነዚ ዕዮ እዚ ንብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያን ዘገልግሉ ኣካላት ዓቢ ጥቅሚ ክህልዎ ኢዩ" በሉ።
"እቲ ብሓልዮትን ብጥንቃቐን እተሰናደወ በብግዜኡ እና ዓበየ ዝኸይድን፣ ሓገዝ ምእንቲ ከወፍን በዚ መንፈስ ኣገልግሎት እዚ ኺቕጽሉ" ኣተባብዖም።
እዚ መዝገብ እዚ ነቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ መጽሓፈ ጳጳስ (ጥርኑፍ ዝክረ መጽሓፍ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ዕለታዊ ንጥፈታት ዝሓዘ) ብምትካእ፣ ኣብ መፋርቕ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን፣ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ወግዓዊ ሓበሬታ ንዜድልዮ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣገዳሲ መወከሲ ዀይኑ ክቕጽል ተረኽበ።
ኣብዚ እዋን እዚ፣ እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ክርከብ ይከኣል፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ናይ ሓበሬታ መሳርሒታት ኣብ ምሕዳስን ንዘመናዊ ጕዕዞ ቤተክርስቲያንን ኣገዳሲ ስጕምቲ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ኻብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተዋህበ መግለጺ ካብ ዝዀነ ይኹን ኤክትሮኒካዊ መሳርሒ ማለት ብመስመር ኢንተርነት ኣቢልካ ናብቲ ድሕረ ገስ ብምእታው፣ ነቲ እተሓትመ መጽሕፍ ንሕጽነት ቀረብ እዚ ሰነድ እዚ ይሰግሮን፣ ንውርሻዊ ሓበሬታ ቅድስቲ መንበር ድማ ዓቢይ ሓገዝ ዘወፊ ኮይኑ ይርከብ።
እዚ ብመስመር እተዘርግሐ ናይ ዓመተ 2025 መጽሓፍ ሓሬታታት ቅድስቲ መንበር፣ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ከም መሳርሒ ኣገልግሎት ብንጹር እተነድፈ እዩ። ብቐዳምነት ነቶም ዕዮኦም ንምፍጻም ብቐጻሊ ኣብ እተመሓየሸ ሓበሬታ ዝምርኰሱ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተሰናደወ እዩ።
ንሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበርን ንዲፕሎማስያውን ጕስነታውን ዕዮኦም ውትናዊ ምንጪ ይህብ፣ ንጉባኤታት ጳጳሳት ከኣ ብዛዕባ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ዘሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክውንነት ዘለዎ ምርዳእ ንኸዕምቑ ድማ የኽእሎም።
ሓይማኖታዊ ትካላት ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበባት ማእከላት ምርምር ከምኡውን ካልኦት ትምህርታዊ ትካላት ምስ ወግዓዊ መራኸቢታት ቅድስቲ መንበር ዝተሓሓዝ ሓበሬታ ኣባኡ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ጋዜጠኛታትን ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓን ቤተ-ክርስትያንን ከምኡ እውን ኣብቲ መድረኽ ከም ወግዓዊ መወከሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ እተረጋገጸ ትሕዝቶን ዜተኣማምንን እተረጋገጸን ሓበሬታን ውን ሒዙ ይርከብ።
በዚ ኸምዚ እምበር ከም ሓደሽቲ መዝነታን፣ ኣብ መዝነታት እተገብረ ለውጥታት ከምኡውን ኣብ መዋቕር ቤተ-ክርስትያን እተገብረ ምትዕርራያት ዝኣመሰለ ሓበሬታ ነቲ ዝቕጽል ሕታም ዓመታዊ መዝገብ ሓበሬታት ክጽበ ኣየድልዮን እዩ። እዚ ፍልልያት እዚ ሕጂ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ መስመር ኢንተርነት ዘሎ ሓብሬታ ክንጸባረቕ ይኽእል እዩ።
እዚ ኣገባብ እዚ ንተጠቀምቲ ንሓበሬታታት ብስም ብሰበኻታት ብቤት ጽሕፈት ወይ ብመዝነት ብሃገር ወይ ብትካል ሃሰስ ንኽብሉ ዜኽእሎም ምዕቡል ናይ ምንዳይ ተግባራት እውን የቕርብ።
ብፁእ ሊቀ ጳጳሳት ፐኛ ፓራ "ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፣ ቅልጡፍን ዓለምለኻውን ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብዛዕባ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ሓበሬታ ብቕልጡፍን ብዜተኣማምንን መንገዲ ሓበሬታ ምርካብ ኪበሃል ከሎ፣ ተክኖሎጂ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ምግልጋል ዘወፍዮ ሓገዝ ኢዩ ዘመልክት" በሉ። "ንካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ንዅሎም እቶም ኣብ ዓለም ዘሎ ኣማናዊ ሓበሬታ ቤተ-ክርስትያን ክርድኡ ዝደልዩ ኣቓልቦን ግልጽነትን ሓላፍነትን ዘመልክት ድማ ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።
ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንዲጂታል ጳጳሳዊ መዝገብ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ምትሕብባር ወሰደ፣ እዚ ድማ ትካላትን ምስ መንነት እተተሓሓዘ መዳያትን መሰረታዊ ስርዓታትን ተመክሮ ተጠቀምቲ ዝገልጽ ክኽውን ኢዩ።
እቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከአ፣ ብፍላይ ቤት ጽሕፈት ተክኖሎጂ ተክኒካዊ ምዕባለ ናይዚ ዲጂታል ድሕርገጽን ምዕባለን ናይ ምፍጣር ዳታቤዝ ናይ ምፍጣር ከምኡውን ነቲ ብማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ቤተ-ክርስትያን እተዳለወ ሓበሬታ ንምቕራብ ናይ መስርሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ይርከብ።
እዚ ውትን እዚ ካብቲ ኣብ ንድፊ ኣገልግሎትን ተመክሮ ተጠቀምትን ዝሰልጠኑ መንእሰያት ክኢላታት ዝገበርዎ ኣበርክቶ ጌሩ ውን ይርከብ፣ እዚ ኸኣ ተክኒካዊ ድልዱል መድረኽ ብምቕራብ ምስ ኣጠቓቕማን ግልጽነትን ከም ዝሰማማዕ ተገይሩ ይርከብ ኣሎ።
ካብ መጀመርታኡ ከም ዝማዕበለ ፕሮጀክት ኰይኑ እተሓስበ እዚ ኣብ ድሕረ ገጽ ኢንተርነት ዝርከብ መዝብ ሓበሬታ ቤተክርስትያን በብቝሩብ ብዕምቈትን ስፍሓትን ክበልጽግ ወን ተስፋ ይገበረሉ።
ኣብ መጻኢ ዝርአ ምዕባለታት ታሪኻዊ ሓበሬታ ካብ መዛግብትን ካብ ኣቐዲሙ እተሓትመ ሕታማትን ምምላስን ምውሳኽን ከምኡውን ነቲ መድረኽ ምስ ግዚያዊ መስርሓትን ትንተናዊ ተኽእሎን ዜስፍሕ ሓደስቲ ሕታማት ዜጠቓልል ክኸውን እዩ።
በዚ መንገዲ እዚ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንዅሎም እቶም ነቲ ድሕረ ገጽ ዝጥቀሙሉ ሰባት፣ ነቲ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ትዕዝብትን ሓሳባትን ብምልኣኽ ንምምሕያሽ ብንጥፈት ኣበርክቶ ክገብሩ ውን ይዕድም፦ annuariopontificio@sds.va
እዚ ድሕረገጽ ድማ ኣብ https://www.annuariopontificio.catholic/ ይርከብ
ብተወሳኺ'ውን ናይዚ ድሕረ ገስ ንiOS ከምኡውን Android ብእተወፈየ መተፍበሪ ክትረኽቡ ዝከኣል ኢዩ። ተጠቀምቲ ኣብ ዌብ ሳይት ኪምዝገቡ ወይ ከኣ ነቲ ኣፕሊኬሽን ካብ App Store ወይ Google Store ከውርድዎ ኣለዎም።
እቲ ኣብ ድሕረገጽ ዝርከብ ጳጳሳዊ መዝገብ ሓበሬታታ ክልተ መደባት ዘለዎ መተግበሪ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ፣ ክልቲኡ ድማ ብቐጻሊ ናብ ዕቑር ሰነዳትን መዓልታዊ እዋናዊ ሰነዳትን ብዝምልከት ውን ውሕስነት ይህብ።