ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንክርስቶስ መዓልታዊ ኣብ ልብኻ ክውለድ ዓድሞ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 16 ታሕሳስ ንግሆ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ቤት ሕክምና ሕማማት ቆርበት (ቤት ሕክምና ስነ ቆርበት) ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረብዎ ስብከት “ብተስፋን ናፍቖትን ኣብ ዝተመልአ” መዓልታት ንርከብ ከም ዘሎና ብምዝኽካር፡ እዚ እዋን እዚ ንመላእ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ብኢዱ ሒዙ ቀስ ብቐስ “ናብ ምስጢር ልደት መድሓኒና” ዝመርሕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ምጽኣት እምበኣር ናይ ምጽባይ ግዜ ኮይኑ ናብ ዳግማይ ምጽኣት ኢየሱስ እውን ዝቐንዐ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ምስዚ ብምትእስሳር በዓለ ልደት፡ ምጽኣት ክርስቶስ ብቐዳምነት ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመት ኣብ ቤተልሔም፡ እቲ ካልኣይ ኣብ መወዳእታ ግዜ ክመጽእ ምዃኑ ዘዘኻኽር፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ልቢ ምእመናንን ማሕበረሰብ ክርስትያንን “ብቃልን ብቕዱሳት ምስጢራትን” ዝመጽእ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቅድሚ ሕማም
ብድሕሪ’ዚ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ናይ ዕለቱ (ዕለት 16 ታሕሳስ) ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 21, 28 – 32 “ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ። ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጣዒሱ ወፈረ። ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። ካብ ክልቲኦም ኣያናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውትን ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩምን።”
ዝብል እተወስደ ምንባብ እንከስተንትኑ፡ ኣብኡ ኢየሱስ ብምሳለ ዝገለጾ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ መጀመርታ ከይዱ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ክሰርሕ ኣብዩ ድሒሩ ግን ተነሲሑ ክሰርሕ ይኸይድ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ከይዱ ክሰርሕ ሕራይ ዝበለ ግን ቃሉ ዘይሓለወን ጠቒሶም፡ እቲ ፍቓድ ኣቦ ዝፈጸመ እቲ ቐዳማይ ምዃኑ ርድኡ እዩ። ጎይታ ንዘቕርቦ ተልእኾኡ “ቅኑዕ ልቢ” ይደሊ- ኣብ ውሽጢ መናድቕ ናይቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዝንበር ተልእኾ እውን፡ ኣብ ቅድሚ ሕማም ምስ “ሓይሊ ኣልቦነት” ዝብል ስምዒት መዓልታዊ ብምግጣም ዝለለ - ግራት - ቤት ሕክምና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምብጻሕ ናብ ሕሙማት
ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ክርስቶስ መዓልታዊ ኣብ ልብና እንተዘይተወልደ፡ ኣብ ቤተልሄም ምውላዱ ትርጉም የብሉን” እንክብሉ ምስቶም ሓኻይምን ህሙማንን ስራሕተይናታትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ገሊጾም፡ እቲ ቤት ሕክምና ሓቀይና “መብልዒ ማል - ጎይታ ዝውለደሉ ስፍራ” ክገብርዎ ከም ዝዓደሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካብቲ ቤት ሕክምና ቅድሚ ምስንባቶም ኣብ ክፍሊ ቤት ሕክምና መንሽሮ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ህሙማንን ኣለይቶምም ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ሕክምና ዝተነብረ ኦም ልደትን ትርኢት ልደትን ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ ባሪኾም ከም ዘንበሩን ኣፍሊጡ።