ካርዲናል ታግል ኣብ ናይ ተስፋ ጕዕዞ ብዛዕባ ብፍርሂ ዝካየድ መሪሕነት ኣጠንቀቐ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዕለት 27 ሕዳር ኣብ ፐናንግ ማሌዥያ ኣብ ዓብዪ ናይ ተስፋ ንግደት ከፊቶም።
ኣብ ሬድዮ ቬሪታስ እስያ ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ካብ መላእ እቲ ዞባ ንዝመጹ ልካነ ወንጌል ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ክልተ መንፈሳዊ መገድታት ኣነጻጺሮም ገለጹ።
"ዝያዳ ከም ሰብኣ ሰገል ዝደልዩ ዚሰምዑ ዝመሃሩን ዘምልኹን ነጋድያን የድልዩና ኣለዉ። እቶም ኣብ ከም ሄሮድስ ብፍርህን ሓይልን ተስፋ ምቝራጽን እተታሕዙ ሰባት ድማ ብዝወሓደ እዮም ዜድልዩና። ንዑ ኣብ ጕዕዞ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተጸምበሩ" ክብሉ ውን ተላበው።
እቲ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ጉባኤ ቤተ-ክርስትያን እስያ ዝዀነ ዓብዪ ንግደት ኢዮቤል ተስፋ፣ ብሥርዓተ ቡራኬ ብብፁዕ ካርዲናል ሰባስቲያን ፍራንሲስ ብዓል ፐናንግ ኢዩ ተኸፊቱ።
ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ብወገኖም "ብኻልእ መገዲ ብምኻድ እተሓደሱ ነጋድያን ተስፋ" ዘርእስቱ ኣስተንትኖ ኣካፊሎም።
ንቤተ-ክርስትያን እስያ ድማ "ዛንታ ኢየሱስ ኣብ ምብሳር" ከይትሰልኪ ተማሕጺኖም፣ ክርስትያናዊ ተስፋ ካብ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ወይ ካብ ተሓድሶ ንላዕሊ ዓሚቝ ምዃኑ ድማ ገለጹ።
"ክርስትያናዊ ተስፋ ብኣምላኽ እተሰናደወ ስነ-መለኮታዊ ሓይሊ እዩ፣ ኣምላኽ ድማ መበቈሉን ሸቶኡን እዩ" በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ሓቀይና ተስፋ ንመንፈሳዊ ጽንዓት የደልድሎ፣ "ከምቲ ኣምላኽ ዜፍቅሮ ብጻይ ምእንቲ ከነፍቅር ድማ ንልብና የንጽሖ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ነቶም ኣብ ኣህጉር እስታ ዝርከቡ ልኡካነ ወንጌል ድማ፣ ንመንፈሳዊ ህይወቶም እንታይ ድራኸ ኸም ዘለዎም ኪምርምሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም ፦ 'ሓቀይና ሓጐስ ዜምጽእ እንታይ እዩ? ጽንዓት ንኽንገብር ዚድርኸና ኸ እንታይ እዩ? ልግና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ድዩ ዜተኵር ወይስ ንጥቕሚ ገዛእ ርእስና እዩ ዜመልክት?” ቢሎም ገዛእ ርእሶም ክሓቱ ድማ ተላበው።
ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣስዒቦም፣ ኣብ መንጎ ትሕትናን ፍርህን ዘሎ ምርጫ ንምብራህ ናብቲ ብዛዕባ ዛንታ ሰባኣ ሰገል ዘዘንቱ ክፍሊ ምልስ ብምባል ኣስተንተኑ።
ሰብኣ ሰገል ይብሉ ብፁዕነቶም፣ "ብትሕትናን ብግሉጽነትን ዘለዎ ብርሃንን ተመሪሖም ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚግበር ጕዕዞ" ዘመልክት ክስዕቡ እንከለዉ፣ ሄሮድስ ከኣ "ብዘይ ኢየሱስ ብፍርሃትን ብምስጢራውነትን ብዓመጻን ዚርአ ጕዕዞ" እዩ ዜመልክት።
ሄሮድስ "ኣይተንቀሳቐሰን" ክብሉ ውን ኣመልከቱ፣ ስልጣን ምስዓብ ንትካላትን ንሰባትን ብኸመይ ዝበለ መንገዲ ከም ዝመርሖም ድማ ኣስተንተኑ። "ሓይሊ እንተ ኣልዩካ ክብደት ኣሎካ፣ ክብደት እንተ ኣልዩካ ኸኣ ክትንቀሳቐስ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን" ድማ በሉ።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን እቲ ንሄሮድስ ዘጋጠሞ ልምሰት "ተመሓላላፊ" ከም ዝዀነን፣ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘፈራርሖምን ገለጹ።
ብኣንጻሩ ግን ሰብኣ ሰገል ትሕትና ተላቢዎም፣ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ውን ተረዲኦም ምርሒት ክወሃቦም ድማ ሓተቱ። ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ከም ዝገለጽዎ ንኽመሃሩ ዘለዎም ድሉውነት ንመንፈስ ሲኖዶሳዊነት ዘንጸባርቕ ኣቕዋም ኢዩ በሉ።
ሰብኣ ሰገል ነቲ ራእይ ብህጹጽ ብኸመይ ምላሽ ከም ዝሃቡሉን፣ ኣብታ መብዛሕትኡ ግዜ ብከም የሩሳሌም ዝኣመሰላ ማእከላት ሓይሊ እተሸፈነት ቤት-ልሄም ኣቢሎም ብኸመይ ከም ብሓጐስ ከም ዝተጓዕዙን ውን ኣጕልሑ።
"ኣብቲ ገለ ገለ እዋን ዕሽሽ እንብሎ ንኣሽቱ ክፍልታት ማሕበረሰብ ብዙሕ ጥበብን ሓጐስን ኣሎ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሄሮድስ ኢየሱስ ከም እተወልደ ምስ ሰምዐ፣ ብህውከትን ብዓመጻን ምላሽ ሃበ እሞ፣ ሓጐስ ካልኦት ኪቕበል ኣይከኣለን በሊ። ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ወሲኾም "ተስፋ ዘይብሎም ሰባት ሕጉሳት ኣይኰኑን" ብምባል እውን ኣስመሩሉ።
እዞም ህየንተን ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ከም ዘጋጠሞም ዛንታታት ብምግላጽ ድማ መግለጺኦም ዛዘሙል፣ እቲ ጐዕዞኦም ድማ ጸሎት ዘድልዩምን ጸገማቶም ዜካፍሉን ክልተ ፊሊፒናውያን ስደተኛታት ከም ዝረኽቡ ገበሮም።
"ከም ዘይጠፋእኩ ውን ተገንዘብኩ" በሉ። ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዛ መገዲ እዚኣ መርሓኒ ክብሉ ውን መስከሩ።
ልቢ ክርስትያናዊ ህይወት ወትሩ ብክርስቶስ እተቐርጸ ጕዕዞ ምዃኑ ውን ኣዘኻኸሩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኻልእ መገዲ እዩ ጕዕዞኡ ዘካየድ። ንሱ መገድን ሓቅን ህይወትን እዩ። ንሱ ኰዀብናን ሸቶናን ተስፋናን ውን እዩ" ክብሉ ውን መግለጺኦም ዛዘሙ።