ቅድስቲ መንበር ንጳጳስ ቻይና ዣንግ ዌይዙ ብበርገሳዊ ስልጣን ዝተዋህቦ ኣፍልጦ ብሓጎስ ትቕበሎ
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፡ ኣብ ቻይና ናይ ዚንሽያንግ ልሂቅ ጳጳስ ዝተዋህቦም በርግሳዊ ኣፍሊጦ፡ ኣብ ሓባራዊ ጉዕዞ ዓቕለሲያዊ መዳይ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ የረጋግጽ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብ ቻይና ናይ ሰበኻ ዚንሽያንግ ሓዋርያዊ መስተናብር ልሂቅ ጳጳስ ጆሴፍ ዣንግ ዌይዙ መንበረ ጵጵስና ብርገሳዊ ስልጣን ኣፍልጦ ከም እተዋህቦም ዝወጸ ዜና ንቕድስቲ መንበር ሓጎስ ከም ዝፈጠረላ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 6 ታሕሳስ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡ “እዚ ስጉምቲ’ዚ ውጽኢት ዘተ ቅድስቲ መንበርን ሰበ - ስልጣን ቻይናን ኮይኑ፡ ኣብ ሓባራዊ ዓቕለሲያዊ ጉዕዞ ዘሎ ምድግጋፍ ሓድሽን ኣገዳስን ስጉምቲ ዝውክል እዩ - ቢሎም - ዓርቢ ዕለት 5 ታሕሳስ ናይ ሺንሽያንግ ሓዋርያዊ መስተናብር ንኽኮኑ ዕለት 11 ነሓሰ ዝተሰምዩ የኔታ ፍራንሲስ ሊ ጂያንሊን ማዕርገ ጵጵስና ከም እተቐበሉ ኣፍሊጡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ሪፓብሊካዊት ቻይናን ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ” መሰረት ጳጳስ ጆሴፍ ዣንግ ዌይዙ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዘቕረብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ተቐቢሎም ንሕይረት የኔታ ፍራንሲስ ሊ ጂያንሊን ከም ዘጽደቕዎ የዘኻኽሩ።
08 Dec 2025, 15:56