ድለ

ድሕሪ 60 ዓመት ልደት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድሕሪ 60 ዓመት ልደት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን  (Archivio Fotografico Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ድሕሪ 60 ዓመት ልደት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣድረያ ቶርኒየሊ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ኣዋጅ እምነትን ሕልናኣን ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ከም ዘይበርህ ኣጸቢቓ ተፈልጦ እያ! ኣብ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክስቲያን የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 11 ግንቦት 2010 ኣብ ሊዝበን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ዘይርሳዕ ስብከት፡ “ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ማሕበራውን ባህላውን ፖለቲካውን ሳዕቤናት እቲ እምነት ንጭነቕ፣ እዚ እምነት ህልው እምነት እዚ ኣቕሊልና ኢና እንርእዮ፣ እቲ ዜሕዝን ከኣ እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ"

እዚ ትዕዝብቲ እዚ እዩ ኣብ መበቈል እቲ መበል ስሳ ዓመት ዘብዕል ዘሎ ኤቁመናዊ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሎ፣ ማለት ዓለማውነትን (እምነትን ግብረ ገብን ካብ ባህሊ ዘወግድ) ካብ እምነት ክርስትና ናይ ምርሓቕ ዝንባለ ካብ ምስትዓል ዝነቐለ እዩ።

ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ቫቲካን ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ሳዕቤናት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ማእከል ስነ - ሓሳባዊ ክትዕን ክርክርን እዩ ነይሩ፣ መብዛሕትኡ ካብዚ ድማ ገና ኣይሃድአን፣ እዚ እውን ኣብ መንጎ እቶም ቅልውላው ቤተ - ክርስትያንን ካብ ክርስትና ምውጻእን ምስ ዋዕላ ዚተሓሓዙን እቶም መፍትሒ ምስ ዓለም ምልማድ እዩ ኢሎም ኣብ ዝሓስቡ ዝረአ እዩ። እቶም ቀዳሞት እቲ ቕልውላው ቅድሚ 1962 ከም ዝጀመረ ኣይፈልጡን ነቲ ዘይከኣል ምሕዳስ ዝብል ሕልሚ ይቕጽልዎን፣ ምስሊ ናይታ እንኮ መከላኸሊኣ ናብ ዕርዲ ምምላስ ጥራይ ዝኾነት ዝተኸበበት ቤተክርስትያን ይስእሉ። እዞም ዳሕረዎት ምስ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ንምትዕጽጻፍ ብክኢላታት ዝተሓሰቡ፡ ግን ከኣ ኣብ መዓልታዊ ተመክሮ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ዘይምርኮዙ ተሃድሶታት ዝሓልሙ እዮም። እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዋዕላ ዝመሃሮን ካብ 1965 ክሳዕ ሎሚ ኣብ ትምህርቲ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝረኸቦን ኣብ ቀዳማሞት መስመራት Lumen Gentium - ብርሃነ ኣህዛብ ኣብ ዘርእስቱ ሃመንናዊ ቅዋም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፦ "ክርስቶስ ብርሃን ኣህዛብ እዩ፦ እዚ ብመንፈስ ቅዱስ እተኣከበ ቅዱስ ዋዕላ ስለዚ ወንጌል ንብዘሎ ፍጥረት ኪሰብኽ ከሎ በቲ ኣብ ገጽ ቤተ - ክርስትያን ዚበርህ ብርሃን ክርስቶስ ንዅሉ ሰብ ኬብርሆ እዩ ዝደሊ" ብዝብል ሓሳብ ብትኽኽል ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኣብ ናይ ቤተ - ክርስትያን ተግባር ዋላ እውን ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝግበር ስጕምትታት ዋላ እውን ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ኣቕሊልካ ክውሰድ ዘይከኣል ሕመረት ኢዩ። ቤተክርስትያን ብናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ኣይትበርህን ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ኣይተብርህን ምንጪ ኣዋጅ ኣይኰነትን። ቤተክርስትያን ግልጺ ኽትከውን ጥራይ እያ ኽትጽዕር እትኽእል፣ እዚ ማለት ብርሃን ክርስቶስ ከም ዚበርህ ምግባር ጥራይ እዩ። ኣብ ገጽ ቤተክርስትያን ዝበርህ ብርሃን ክርስቶስ እዩ።

እዚ ትዕዝብቲ እዚ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣበው ቤተ-ክርስትያን ብንጹር ዝርአ ትዕዝብቲ ብዙሕ ሳዕቤናት ዝመልአ እዩ። ሓንቲ ቤተ - ክርስትያን ምንጪ ወይ "ጎይታ" እምነት ከም ዘይኰነት እትፈልጥ፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ካብ ኵሉ ርእሰ - ብቕዓትን ርእሰ - ውከሳን እትሃድም ኣዒንታ ናብ ዝሓለፈ ገይራ ዘይትነብር ደገፍ ሓያላት ህሞት ዘይትደሊ ንእምነት በስገዳድ ከተቕርቦ ዘይትፍትንን ንሕግታት ልምድታት ሜላታት ወይ ሰብኣዊ ውጥናት ከይሓቖአፈት፡ ይቕረታ ብምሕታት ናይ ገዛእ ርእዳ ድኽመታት ብኸመይ ከም እተለልይ እትፈልጥ ምስ ኵሎም ብናጽነት እትዛረብ ወጅሂ ጎይታ ክትደልይ ትጓዓዝ። ምሕረት፣ ምንጋድ፣ ምስ ድኻታትን እተጠንጠኑን ምቅርራብ፣ ንሰላምን ፍትሕን ዘለዎ ቓል ኪዳን ጨው ምድሪ ንምዃን ከምኡውን ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ዓለም ከም ዝበርህ ብምግባር፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 28 ሓዳር ኣብ ካቴድራል ኢስጣምቡል ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘዘኻኸሩና - "ኣብ መንጎና ንኽሓድር መገዲ ትሑታት ዝመረጸ" ኣምላኽ ትምስክር። ጳጳስ ሮማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኢየሱስ ክርስቶስ እተግለጸሉ መገድን ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 7 ታሕሳስ ቅድሚ ዘዕረግዎ ጸሎት መልአከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፦ ነብዪ ኢሳይያስ ምስ ጠጥዒ ኣመሳሲልዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስሊ ልደትን ሕዳሰን እምበር ምስሊ ሓይልን ጥፍኣትን ኣይኰነን። ኣብቲ ዝሞተ ዚመስል ጕንዲ ዚበቍል ጠጥዒ መንፈስ ቅዱስ ብውህበቱ ኼስተንፍስ ይጅምር። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ተመሳሳሊ ዘይተጸበናዮ ነገር ክንሓስብ ንኽእል ኢና” ከም ዝበለዎ፡ እዚ ድማ ቤተክርስትያን ምስቲ ቅድሚ ስሳ ዓመት እተዛዘመ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሕለፈቶ ተመክሮ እዩ። እዚ ተመክሮ እዚ ብሓባር ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከይድ እንኮለና ኵላትና ንዕኡ ኽንቅበሎን ከነገልግሎን ክንጽዕር እንኮለና ዚሕደስ ተመክሮ እዩ። ሽዑ ድኹም ወይ ሕሱር ዚመስል ክውንነት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ብሰብ ዘይከኣል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ነገር እውን ይበቍል።"

እዛ ምስጢር ክርስቶስ ኣብ ዓለም እትነብር ቤተ-ክርስትያን ድሮ ኣብ ብዙሓት ውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰባትን ትዓዪ ኣላ። እዚ ድማ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ዝወጸ ናይ ተስፋ ዛንታታት ይምስክረልና ኣሎ። ድሕሪ ስሳ ዓመት ገና ኣብ መጀመርያ ደረጃታት ናይቲ ዋዕላ ዝነገረናን ኵላትና ክንበቍል ዝተጸዋዕናን መገዲ ኢና ዘለና።

(Andrea Tornielli)

10 Dec 2025, 14:55