ድለ

2025.11.24 Bilancio Santa Sede 2024 2025.11.24 Bilancio Santa Sede 2024 

ቅድስቲ መንበር ንዓመት 2024 ብ1.6 ሚልዮን ዩሮ ቍጠባዊ ዕቤት ጸብጻባ ዓጸወት

ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ቍጠባ ቅድስቲ መንበር ናይ 2024 ጠቕላዊ ቍጠባዊ ጸብጻባት ኣሕቲሙ፣ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ መረጋገጺ ዘድልዮ ቍጠባዊ ነጥበ-መቐይሮ ዝገልጽ ኢዩ ዝንበረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ቍጠባ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ዓመተ 2024 ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ጸብጻባት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ቍጠባ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ1.6 ሚልዮን ዩሮ ዕቤት ከም ዘርኣየ ኣመልኪቱ።

እዚ ውጽኢት እዚ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተመዝገበ ሕጽረት ናይ 51.2 ሚልዮን ዩሮ ክነጻጸር እንከሎ ዓብዪ ምምሕያሽ  ዘመልክት ኢዩ ዝንበረ።

እቲ ትማሊ ረቡዕ እተሓትመ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ ቍጠባ ቅድስቲ መንበር ንጹር ምምሕያሽ ከም እተገብረ የጕልሕ ኢዩ፣ ምሉእ ቍጠባዊ ቀጻልነት ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶ ምዃኑ ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃበሉ፣ ብጥንቃቐ ኣብ ዝግበር ኪደት ግን ንጹር ኣወንታዊ ኣንፈት ኪርአ ይከኣል ክብል ውን የመላኽት።

እቲ ዝተረኽበ ሓፈሻዊ ምምሕያሽ ኣብ ኣዝዩ ምንካይ እቲ ሕጽረት ካብ 83 ሚልዮን ናብ 44 ሚልዮን ዩሮ ብ50 ሚእታዊት ዘነኪ ኮይኑ ኢዩ ተረኺቡ ዘሎ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ 79 ሚልዮን ዩሮ ኣታዊ ብምውሳኽ፣ (ብቐንዱ ካብ ወፈያታትን ምምሕዳር ሆስፒታላትን ዝመጸን) ከምኡውን ወጻኢታት ንምቍጽጻር ብዝገበሮ ጻዕርታት ብኸፊል ነቲ ናይ ሰራሕተኛታት ወጻኢታትን ወሰኽ ወጻኢታትን ዝሽፍን ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ፋይናንሳዊ ምምሕዳር እተገብረ ውጽኢታዊ ተሓድሶ ኣወንታዊ እዩ ዝንበረ፣ እዚ ኸኣ 46 ሚልዮን ዩሮ ኣወንታዊ ዕቤት ኣርእዩ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ካብ 2023 ዝበልጽን ከምኡውን ነቲ ናይ ስራሕ ሕጽረት ኣብ ምሽፋንን ኣገዳሲ ግደ ዝነበሮ ኪደት ኢዩ።

እዚ ውጽኢት እዚ ብቐንዱ ብሓገዝ ኮሚተ ኣዋፈርቲ እተረኽበ ናይ ርእሰ ኸተማ መኽሰብ ብምፍጻሙ እዩ ዝንበረ።

ፋይናንሳዊ ትንተና

ብዘይካ ናይ ሆስፒታላት ጸብጻባት፣ ቅድስቲ መንበር ብ18.7 ሚልዮን ዩሮ ትርፊ ብምርካብ ናይ ዓመተ 2024 ጸባጻባታ ዓጽያ ትርከብ ኣላ።

ቤት ጽሕፈት ቍጠባ ነዚ ኣሃዝ እዚ ንምትርጓም ጥንቃቐ ኣድላዪ ምዃኑ ውን የጕልሕ፣ ከመይሲ እዚ ምምሕያሽ እዚ ብቐንዱ ብሰንኪ ወሰኽ ወፈያታትን ምስ መሸጣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወፍርን እተተሓሓዘ ናይ ዕዳጋ ምቕናስን ገለ ገለ ናይ ሕሳብ ጽልዋታት እዩ።

ስለዚ እዚ ምዕባለ እዚ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ክረጋገጽ ክኽል ውን ኣለዎ።

ሓዋርያዊ ተልእኾን ጳጳሳዊ ቍጠባን

ኣብ መወዳእታ ወጻኢታት ብምምርማር ኣብ መንጎ ኣገልግሎታት ተልእኾ ወንጌልን ጭቡጥ ቍጠባዊ መዓላኡን ንዘሎ ስኒት ንምርግጋጽ ድማ ዝከኣል እዩ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ዕማማት እተፈላለዩ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ ምንበርን እተፈላለየ መዳያት ሓዋርያዊ ተልእኾን ድማ እዩ ዝገልጽ።

እዘን ናይ ኩርያ ሮማና ትካላት ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ኣገልግሎት ዘቕርባ ኢያተርን፣ ካብ ደገፍ ንኣብያተ-ክርስትያን ክሳዕ ተበግሶታት ሓድነት እምነትን፣ ካብ መርህባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳዕ ምድንፋዕ ሰላምን ሰብኣዊ ምዕባለን፣ ካብ ሊጡርጊያዊ ፍጻመታት ክሳዕ ክንክን ውርሻ ሃገረ ቫቲካንን ከምኡ ውን ጳጳሳዊ ውክልናታት ዘጠቓልል ድማ ኢዩ።

ኣስዒቡ ድማ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ንሓዋርያዊ ተልእኾ ወንጌልን፡ ጳጳሳዊ ቍጠባን እተመደበ 393.29 ሚልዮን ዩሮ (ብዘይካ ናይ ሆስፒታላት) ዝተገብረ ውጥናት ብዝርዝር ይገልጽ።

ዝበዝሐ ካብዚ ገንዘብ (83% ኣቢሉ ይኸውን) ኣብ ሓሙሽተ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኽፋላት ዘተኰረ እዩ።

እቲ 37 ሚእታዊት ናይቲ ጠቕላላ ሕሳብ (146.40 ሚልዮን ዩሮ) ዝውክል ቀንዲ ወጻኢታት ኣብ ጸገምን ኣብ ፍሉይ ኵነታት ተልእኾ ውንጌልን ንዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ንምሕጋዝ እተወፈየ እዩ ዝነበረ።

እቲ ቐጺሉ ዝርአ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ወጻኢታት ሥርዓተ ኣምልኾን ተልኾ ወንጌላውነትን (14%) መልእኽቲ ንምልውዋጥ (12%) ኣብ ዓለም ኣገልግሎት ሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበር (10%) ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ (10%) ምዃኑ የመላኽት።

እቲ ዝተረፈ 17 ሚእታዊት ከም ማሕበር ቤተ-ክርስትያን ታሪኻዊ ሃብትን ትምህርታዊ ትካላትን ዝኣመሰሉ ኻልእ ንጥፈታት ድማ ከም ዝሽፍን እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

04 Dec 2025, 10:13