ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንሕና “ዝጠፍኡ ተጓዓዝቲ ኣይኮናን” እንታይ ደኣ “ኣብ ለይቲ ዓለም፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከብርህ ዝኽእል ብርሃን ከም እንርኢ ናይ ትሑታት እምንቶ” እንዕቅብ ኢና፡ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ፡ “ካልኣይ ምጽኣይ (Parousia) ናይ ጎይታ፡ ዘይሰከፍ ትጽቢት” ብዝብል ቍዉም ሓሳብ ዝምራሕ ዘሰናደውዎ ኣስተንትኖ ዘምጽኣት፡ ዕለት 5 ታሓሳስ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ፡ “መዓልቲ ጎይታ እናተጸበኻን እናቀላጠፍካን ምጽባይ” ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእቲ ዝተማእከለ ከም ዝነበረን፡ “ዳግማይ ምጻኣት ናይ ጐይታ” ብፍላይ ምስቲ ናብ ምዝዛም ገጹ ዘብል ዘሎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣተሓሒዞም፡ “ዘመነ ምጽኣት ቤተ ክርስቲያን ተስፋ እትዅልዓሉ እዋን እዩ። ንቐዳማይ ምጽኣት ጐይታ ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ኣብ መወዳእታ ዘመን - ዳግማይ ምጽኣቱ እተስተንትነሉ እዋን እዩ።”
“ክንጽበ ተጸዊዕና ኢና! ብተመሳሳሊ ድማ ብህድኣትን ንጡፍን ንቕሓት ምጽኣት ጐይታ እነቀላጥፈሉ” ህሞት እዩ” ኢሎም።
ጸጋ ምልላይ
“ዳግማይ ምጽኣት - Parousia” ዝብል ቃል ወንጌላዊ ማቴዎስ ኣብ ምዕራፍ 24 ኣርባዕተ ግዜ ይጥቅመሉ፡ ድርብ ትርጉም ዘለዎ ቃል እዩ: “ህላወን ምምጻእን” ዘጠቓልል ቃል እዩ።
ኢየሱስ ነቲ ናይ ምጽኣቱ ተስፋ ምስቲ ቅድሚ እቲ ዓብዪ ማይ ኣይሂ ዝነበረሉ ዘመን ኖህ የነጻጽሮ። እተን መዓልትታት፡ ህይወት ብንቡር ዝውሕዝዘለን እዋን እዩ ነይሩ፣ ኖህ በይኑ ድማ ነታ መሳርሒ ድሕነት ዝኾነት መርከብ ዝሰርሓሉ እዋን እዩ። እቲ ዛንታ ዘመናዊ ሰብ ክርድኦ ዘለዎ ሕቶታት የለዓዕል። ሓድሽን ዝተሓላለኸን ብድሆታት እናገጠመት “ቤተክርስቲያን ኣብ ዝቐያየር ዓለም ምስጢረ ድሕነት ኮይና ክትቅጽል ተጸዊዓ ኣላ። ሰላም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ በደላትን ውጉኣት ዝኽርታትን ፈውሲ እንተዘይረኺቡ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ትምኒት ኮይኑ ይቕጽል፣ ኣብ ምዕራባዊ ባህሊ ናይ ደረት ሰገርነት ስምዒት እናደኸመን ብናይ ብቕዓትን ሃብትን እደጥበብን ጣኦታት ይዕብለል ኣሎ። ተበጽሖ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንፈተና ናይ ሓደ ሰብ ብዘይ ደረት ኣልቦነትን ብዘይ ደረት ዘስገርነትን የዕብዮ።”
ምስጢር ናይ ሓደ ኣብ ሰብኣውነት ዝውከል ኣምላኽ
ይኹን እምበር፡ ኣፍልጦ ምሃብ እኹል ኣይኮነን፤ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ትቕጽለሉ ኣንፈት” ክንፈልጥ ኣሎና፣ ናብቲ ኣብ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ትንቢታዊ ብቕዓት ክንምለስ ኣሎና። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንጸጋ እግዚኣብሔር ከነለልዮ ይግባእ፣ “እቲ ቤተ ክርስቲያን ብትሕትና እተብዕሎን እተቕርቦን ህያብ ኵላዊ ድሕነት፣ ሕይወት ሰብ ካብ ጾር ሓጢኣት ተላቒቑ ካብ ፍርሒ ሞት ሓራ ምእንቲ ኪኸውን።” ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ንእግዚኣብሔር ኣዚዮም ከም ዝፈልጥዎን ከም ንቡር ክወስድዎን ክጥንቀቑ ኣለዎም - ልማድ ከይከውን። ስለዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ “ምስጢር ናይ ሓደ ኣምላኽ . . . ኣብ ቅድሚ ፍጥረቱ ብዘይናወጽ ምትእምማን ደው ኢሉ ዝቕጽለሉ፣ ዝሓሸ መዓልታት ክመጽእ ይኽእል’ዩ - ክመጽእ ኣለዎ - ገና’ውን ክመጽእ እዩ” ብዝብል ትጽቢት ክግንዘብ ኣለዎ።
ክፍኣት ምውጋድ
ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ነቲ ቲ ምስ "ዝቘሰለ ፍጥረቱ" እተተሓሓዘ ገጽ ኣምላኽ እንደገና ንምርካብ፡ ካብቲ ጐይታ ኣብ ልቢ ሰብ እከይ ምስ ረኣየ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዚገልጽ ዛንታ ኽንጥቀም ከም ዘሎና የዘኻኽረና። ደቂ ሰብ ብምልዋጥ ወይ ብፍልቀት ጥራይ ነዚ እከይ እዚ ክስዕርዎ ኣይክእሉን እዮም። ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ኪፍጽሙ ጥራይ ዘይኰኑስ ድሕነት እውን የድልዮም እዩ።
"እከይ ጥራይ ይቕረ ክበሃል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህይወት ኣብ መወዳእታ ብሓቅን ጽባቐን ምእንቲ ኽትዕምብብ ክትውፈ ኣለዋ።" ምድምሳስ ወይ ምሕዳግ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ወዲ ሰብ ጥሒሉሉ ዘሎ ናይ ምስራዝ ባህሊ፡ ንኹሉ ምጥፋእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ካልኦት ጾር ዝመስል ምውጋድ እውን ዝምልከት እዩ። "መዓልታዊ ብዙሕ ነገራት ንድምስስ ኢና፡ ናይ ገበን ስምዒት ከይተሰምዓናን ዝኾነ ጉድኣት ከየውረድናን። መልእኽትታት፡ ዘይጠቕሙ ሰነዳት፡ ጌጋታት ርስሓት፡ ኣሰር፡ ዕዳታት ንድምስስ። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብዞም ተግባራት እዚኣቶም፡ ዝምድናታትና ንኽበስልን ዓለም ንኽትነብረላ ንምሕጋዝን ኣድለይቲ እዮም።"
ኣብ ትሕዝቶ ምጽኣት ሕድገት/ምስራዝ ማለት ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተነቃፍነት ጀሚርካ ንእግዚኣብሔር ክፉት ምዃን - ማለት ንሱ ክፍውሰካ ምፍቃድ ማለት እዩ።”
ህይወት ንኣምላኽ ኣብ ማእከል ብምንባር እያ ትዕምብብ
ጐይታ ልክዕ ከምቲ ንኖህ ዝረኸቦ፡ ኖህ እውን እውን ብግዲኡ ጸጋ ጐይታ የለልይ፡ “ለባም ሰብ፡ ንኣምላኽ ዝደሊ” ኣብ ምድላይ ፈጺሙ ዘይደክም እዩ። ኣብቲ ኣብ መርከብ ዝነበረ ኖህ፡ እግዚኣብሄር ይቕረ ናይ ምባልን ከም ብሓድሽ ናይ ምጅማርን ተኽእሎ የለልይ። ሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓቀይና ወጅሂ ኣምላኽ ናብ ምንባር ምስ ተመልሰ ጥራይ እዩ ታሪኽ ብሓቂ ክቕየር ዝኽእል፡ ታሪኽ ማይ ኣይሂ ህይወት ከም ብሓድሽ ከም እትዕምብብን እዚ ድማ ዝኸውን መንግስቲ ኣምላኽ ዳግማይ ምስ እንሃንጽ ጥራይ ምዃኑ የዘኻኽረና፡ ንኣምላኽ ኣብ ማእከል ህይወት ምንባር። ስለዚ ማይ ኣይሂ ቀሊል ጥፍኣት ዘይኰነስ ብህሞት ምጥፋእ፡ ዳግም ምፍጣር ማለት እዩ . . . ነቲ ኣምላኽ ብምትእምማን ንዝጀመሮ ታሪኽ ድሕነት ንምቕባልን ንምልዋጥን ዝድርኽ ሕግታት ናይቲ ታሪኽ ድሕነት ኢዩ።"
ንዘይምጉዳእ ምምራጽ
ስለዚ ማይ ኣይሂ "ንህይወት ስግንጢራዊ ምሕዳስ" እዩ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣይርስዖምን፤ ቀስቱ ኸም ምልክት ኪዳን ኣብ ደበና የንብር፣ እግዚኣብሄር ኣጽዋሩ ብኽቡር ዘይጎነጻዊ ኣዋጅ የቐምጦ። ብዛዕባ ኣምላኽን ጸጋኡ ዚግለጸሉ መገድን ክትዛረብ ከለኻ፡ ድፍረት ዝመልኦ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኺመስል ይኽእል እዩ፡”
ይኹን እምበር፡ “ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽን ፍልቀትን ደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዝመስልዎ ገና ኣይፈልጡን እዮም፡" ምድሪ እኳ ደኣስ "ምድሪ በቲ ንብዙሓት ተኣፈፍትን መከላኸሊ ዘይብሎምን ሰባት ዕረፍቲ ዘይህቦም ዜስካሕክሕን መወዳእታ ዘይብሉን ግጭታት ትበታተን ኣላ።" በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ክእለት እኳ እንተ ነበሮም፡ ንኻልኦት ከይጐድኡ ብፍታው ዚመርጹ ሰባት ዚገብርዎ ውሳነ ዜጸናንዕ እዩ ፣ ከመይሲ ንኻልኦት ብምቕባል ጥራይ እዩ "እቲ [ንሓድሕድና] ዘሎና ኺዳን ነባርን ሓቅን ናጻን ኪኸውን ዚኽእል።"
ናይ ሰናይ ግዜ
“እምበኣርከስ ጐይታኻ በየነይቲ መዓልቲ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ ንቓሕ”፦ እዚ ናይ መወዳእታ ናይ ኢየሱስ ምኽሪ እዩ። መዓልትን ሰዓትን ናይዚ ምጽኣት ዘይምፍላጥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዓቢ ትጽቢት ከም ዝፈጠረ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣስተብሂሎም፣ ሎሚ ግና ነገራት እተቐየረ እዩ ዚመስል፦ "እቲ ትጽቢት ኣዝዩ ስለ ዝነከየ ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ፍጻሜኡ ኢድካ ብምሃብ ናብ ምምዕዳው ዝተቐየረ ይመስል . . . ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ ብተስፋ ምቝራጽ እተፈተነ ዝደኸመ ንቕሓት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።"
እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ሰናይ ዝዘርኣሉን ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበየሉን ግዜ እዩ። ንደቂ ሰባትን ንቤተ ክርስቲያንን ካብ ዝጸሉ ክልተ ዓበይቲ ፈተናታት ማለት “ናይ ምድሓን ኣድላይነት ረሲዕና፡ ነቲ ደጋዊ መልክዕ ምስልና ብምሕብሓብን ነቲ ሱር በተኻዊ ባህሪ ወንጌል ብምንካይን ዳግማይ ምርድዳእ ክንረክብ ከም እንኽእል ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ የግዳስ ንቃል ክርስቶስ ከይወነንና፡ ናብቲ ናይ ምስዓብ ሓጐስ – መከራን – ክንምለስ ኣሎና። ከም “ሓለውቲ ኣብ ዶብ ዓለም ብምዃን ጥራይ ኢና – ከምቲ መነኮስ ቶማስ መርተን ዝጸሓፎ – ምምላስ ክርስቶስ ክንጽበ እንኽእል” እንክብሉ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ዘመነ ምጽኣት ከም ምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።