ድለ

2025.12.06 ካርዲናል ፓሮሊን ንሕንጸት ዝያዳ ሰብኣውነትን ሰላምን ዝዓሰላ ሞዛምቢክ ምድግጋፍ 2025.12.06 ካርዲናል ፓሮሊን ንሕንጸት ዝያዳ ሰብኣውነትን ሰላምን ዝዓሰላ ሞዛምቢክ ምድግጋፍ  ((foto X - ©TerzaLoggia))

ካርዲናል ፓሮሊን ንሕንጸት ዝያዳ ሰብኣውነትን ሰላምን ዝዓሰላ ሞዛምቢክ ምድግጋፍ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ንዝኽሪ 30 ዓመት ቅዋመ ክሌኣዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ሞዛምቢክን ንምብዓል ኣብ ማፑቱ ካብ ዕለት 5 – 10 ታሓሳስ ሓዋርያዊ ዑደት የካይዱ ከም ዘለዉን ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ማፑቱ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ብሓባር ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ሞዛምቢክ ርእሰ ብሔር ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ክሌኣዊ ዝምድና ከም ዘብዓሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ፍሉይ ናይ ምትሕብባር ማእስር”፡ ኣብ “ፖለቲካዊ ወይ ግዝያዊ ረብሓታት” ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ፡ “ምስ ክቡር ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ምስ ዘይምንዛዕ መሰላቱ፡ ውሁድ ኩለንተናዊ ምዕባለኡ፡ ሃይማኖታዊ ናጽነቱ፡ ምክልኻል ሰላም፡ ምድንፋዕ ፍትሒ፡ ከምኡ’ውን ሓልዮት ሓባራዊ ቤትና፡ መሬት” ዝተኣሳሰር መዳያት ዝምልከት ኮይኑ፡ እዚ ንቅድስቲ መንበርን ሞዛምቢክን ዝጥርንፍ ማእስር ምዃኑ ናይ ቅድስድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዓርቢ ዕለት 5 ታሕሳስ ኣብ ማፑቶ ኣብ ዝርከብ ኣብ ህንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብሓባር ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ሞዛምቢ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ቻፖ መበል 30 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብስም ሰብኣውነት ዝፍጸም ርክብ

ካርዲናል ፓርሊን ኣብዚ ክሳብ ዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ሞዛምቢ ኣብ ዘካይድዎ ዘለውይ ሓዋርያዊ ዑደት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሞዛምቢክን ዘሎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝምድናታት ኣጒሊሖም፡ እዚ እውን ሞዛምቢክ "ሃይማኖታውን ግብረ ገባውን ሸነኽ ጸገማት ሰብኣዊ ፍጥረት" ኣፍልጦ ምሃባ ዘርኢ'ዩ። በዚ ኸኣ ክልቲአን ሃገራት "ብስም ሰብኣውነት ክራኸባ ይኽእላ እየን፡ ካብኡ ንላዕሊ ድማ ክራኸባ ኣለወን"፡ እዚ ድማ "ብቕንዕና፡ ብኹሉ ምልኣትን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ሃብትን መንፈሳውን ስጋውን ህላወኡ ክሕሰብ" ዝብል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ከም መርትዖ ናይቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ሞዛምቢክን ዘሎ " ምሕዝነትን " ምቅርራብን" - ኣብዚ ዓመት'ዚ ውን ሞዛምቢ መበል 50 ዓመት ናጽነታ ከም እተብዕል - ከምኡ እውን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1988 ዓ.ም.፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ናብታ ሃገር ዝገበርዎ ምብጻሕን ዝተፈላለዩ ናይ ሃገረ ሞዛምቢክ መራሕቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕን ምልስ ቢሎም ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋ ድሕሪ ህቦብላ

ከም መላእ ዓለም "ሞዛምቢክ'ውን ሰላም ትብህግ" ዝበሉ ብጹዕነቶም እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ዝተሸመመትሉ "ብዓመጽን ሞትን ዝተለለየ ከቢድ ግጭት" ብምዝካር፡ ኣብቲ "ከቢድን ወጥሪ ዝመልኦን" እዋን፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እታ ሃገር ህዝቢ "ንፈተና ግጭትን ዓመጽን ኢዶም ከይህቡ" ጻውዒት ብምቕራብ ካቶሊካውያንን ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን "መዓልታዊ ንሰላም ናይ ጸሎት ግዜ ክወፍዩ" ከም እተማሕጸኑ ዘኪሮም፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ፡ ሞዛምቢክ ግልጽነት ንምድንፋዕን ብልሽውና ንምምካትን ዝዓለመ፡ ቅዋም ሃገር ምኽልካልን ጽገናን ዝተፈላለየ መዳያት ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ስምምዓት ንምብጻሕ ፖለቲካዊ ተወፋይነት ሒዛ "ንተስፋ ርህውቲ ኮይና ኣላ። እዚ ክባኽን ዘይብሉ ዓቢ ዕድል'ዩ -ቢሎም - ታሪኽ ከም ዝምህሮ "ንጥዑይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ርግኣት ዝኸውን ቀንዲ ረቛሒ ንህይወት ሰባት ዘመሓይሽ ቀስ ብቐስ ዝፍጸም ተሓድሶ ብምግባር ድሌታት ሕብረተሰብ ኣቐዲምካ ምግምጋምን ምላሽ ምሃብን ኢዩ" እንክብሉ ከም ዘሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ድምጺ ኩሉ ሰብ ምስማዕ

"ተሓድሶ ብምግባር ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ሰውራ ምርሓቕ" ዝብል ዕላማ ብምግባር "ድምጺ ዅሎም ሞዛምቢካውያን ብፍላይ ከኣ "መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ድኻታትን ጽጉማትን" ምስማዕ ከም ዘድሊ ኣነጺሮም። ነዚ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተ ብዝምልከት ጳጳሳት እታ ሃገር "ዝያዳ ፍትሓዊ፡ ቅኑዕን ሰብኣውን" ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣብ መስርሕ ለውጢ ንጡፍን ብንቕሓትን ሓላፍነታውን ተሳትፎ ዝኸውን ንእሽቶ መጽሓፍ ከምዘሕተሙ ኣመልኪቶም፡ ቀጺሎም ኣብቲ "ግዳይ ዘይምርግጋእን ዓመጽን ግብረሽበራን ዝኾነ ዞባ ካቦ ደልጋዶን ብዙሃት ንሞትን ምዝብልናን ዝዳርግ ዘሎ - እናሓሰቡ ከምኡ'ውን ኣብ ስቓይ ናይዞም ሰባት ኣተኲሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንምመራሕቲ እታ ሃገር ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምዝኻር" ኣብቲ ግዝኣት ጸጥታን ሰላምን ክምለሱ" ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስኒት ዘለዎ ሓባራዊ ህይወት

"ብዙሕን ዝተሓላለኸን" ጠንቅታት ዘለዎ ግርጭት ኣብ እንገጥመሉ እዋን - ይብሉ ካርዲናል ፓሮሊን "እቲ ሃይማኖታዊ ባእታ" ክንርስዖ ኣይንኽእልን ኢና፡ እዚ ድማ ብመሰረት ብጹዕነቶም "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ ብዚሓት ብዘይግቡእ ይጥቀምሉ።" ብሓቂ ንዘመናት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት "ብፍላይ ክርስትናን እስልምናን ኣብ ሞዛምቢክ ብሰላምን ስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብሓባር ይነብሩ ነይሮም" እንክብሉ ደጊሞም ብምግላጽ፡ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ግብረሽበራን "ኣካል ነፍሲ ሞዛምቢክ ከምዘይኮኑ" ኣስሚሮም፡

ኣብዚ መሪር ኩነታት፡ ውልቀሰባትን ትካላትን "ኣብ ዘይተረጋገጸን ተቓላዕን ኩነታት ንዝነብሩ ተመዛበልቲ ህዝብታት፡ ብፍላይ ድማ ህጻናት፡ ኣረጋውያንን ደቂ ኣንስትዮን ንምሕጋዝ" ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣድናቖቶም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሙሉእ ኣተገባብራ ስምምዕ 2011 ዓ.ም.

ቀጺሎም ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ኣብ 2011 ኣብ ማፑቶ ዝተኸተመ "ስምምዕ ሰላም ሕጋዊ መትከላትን ድንጋገታትን" ጠቒሶም፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሞዛምቢክን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን “ናጽነትን ርእሰ - ምሕደራን ነፍሲ ወከፍ ውድብ ብምኽባር ብስርዓትን ሕግን ዝተደገፈ ጥዕይ ምትሕብባር ምድንፋዕን ምትብባዕን ከም ዘድሊ ገሊጾም፡ ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት "ኩላትና ኣብ ምሉእ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ዝያዳ ክንስጉም ንደሊ። ሃገረ ስብከታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ልኡካነ ወንጌልን ንህዝቢ ሞዛምቢክ ብፍላይ ድማ ንዝደኸዩን ህጻናትን ኣረጋውያንን ሕሙማትን ንዝተገለሉን ብለጋስን ክርስትያናዊ ፍቕርን ዝህብዎ ኣገልግሎት ንምምችቻው ዝዓለመ” እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ኣብ መደምደምታ "ሞዛምቢክ ኣብ ልቦም ህልውቲ ምዃና ኣረጋጊጾም፡ ሰላምታን ቡራኬን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣመሓላሊፎም። ሕጂ በዓል ልደት ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ እዋን፡ ንህጻናት "ዝሓሸት ዓለም"  ከምኡውን ሞዛምቢክ "ዝያዳ ሰብኣውን ሓላይትን ዝያዳ ምዕባለን ሕውነታውን ሰላማዊ መጻእን" ንምውራስ ብሓባር ክንዓዪ ተስፋ እገብር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 Dec 2025, 17:37