ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኦም ልደትን ናይ ልደት ትርኢትን ተመሪቑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣደ መንበር ቤት ምሕደራ ከተማ ቫቲካን እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ነቲ ናይ ልደት ኦምን ትርኢት ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብምብራሕ ብወግዒ ኣብ ዝመረቓሉ ስነ ስርዓት ኣብ ዘቕረበኦ መደረ፡ "ሎሚ ኣብዚ ንዓለም ዝሓቍፍ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ልደት ትርኢትን ኦም ልደትን ስልማት በዓል ልደት ጥራይ ዘይኰነስ ምልክታት ሕብረት ናብ ሰላምን ክንክን ፍጥረትን ጻውዒት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ልዕሊ ዅሉ ዘቓልሕ መለለዪ ባህርያቱ ዝዀነን ናብ ኵላዊ ሕውነት ዝቐረበ ጻውዒት ዘቃልሕ እዩ" ከም ዝበላን፡ ኣብ 1223 ናይ ልደት ምርኢት ትውፊት ዘበገሰን ለምዘበን መበል 800 ዓመት ውልደት ኣብ ሰማያዊ ቤት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝዝከር ምዃኑ እውን ከም ዝሓበራ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ካብተን ባእታታት ምርኢት ልደት ዘወፈያ ሰበኻታት ኢጣሊያ ዝመጹ ሃይማኖታውያንን በርገሳውያንን ወከልቲ ኣቐዲሞም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከም እተራኸቡ እውን ዘኪረን፡ ናይ ቫቲካን ሓለዋ ጸሕታ ጉጅለ ሙዚቀይናታት ካብተን ባእታታት ምርኢት ልደት ዘወፈያ ሰበኻታት ዝመጹ መዘምራንን ባህላዊ መዝሙር ልደት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ትርኢት ልደትን እታ ገረብን ክሳብ መወዳእታ ናይቲ ምስ በዓል ጥምቀት ጎይታ ሰንበት ዕለት 11 ጥሪ 2026 ዝጋጠም ወቕቲ ልደት ንምርኢት ክቐርብ እዩ።