ካርዲናል ወለት ብዛዕባ ተራ ምእመናን ኣብ መርሕነት ኩርያ ሮማና የስተንትኑ
ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ወለት
ኣብ ማእከል እቲ ዝቕጽል ዘሎ ተሓድሶ ኩርያ ሮማና ማለት ላዕለዋይ ኣካል ምሕደራ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቶም፣ ብፁዕ ካዲናል ማርክ ኦዌለት ነበር ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተገብረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መርሒሕነት ቤተክርስቲያን ክሳተፉ ንዝሾምዎም ምእመናን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣመልኪቶም፣ ዓሚቝ ሥነ-መለኮታውን ቀኖናውን ሓሳባት ኣካፊሎም። እዚ ሓሳባት እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ተሃድሶ፣ ዘለዎ ኣገዳስነት የብርህን፣ ኣብ ውሽጢ እታ ምስጢራዊት ኣካል ክርስቶስ ዘሎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ባህርያትን ህያባትን ድማ ኣብ ግምት ብምእታው ዝገልጽ ኢዩ።
1. ሲኖዳዊ ሥርዓትን ተበግሶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን
ካብ መንጎ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘበገስዎ "ትብዓት ዝመልኦ ውሳነታት" ምእመናን ከምኡ ውን ደናግል ሰብ ውፉይ ሕይወት፣ "መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣብ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር (ኩርያ ሮማና) ከገልግሉ ንእተሸሙ ጳጳሳትን ካርዲናላትን ኣብ እተሓጽረ ስልጣን ምሃቦም ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ተበግሶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳቅት ኣብቲ "ምእመናን ኣብ ሕብረትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ተሳትፎ ክገብሩ ዝሓትት ናይ ሲኖዳውነት ሥርዓት" ተመርኲሱ፣ ኣብ ምምሕዳር ጕዳያት ቤተ-ክርስትያን ሓድሽ መዋእል ዝኸፈተ ኢዩ። እዚ ምህዞ እዚ "ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ውሳኔ ሻቕሎት ዝፈጥርን ግን ከኣ ግዝያዊ ጌርካ ዚርአ ውሳነ" እኳ እንተ ኾነ፣ ንኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን "ኪግምገም ዘለዎ ስምምዕ ወይ ከአ ክፍሊ ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን" እንተ ዀይኑ ንኸነስተንትን የገድደና ኣሎ ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
2. ስነ-መለኮታውን ቀኖናውን መሰረታት፦ ቅዱስ ቁርባንን መንግስትን
ኣብ ውሽጢ ኩርያ ሮማና፣ ነቶም ቅብኣተ ክህነትን ጵጵስናን እተቐበሉ ከምኡ ውን ንካርዲናላት ናይ ምሃብ ልምዲ ሱር ዝሰደደ እዩ፣ "በቲ ምስጢራውነት ቅብኣተ ጵጵስና ዘነጸረ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብንጹር ኪረጋገጽ ይኽእል እዩ (LG 21)።" ይኹን እምበር ካርዲናል ወለት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ "እዚ ማለት መዓርገ ክህነት ጥራይ ናይ ኵሉ ክፍልታት መሪሕነታት ቤተ-ክርስትያን እንኮ ምንጪ እዩ ማለት ግን ኣይኰነን" በሉ። እዚ ድማ "ዓንቀጸ እምነታዊ ወሳኔ እቲ ጉባኤ . . . ቅብኣተ ጵጵስና ፍሉይ ደረጃ መዓርከ ክህነት ኮይኑ ናይ ምስትምሃርን፡ ምቕድሳን፡ ምምሕዳርን ባህርያት ብጽንዓት ምሳኡ ከም ዝተሓሓዝ ሂቡሉ እዩ።" ይኹን እምበር እዚ ኣፍልጦ እዚ ምእመናን ኣብ ምምሕዳር ቤተክርስትያን ናይ ምስታፍ ተኽእሎ ኣይክልክልን ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ "እቲ ጉባኤ ድሕሪ ናይ ዘመናት ዘይምትእምማንን ድኽመትን፣ ብሓጐስ እንደገና ነዚ ጉዳይ እዚ ብምግምጋም ንዝረኸቦ ውህበታትን ኣገልግሎታትን" ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ።
3. ግደ መንፈስ ቅዱስን ስልጣን ውህበታትን
ኣስተንትኖ ካርዲናል ወለት ከአ ዓሚቝ ሥነ-መንፈስ ቅዱሳዊ ምስትውዓል ዝመርሖ እዩ ዝንበረ። "ሥነ-መለኮታዊ ኣስተምህሮት ቅዱሳት ምስጢራትና ኣብ ሓደ ወገን ክርስትና ጥራይ ዘወገነ ብምኹኑ፣ ብዛዕባ ሥነ-መንፈስ ቅዱሳዊ ኣስተውዕሎቱ እውን ሕጽረት ይረኣየሉ ኢዩ" በሉ። መንፈስ ቅዱስ "ንቤተክርስትያን ከም ምልክትን ምስክርነትን ንምህናጽ ወትሩ ነቲ ምስጢራዊ ተግባራት እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ የሰንዮ ኢዩ፣" ከምኡ'ውን "ተግባታት መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅዱሳት ምስጢራት ሓሊፉ እውን ኣብ ውህበታትን ኣገልግሎትን ብናጻ ይግለጽ ኢዩ" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
"እዚ መለኮታዊ ኣካል እዚ ብማእከላይነት እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ፣ ካብ ኣቦ ዚመጽእ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ናይዚ ውህበት-ኅብረት እዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ፍረን ምስጢርን እያ።"
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ወለት፣ "ኣብ ኣገልግሎት ኅብረትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ንህላወን ተግባርን መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ቈላሕታ ክንገብረሉ" ይሓትት። ብፁዕነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም ከምዚ ይብሉ፦
"ውህበታዊ ምምሕዳር ነቲ ክህነታዊ ወይ መዓርጋዊ ምምሕዳር ብምትካእ ኣብ ሕቶ ከእትዎ የብሉን። ይኹን እምበር ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሕገ ቀኖና (ቀኖና. 129 §2) እተመስረተ መምርሒ፣ እቶም ቅብኣተ ክህነት ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣብቶም ውህበታት ዘለዎም ሰባት ኪውከሉ ክኽእሉ ኣለዎም፣ ንሳቶም ከኣ ኣፍልጦ ዝወሃቦምን ብዘይ ምቍራጽ ኣብ ምምሕዳርን ሕጋውን ጉሰነታውን ጽፍሕታት ኵርያ ሮማና ዝሳተፉ ክኾኑ ኣለዎ።"
4. ቀኖናውን ግብራውን ሳዕቤናት ሰበ ስልጣን ካብ ምእመናንን ሰብ ውፉይ ሕይወትን
ምእመናንን ኣባላት ሰብ ውፍይት ሕይወትን፣ ኣብ ስልጣን ኩርያ ሮማና ምእታውይ ካብ ክብርን ዋጋን ናይቶም ቅብኣተ ክህነት እተቐበሉ ኣገልግሎቲ ከም ምንካይ ጌርካ ክትርጐም የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ "ናይ መንፈስ ቅዱስ ባህርያት ኣብቲ ምሥጢረ ክህነት ኣድላዪ ኣብ ዘይኰነሉ ቦታታት፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን ኣለዎም፣ ብብቕዓት እውን ካብ ካልእ ደረጃታት ምምዛዝ ግቡእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ሰብኣዊ ሃብቲ፣ ምምሕዳር ፍትሒ፣ ባህላውን ፖለቲካውን መሪሕነት፣ ፋይናንሳዊ ምምሕዳርን ኢኩመኒካዊ ዘተታትን።" ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም፣ "ኣብ መንጎ ካህናትን ምእመናንን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።
ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝኾኑ ኣካላት ቤተ-ክርስትያን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፣ "ብውህበታቶም ወግዓዊ ተፈላጥነት ምስ ረኸቡን ብስልጣን ተቐባልነት ምስ ዝህልዎምን" ኣብነት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ካርዲናል ኦውለት ወሲኾም ነዚ ዝስዕብ ንጹር ትዕዝብቲ ኣቕረቡ፦
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክትመርሕ ስልጣኑ እንተ መዘዝዋ፣ ንኹሉ ርእሰ ነገር ሥልጣኖም ክትውክል ስልጣን ይህብዋ ኣለዉ ማለት ኣይኮነን። ንሓደ ኣብ እተወሰነ ደረጃ ናይ ቤተ-ክርስትያን ብተመክሮ ብቅዓት ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ዝረኸበ ሰብ፣ ብምኽንያት እቲ ዘለዎ ውህበት፣ በቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ኩርያ ሮማና ዘለዎም ሓፈሻዊ ስልጣን እተቐርጸን ውሕስነት ዝረኸበን ዝለዓለ ሓላፍነት ኮይኑ ኢዩ ዝወሃቦ ዘሎ።"
ብተወሳኺውን ኣብዚ ኩነት እዚ፣ ቀኖናዊ ሥርዓታት ድሩት ምዃኑ የስተንትኑ፣ "ቀኖናዊ ሥርዓት ንመንፈስ ቅዱስ ከም ሓፈሻዊ ውሕስነት ናይቲ ትካል ገይሩ ናይ ምርኣይ ዝንባሌ ዘለዎ ኣይመስልን። ንምልክታት መንፈስ ብምውካስ ሓባራዊ ተግባራቱ ንኣካላት ክርስቶስ ዝህቦም ፍሉይ ባህርያት ንምፍላይ ዘኽእል ዓቕሚ መግለጺ ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
5. ሰተተ-እምነታውን ሥነ-ኣቅላሲያውን ትሕዝቶ፦ “ብርሃን ኣሕሳብን” ሕገ ቀኖናን
ብፁዕ ካርዲናል ወለት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመርኲሶም፣ ንሰነድ “ብርሃን ኣሕሳብ” (Lumen Gentium ) ከም ወግዓዊ ምንጪ ኣፍልጦ፣ ናይቲ ምእመናን ዘለዎም ኣገልግሎትን ውህበታትን ገይሮም ይገልጽዎ - "እቲ ጉባኤ... ንጕስነት 'ኵላቶም ብእተኻእሎም መጠን ብሓደ ልብን ኣብ ሓባራዊ ዕዮን ምእንቲ ኺተሓባበሩ፣ ኣገልግሎቶምን ህያባቶምን ኣፍልጦ ኺህቡ' ይዕድሞም (LG 30፣ 33)።" እቲ መግለጺ ብፁዕነቶም ከም ዘመልክቶ፣ እዚ ኣንፈት እዚ "ብፍላይ ነቲ ብበሰላ ቀሲሳውነን፣ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባን፣ ፍሉይ መሰላት ናይ ምድላይ ዝንባሌን፣ ንሥልጣን ዘሎ ህርፋንን ብሓጺሩ ንኣገልግሎት ምምሕደራ ከም ሓይሊ ገይሩ ዚሓስቦን ንህያባት ከም ብገዛእ ርእሱ ከም ሓደ ደረጃ ወይ ስልጣን ኪግምግሞ ዘይደልን ዕጹው ኣተሓሳስባን ንዘኸተሎ ሳዕቤና፣ ንሥልጣን ናብ ጕስነታዊ መልክዕኡ ኣብ ምምላስ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ።"
ብፁዕ ካርዲናል ኣብ መደምደምታ ንኣስተንትኖኦም በቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕርቦም ምኽሪ ከምዚ ክብሉ ይዛዘሙ፦
ከምቲ እዚ ጉባኤ ዝገለጾ ኵላትና 'ንሓቂ ብፍቕሪ ንፈጽማ፣ በዚ ኸምዚ ድማ በቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ብዅሉ ኽንዓቢ የድሊ። ምኽንያቱ ብዘሎ ሰብነት ብዂሉ መላግቦ ተተሓሒዙን ተኣሳሲሩን፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናቱ ዕዮ እናገብረ ብፍቕሪ ይዓብን ንሕነጽን (ኤፌ 4፡15-16)" (LG 30)።
እዚ ብፁዕነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ንመንፈስ ቤተ-ክርስትያንን ንትምህርትታት እቲ ጉባኤን እሙን ብምዃን ንካህናትን ንኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገድማውያትን ከምኡ ውን ምእመናን ኣብ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ምርሒት መንፈስ ቅዱስ ከለልዩ ዝጽውዕ ኢዩ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ተበግሶ "ግዝያዊ ውዕል" ጥራይ ዘይኰነስ፣ ከምቲ ብፁዕ ካርዲናል ወለት ዝገለጽዎ፣ "ንመጻኢ ተስፋ ዝህብ ኢዩ ከመይሲ ብመሰረት መምርሒታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንስልጣን ውህበታት ኣፍልጦ ምሃብ ከም ዝጅምር እውን ዘመልክት ኢዩ።" ስለዚ ቤተ-ክርስትያን "ብዛዕባ ምስጢራዊ ኣካልነታ ብሓፈሻ ከም መለኮታዊ-ሰብኣዊ ማሕበር መጠን ንምስጢር ስላሴ ክትገልጽ" ተዓዲማ ኣላ።
ስለዚ ኵሎም ኣባላት ቤተ-ክርስትያን "ብእተኻእሎም መጠን ብሓደ ልብን ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ይተሓባበሩ" በዚ ኸምዚ ድማ እታ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ "ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝያዳ ልእኽቲ ወንጌል ኰይና ክትቅጽልን ኣገዳሲት" ክትከውንንን፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ምስጢር ሓድነትን ድሕነትን ዓለም" ኮይና ክትቅጽል ዘለዋ መጸዋዕታ ክርፍጽም ትርከብ ኣላ።