ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ መንግስቲ ትራምፕ ሽማግለ ሰላም ኣይክትሳተፍን እያ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ሕንጻ ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንዝኽሪ እቲ ኣብ መንጎ ኢጣሊያን ቫቲካንን ዝተኸተመ ውዕል ላተራነንሰ ኣብ ዝተዳለወ ክሌኣዊ ዓውደ ኣኼባ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቅድስቲ መንበር “በቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ዘይኮነ ብዘለዋ ፍሉይ ባህርያታ ምኽንያት ኣብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቖመ ሽማግለ ሰላም ኣይክትሳተፍን እያ” እንክብሉ የረጋግጹ።
መልሲ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ
ብዛዕባ ተሳትፎ ኢጣሊያ ከም ተዓዛቢት ኣብቲ ሽማግለ ሰላም ዘለዎም ርእይቶ ዝተሓተቱ፡ “ብመጠኑ ጥርጣረ ዝፈጥረልና መብርሂ ክወሃቦም ዘለዎም ገለ ወሳኒ ነጥብታት ኣለዉ - ቢሎም - እቲ ሓደ ስክፍታና ድማ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ኩሉ ነዚ ቅልውላው ኩነታት ዘመሓድር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ኣለዎ እዚ ዘይምዃኑ ድማ ዓቢይ ስክፍታ ይፈጥረልና። እዚ ሓደ ካብቲ ኣጽኒዕና እንጣበቐሉ ጉዳይ እዩ” እንክብሉ ይምልሱ።
ዩክሬይን ብዝምልከት ኣሉታዊ ኣረኣእያ
ከምኡ እውን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘለዎም ስክፍታ እንክግለጹ እዚ ኣብ ኪየቭን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ከቢድ ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ ዘሎ እዋን እቲ ኲናት ካብ ዝባራዕ ራብዓይ ዓመቱ ይዝከር ኣሎ - ቢሎም - ብዛዕባ ዩክሬን" ብዙሕ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ብኽልቲኡ ወገን ንሰላም ብዝምልከት ሓቀይና ምዕባለታት ዘሎ ኣይመስልን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት እውን ኣብዚ ደረጃ እዚ ምህላውና ዘሕዝን ኢዩ። እዚ ዝካየድ ዘተ እዚ ገለ ምምሕያሽ ከምጽእ ተስፋ ምግባር ንቡር እኳ እንተኾነ ብዙሕ ተስፋን ትጽቢታትን ግን ዘለዎ ኣይመስለንን" እንክብሉ ብዛዕባ ዩክረይን ንዝቐረበሎም ሕቶ ይምልሱ።
ኢጣሊያ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት እትህበሉ ኣተኩሮ
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ኢጣሊያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ብዝብልከት ንዝቐረበሎ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ኣብቲ ክልተኣዊ ዓውደ ኣኼባ መንግስቲ ንብዙሓት ንልቢ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዮም ቀረባ ንዝኾኑ ጉዳያት ብዝሃቦ ኣቓልቦ ብወገን ቅድስቲ መንበር “ከመስግን ኣደሊ” ቢሎም፡ ካብቶም ጉዳያት ከም ኣብነት "ማሕበራዊ ባህሪ ዘለዎም፡ ንስድራ ቤት፡ ትምህርቲ፡ ናይ ኣእምሮን ኣካልን ስንኩላን ዝምልከት፡ ኣብያተ ማሕቡስ ዝብሉ ጉዳያት ጠቒሶም፡ ብዝያዳ ብቐጥታ ኣብቶም ዝተጠቐሱ ጉዳያት ምስ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዝመያየጥ ናይ ስራሕ ጉጅለታት ምህላዎምን ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ ጉዳይ እውን ምዃኑ ከረጋግጽ እፈቱ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።