ድለ

FILES-DENMARK-UN-ENVIRONMENT-CLIMATE FILES-DENMARK-UN-ENVIRONMENT-CLIMATE  (AFP)

ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዞባ ሳሄል፣ ንማሕበረሰብ እቲ ዞባ 'መካነ ተስፋ' እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ሓድሽ ሕገ ማሕበር ድሕሪ ምጽዳቖም ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዞባ ሳሄል፣ ኣብ ሰኔጋል ገምጋም ዕዮታቱ ኣካይዱ፣ ክብሪቲ እናቴ ኣሊሳንድራ ስመሪሊ ድማ ንውጥናት እዚ ማሕበር፣ ኣብ ማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ "መካነ ተስፋ" ኢዩ ብምባል ብሞሳ ገለጻኦ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ቐረባ እዋን፣ ነቲ ብ1984 እተመስረተ ሓድሽ ሕጊ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዞባ ሳሄል ዘጽደቑሉ መልእኽቲ ከም ዝወጸ ዝዝከር ኢዩ።

ድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስምምዕ ቦርድ ኣመሓደርቲ እቲ ማሕበር፣ ነቲ ሓድሽ ሕገ ማሕበር ንምግምጋም ካብ ዕለት 11-16 ለካቲት ኣብ ዳካር ሰኔጋል መበል 44 ጉባኤ ኣካይዱ።

ክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉዕ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብስም ቅድስቲ መንበር ነቲ ጉባኤ ብዕሊ ከፈታኦ።

እናቴ ስመሪሊ ኣብቲ ጉበኢአ ኣብ ዘካፈላኦ መግለጺ፣ ነቲ ኣብ ዞባታት ኣፍሪቃ ንዘሎ ኩነታት ሓድነትን ኣቓልቦን ንምግባር፣ "ብፍሉይ ዘተባብዕ ምልክት" ምዃኑ እውን ገለጻ።

ክቡርነተን ኣስዒበን፣ "ብሓቀይና መንፈስ ምትሕብባር እተለዓዓለ ዓሚቝ ሓድነት ዘለዎ ቦርድ" ከም እተዓዘባ እውን ገለጻ።

እቲ መግለጺ ሓድሽ ሕገ ማሕበር ብምውጻእን ሓድሽ ኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበርን ብምምራጾም ድማ እተሰምአን ሓጐስ ኣካፈላ።

እናቴ ስመሪሊ እዚ ስጕምትታት እዚ ይብላ "ነቲ ማሕበር ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ኣገዳሲ ጕዕዞ" ከም ዘመልክትን፣ እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ድማ "ብመንፈስ ኣገልግሎትን ሓድነትን ንመጻኢ ብተኣማንነት" ከሰንዮ ከም ዝሓስብ ገለጻ።

መልእኽቲ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ክብርቲ እናሬ ስመሪሊ ነቲ ጉባኤ ናብ ጐይታ ድሕሪ ምውፋይ ብጸሎት ከፈታኦ፣ እቲ ቦርድ ናይቲ ማሕበር ድማ ብዕለት 29 ጥሪ ነቲ እተመሓየሸ ሕጊ ማሕበር

 ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዞባ ሳሄል ብምጽዳቓም ምስጋናኦም ንምግላጽ ናብ ቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መልእኽቲ ለኣኸ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኣጸጋሚ ዅነታት ከም ዘተሓሳሰቦም እውን ኣመልኪቶምሎም እዮም።

መደባት ዘተ

ኣብዚ ጉበኤ ናይቲ ቦርድ ብዛዕባ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ ማሕበር ዝዀና ሃገራት ማለት ቡርኪናፋሶ፣ ኬፕ ቨርደ፣ ጋምብያ፣ ጊኒ-ቢሳው፣ ማሊ፣ ማውሪታንያ፣ ኒጀር፣ ሰኔጋልን ቻድን ንምግምጋም መደባት ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ዘካይድዎ ዘተ ብዛዕባ መነባብሮ ናይተን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያንን ዕዮኦምን ኣመለኻኽታኦምን ዘማእከለ ኢዩ ዝንበረ።

እቲ ቦርድ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ህይወት እተን ሃገራት እተራእየ ምዕባለታት እውን ገምጊሙ ኢዩ።

ኣባላት ተሳተፍቲ ናይቲ ጉባኤ ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ምዕባለታት እዚ ውጥናት ናይዚ ማሕበር ዝገበረሮ ደገፍ ዓብዪ ጽልዋ ከም ዝገበረ ብምግላጽ ነተን ኣባል ሃገራት ምልክት ተስፋ ከም ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።

ምሕዳስ ቦርድ

ብፁዕ ኣቡነ ሃሳ ፍሎረንት ኮኔ ድማ ብጳጳስ ፍራንቸስኮ ናይዚ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዞባ ሳሄል ከም ጳጳሳዊ ተወካሊ ኰይኖም እተሸሙ፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን መዝነቶም ዝጸደቐ፣ ብዛዕባ ተልእኾኦም ጸብጻብ ኣቕረቡ፣ እዚ ጸብጻብ እዚ ድማ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሕጊ እቲ ማሕበር ዘጽደቑሉ መልእኽቲ ብምንባብ ተዛዘመ።

በቲ ንቦርድ ኣመሓደርቲ እዚ ማሕበር ንምሕዳስ ብእተገብረ ናይ ድምጺ ምርጫ ድማ፣ ንኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን መረጹ፣ ብፁዕ ኣቡነ ቪክቶር ንዲዮን ጳጳስ ሰበኻ ኑዋክቾትን ኣመሓዳሪ ሰበኻ ማውሪታንያን ድማ ተመርጹ።

እቲ ቦርድ ነቲ ናይ 2026 ዓ.ም. ባጀቱ እውን ኣጽዲቑ ኢዩ፣ እቲ ዝዓበየ ግደኡ ድማ ነቲ ዝቐረበ ውጥናት ንምድጋፍ እተወፈየ መደባት ኢዩ ዝንበረ።

ድሕርዚ እዚ ቦርድ ኣመሓደርቲ ናብ ፕረዚደንት ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሰኔጋል ባሲሩ ዲዮማየ ዲያካር ፋይን፣ ናብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያን መልእኽትታት ለኣኹ።

19 Feb 2026, 10:04